2016-06-14 15:48:00

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ቃልስና ብስእነት መግቢ ዝሳቐይ ምውጋድ ዘይኰነስ ስእነት መግቢ ንምጥፋእ እዩ


ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር ዝዀነ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግባዊ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ካብ ዕለት 12 ሰነ ክሳብ ዕለት 13 ሰነ 2016 ዓ.ም. ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳውያን መርሕቲ ብምትሕብባር ኣብ ዓለም ዝረአ ስቓይ ስእነት መግቢ ኣማእኪሉ ብዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ምኽንያት ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን፥ ቃልስና ስእነት መግቢ ንምውጋድ እምበር ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩ ምንጥፋእ ኣይኰነ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ መሪር ስቓይ ስእነት መግቢ ካብ ጉድለት ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዝነቅል ብምዃኑ ስቓይ ስእነት መግቢ ሓደ ናይ ሰብኣውነት ሕቶ ምዃኑ ነረጋግጽን ሓደ ከም ሰብኣዊ ሕቶ ክርአይ ከምዘለዎ ነስተዕል፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ቀዳማይ ናይ ሓባር ጻዕሪ ክኸውን ዘለዎ ተቐባልነት ዘለዎ መግብን ዝተመጣጠነ መግብን ርእሰ ብቕዓት ኣብ መግባውነትን ውሑስ ምግባር እዩ ቢሎም ካብዚ ነቒሎም እቲ ክንዋግኦ ዝግብኣና ዘይውሕስነት መግባውነት ደኣ እምበር ብስእነት መግቢ ንዝሳቐዩ ክኸውን የብሉን፡ ቃልስና ጥምየት ንምጥፋእ እምበር ዝጠመዩ ንምጥፋእ ዝሃቀነ ክኸውን የብሉን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ጥምየት ወይ ድማ ስእነት መግቢ ናይተን ዘይማዕበላ ሃገራት ጸገም ዘይኰነስ ናይተን ዝማዕበላ ሃገራት ጸገም እዩ። ስለዚህ ናይ ባዶነትን ኣልቦነት ሕቶ ዘይኰነስ ናይ ቐጥዒ ኣልቦ ሕልፊ ሕቶ እዩ። እቲ ባዶነት ሰለይ እናበለ ኣብ ልቢ ሰብ ይሰፍሕ፡ እዚ ከይከውን ቀንዲ መንቀሊ ስእነት መግቢ ኣብተን ጥመየት ዝረኣየለ ሃገራት ዘይኰነስ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ምኻኑ ምስትውዓልን ጥምየት ንምውጋድ ካብዚ ርእየት’ዚ ክነቅል ይግብኦ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.