2016-06-18 16:23:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፥ ክፉት ዝዀነ ናብ ጐደናታት ዝወጽእን ነቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ንዝረሓቝ ዘስተውዓል ዓለማዊ ምእመን


ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዝጠለቦ መበል 28 ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ “ሓደ ናይ ገዛእ ራሱ ዝኸኣለ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ታሪኽን መጻእን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ካብ ዕለት 16 ሰነ ክሳብ ዕለት 18 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ  ዕለት 17 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲክን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም  ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን አለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ዓለማዊ ምእመን ናይ ስርዓተ ስልጣን ውክልና ማለት ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብዙሕ ውጽኢት ዝሃበን ካብ ውጽኢታቱ ሓደ ድማ እቲ ብሓልዮት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሓደ ምዃኑ ጠቒሶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ዓለማውያን ምእመንን ደቀ ንስትዮ ዓለማውያን ምእመናን ክብ እናበለ ይኸድ ከምዝገበረን፡ እቲ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተቐበልክሞዎ ተልእኾን መዝነንት ሕድርን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣስፍሆተ ወንጌል ተልእኾ ብዝበለጸ ተሳታፍነት ኣብ ግብሪ ንኸተውዕልዎን ኣብዚ መዳይ ዘለኩም ተራ ዘበራትዕ እዩ እዚ ማለት ግና ሓዋርያዊ ልኡክነት ዓለማውያን ምእመናን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ድሕነት ተልእኾ ምስታፍ ካብ ኰነ ዓለማዊ ምእመን ናይ ስርዓተ ስልጣን ውክልና ከምዝዀነ ገርካ ክሕሰብን ክንበርን የብሉን፡ ጸጋ ጥምቀት እዩ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ጨውን ብርሃንን መባዅዕትን ኣብ ዓለም ናይ ጎይታ ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝገብር።

ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓዋርያዊ ስልጣናዊ ቅዋማት ሕዳሴ ነእዋናዊ ብድሆ ዘማዕድው እ

ናብ ቤተ ክርስቲያን ብጸጋ ጥምቀት ኣቢሉ ይእተው ስለዚህ ንማዕርገ ክህነት ድዩ ንጳጳስና ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣይእተውን፡ ኩላትና ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝኣተና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ብመዓጾ ምስጢረ ጥምቀት ኣቢልና ኢና፡ ስለዚህ እቲ ዝተፈጸመ ጉዕዞ ብርሃን ብተስፋ መጻኢ እንጥምተሉ እዋን እዩ። ጭቡጥ ኩነት ሓደስቲ ብድሆታት እዩ ዘቕርበልና፡ እዚ ድማ ኣድላይነት ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን የተሓሳስበና። ስለዚህ እቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ጲጥሮስ ተሓባበርቲ ናይ ሓዋርያዊ ስልጣን ቅዋሜታት ሕዳሴ ካብዚ ዝነቐለ እዩ፡ ቢሎም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ድማ ኣቲ ናይ ዓለማዊ ምእመንናን ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ምስ ናይ ሕይወት ሓልዮ ተቛም ብምትሕሓዝ ብሓደ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈ ክጥርነፍ ዝተወሰነ እንክብሉ ሓቢሮም።

ስለዚህ እዚ ሕዳሴ’ዚ ዓለማዊ ምእመን ምዃን ዓቢይ ግምት ዝህብን ዘድንቕን ኰይኑ ሱታፌ ዓለማዊ ምእመን ኣብ ተልእዀ ወንጌል ዘበርትዕ እዩ፡ ስለዚህ ክትቕበልዎ እዕድም። እቲ ሓድሽ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ Christifideles-ዓለማውያን ምእመናን Evangelii gaudium-ናይ ወንጌል ሓሴትን  ከምኡ ድማ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት  ሓዋርያዊ ምዕዶታት ዝቖመ ምዃኑ ሓቢሮም፡  እዞም ሰለስት ሓዋርያዊ ምዕዶታት ስድራ ቤትን ዓለማዊ ምእመናን ሕይወትን ዝምልከቱ እያቶም ኢሎም።

ናብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ካብ ቤተ ክርስቲያን ናብ ዝረሓቑን ዝብል ዓለማዊ ምእመን

በዚ እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ኩነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀዋሚ ምውጻእ ክትርከብ ዝጽውዕ እዩ። ማሕበረሰብ ሰባኬ ወንጌል ድማ ብዘይ ፍርሒ ንኻልኦት ንምርካብን ምስ ካልኦት ንምርኻብን ርሑቕ ንዝርከቡ ብምድላይን ኣብ ፈቖዶ ጎደናታ ንዘጋጥምዎ ነቶም ዝተነጸሉን ንምድላይ ተበግሶታት ምፍጻም።

እትወጽእ ቤተ ክርስቲያንን ዝወጽእ ዓለማውያን ምእመን፡ እዞም ክልተ መገድታት እዚኣቶም ናይ ኵርናዕ ወንጌላውነት እያቶም ስለዚህ ካብቲ እንነብሮ ዘሎና ዓለም ደገ ንዘለዉን ርሑቕ ንዝርከቡን ኣብ ሕሱም መከራ ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ምሕረት ንዘድልዮምን ኵሎም ቀረባ ምዃን ማለት እዩ።

ናይ መጻኢ ርእየት ዘለዎም እጄታኦም ዓጺፎም ዝዓዩ ዓለማውያን ምእመና የድልዩና

ብብቕዓት ዝተሓንጹ ብትኽክለይናን ግልጽን እምነት ዝተነቓቕሑን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስን ምስቲ መሓሪ ፍቕሩን ግላዊ ርክብ ዝገበሩን በዚ ርክብ’ዚ ዝተተንከፉን ዝተልወጡን ዓለማውያን ምእመናን የድልዩና።

እጅጌኦም ዓጺፎም ክዓዩን ኣይዳዎም ክረስሕ ዘይሓፍሩን ዘይፈርሑን እንተተጋጋዩ እውን ዝትንስኡ ዓለማውያን ምእመናን የድልዩና። ናይ መጻኢ ራእይ ዘለዎም ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣብታ ጸባብ ሕይወቶም ዘይተዓጽዉ ዓለማውያን ምእመናን የድልዩና። ናይ ሕይወት ተመክሮ መኣዛ ዘለዎም ዝነቓቕሑን ዝእምቱን ሰናይ ዝሓልሙን ዓለማውያን ምእመናን የድልዩና ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ምዕዳን እንከጠቓልሉ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰይ ወለዶ ናይቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዓረጋውያን ሕልሚ የድልዮ፡ ናይ ምሕላም ብቕዓትን ናይ ሓድሽ ሓዋርያውነት ራእይ ድማ ይጸግዎም ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.