2016-06-18 16:34:00

ብፁዕ ካርዲናል ርይልኰ፥ እቲ ዝቐውም ሓድሽ ጳጳስዊ ቤት ጽሕፈት ዓለማውያን ምእመናን ዘለዎም ሓይሊ ዘጉልሕ እዩ


ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ “ሓደ ናይ ገዛእ ራሱ ዝኸኣለ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ታሪኽን መጻእን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ካብ ዕለት 16 ሰነ ክሳብ ዕለት 18 ሰነ 2016 ዓ.ም. ብዛዕባ ዘካየዶ መበል 28 ዓመታዊ ምልኡ ጉባኤ ኣሞርኵይዞም ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒዝላው ርይልኰ ብዛዕባ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ኣተሓሒዞም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥  ቅድም ቀዳድም እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ቅዱስ ኣቦና ናይ እዋናዊ ዓለም ብድሆታትን ናይ መጻኢ ራእይ ብምትኳር ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓዋርያውያን ቤተ ስልጣናት ቅዋሜ ብዝተኣታትውዎ ዘለዉ ሕዳሴ መሰረት ካብ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ እቲ ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ ሕይወት ተቛም እዚ ብኣኦም ዝምራሕ ዘሎ ናይ ዓለማውያን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምክርን ብሓደ ዝጥርንፍ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ቆይሙ ስርሑ ክጅምር ምዃኑ ገሊጾም። እዚ ሕዳሴ’ዚ ናይ ቫቲካን ጉባኤ ውሳኔታትን ናይ ርሑቕ ጠመተኡን ዝኽተል እዩ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተኣታትውዎ ዘለዎ ሕዳሴ ናይ እዋናዊ ኩነት ዓለም ሓደስቲ ብድሆታት ግምት ዝህብን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ማእከል ዝገበረን እዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ 1967 ዓ.ም. ዝቖመ ምንባሩ እውን ኣዘኻኺሮም እዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃን ብክፍለ ዓለማዊ ደረጃን ዝተፈላለዩ ጉባኤታት ከምዘካይደ እውን እቲ ኣብ 1971 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ዓለማውያን ምእመናን ጉባኤ ጠቒሶም እንክግለጹ፥ ዓለማዊ ምእመን ካብ ምትኻስ ተላቒቑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንደይና ተዋሳኢ ምዃኑ ክእመንን ኣብ ግብሪ ከውዕልን ይግባእ ኢሎም።

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዓለማውያን ምእመናንን ብዓለማውያን ምእመናን ንዝምስረቱ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምንቅስቓሳትን ማሕበረሰብን ብምትብባዕ እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመንን ሱታፌ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣበራቢሮምዎ እዮም። ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት ቅዱሳት ዓለማውያን ምእመናን ከተፍርይ ኣውን ገይሩ እዩ ምስ በሉ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘለለይዎ ኣድላይነት ዓይነት ሕዳሴ ኣብ እዋናዊት ቤተ ክርስቲያንን ሓደስቲ ብድሆታትን ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ማሕበራትን ተቛማትን ኣቢላ እዋናዊ መልሲ ክትህበሉ ዘተሓሳስብ እዩ፡ ዓለማዊ ምእመን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቱን ልእካነ ወንጌል እዩ። እዚ ልኡካዊ ወንጌላውነት ድማ ብዓለማዊ ምእመን ደረጃ ዝነብሮ እዩ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘበራበሮ ኵላዊ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጊዜኡ ገቢራዊ ይኸውን ኣሎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣተቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.