2016-06-21 15:54:00

ናይ ሱዳን ብፅዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ብሓባር ንሕንጸት ሃገር


እዋኑ ሕድ ሕድካ እተወቓቐሰሉን እትካሰሰሉን ዘይ ሃናጺ ወቐሳ እተቕርበሉን ዘይኰነስ እጄታኻ ዓጺፍካ ብሓባር ንሕንጸት ሃገር እቶዓየሉ ብሓባር ንመጻኢ ወለዶ እናተመሓላለፈት እትኸይድ ሓዳስ ናይ ኵሉ ሃገር ዝዀነት ደቡብ ሱዳን እትሕነጸሉን ጊዜ ምዃኑ ናይ ደቡብ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 14 ክሳብ ዕልት 16 ሰኔ 2016 ዓ.ም. ኣብ ጁባ ኣብ ዘካይድዎ ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘስመረሉ እንክሕበር፥ ህዝቢ ንመርሕነት ሃገር ክድግፍ፥ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሴ 2015 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ዝቖመ ናይ ሃገራዊ ሓድነት መንግስቲ ብሕዝቢ ክድገፍን ንናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ክዓዪ መታን ከተባብዕዎም ከምዝግባእን ቀዳምነት ረብሓ ሃገርን ሕዝብን ክኸውን ዘለዎ ስለዚህ ነዚ ዕላማ’ዚ ከይተሓለሉ ከዓዩ ናይ ኩሉ ድጋፍን ቅርበትን የድልዮም ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ኩሉ ተወጊዱ ኤኮኖምን ናይ ሕዝቢ ሕይወትን ንኽመሓየሽን ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ምትጋህን ማሕበራዊ መውሃቢ ኣገልግሎት ክቐውምን ዝርአይ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ክፍታሕን ሰራሕተይናታት ብቑዕ ክፍሊት ደሞዝ ክህልዎምን ብፍላይ ድማ ሓይሊ ጸጥታን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ግቡዕ ናይ ወርሒ ደሞዞም ክቦኽሮም እንከሎ እዚ ጉዳይ’ዚ ከስዕቦ ዝኽእል ጸገም ኣዚዩ ሓደገይና እዩ ስለዚህ እዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ምርግጋእ ንሓደጋ ዘቃልዑ ሽግራት መፍትሒ ክርከበሎም ናይ ኵሉ ምትሕብባር ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብፁዓን ጳጳሳት ሱዳን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ እተን ካብ ገለ ገለ ዕጡቓት ሓይሊ ዝብተተከሰ ጥይት ዝቖሰላን ኣብ ሕክምና እንከለዎ ድሕሪ ከቢድ ስቓይ ዝዓረፋን ኣባል ማሕበር ደናግል ኣገልግልቲ መንፈስ ቅዱስ እናቴ ቨሮኒካ ተአሲኣ ራኮቫ ሰማዕትነት ጠቒሶም ንሰን ልክዕ ከምቶም ዝተቐሉን ዝቕተሉን ዘለዉ ዜጋታት ከምዝዀናን ደም ሰማዕትነ እናቴ ራኮቫን ንጹሓን ዜጋታትን ሰላምን ዘፍርይ ክኸውን ተስፋኦም ገሊጾም  ኪርን ራይክ ማቻርን ምእንቲ ሰላም ዝዓዩ ምዃኖም ዘረጋግጽ ጭቡጥ ምልክት ንሕዝቦም ከርእዩን ማሕበራዊ ሰላም ውሑስ ክግበሩን ሓድራ ቢሎም ስለ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ምእንቲ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ብፍሉይ ሓሳብ ከምዝጽልዩን ኩሉ ኣብዚ ጸሎት ክሓብር ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.