2016-06-14 16:01:00

ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ፥ ስሎቨኒያ ተኣማኒት ንወንጌላዊ ክብሪ


ዕለት 13 ሰኔ 2016 ዓ.ም. ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝኽሪ መበል 25 ዓመት ናጽነት ስሎቨኒያ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ እግዚኣብሔር ንስሎቨኒያ ንዝዓደላ ጸጋ ነመስግኖ ቢሎም እቲ ኣብ ነበር ዩጎስላቪያ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ውግእ ዘኪሮም ስሎቨኒያ ሎሚ ኣብቲ ዕግርግር ኩነትን ቅድም እውን ኣብ ዘሕለፈቶ ፈተና ዝዘርኣቶ ፍረ እምነት ሎሚ ትእክብን ተአንግድን ኣላ ንሱ ድማ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ እዩ።

ኣብ መንፈሳውያን ክብሪ ዝቖመ ስልጣነ ምቛም

ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ታሪኽ ስሎቨኒያ እታ ሃገር ኣብቲ ሃብታም ዝዀነ መንፈሳዊ ውርሻ እምንቲ ምዃና የረጋግጾ ኣብ ናይ ሕዝቢ ሕይወት ነዚ መንፈሳዊ ውርሻ መለለዪ ሃገር ዘዳኽም ኩነት ክኽሰት ዝከኣል እዩ። ምእንቲ’ዚ እግዚኣብሔር  ኣብ መንፈሳዊ ክብርታት ዝጸንዔ ስልጣኔ ህልው ክኸውንን ካብ ዘርጊ ንምክልኻል ዘኽእል ሓይሊ ቅዱስ መንፈስ ንኽጽግወና ንለምኖ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኅብረ ብዙህነት ማሕበረሰብ ጭኑቕ ማሕበርሰብ ማለት ኣይኰነን

ኣብ ኤውሮጳ ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ብዙሓት ብስልጣኖም ዝዓወሩ መንግስታት ተራእዮምን ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቐን ኣልቦ እግዚኣብሔርነት ዝነብራ ከተማታት ደው ከብሉ ዝተፈኑ ከምዝነበሩ ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ። ዓለማዊ መንግስቲ ማለት መንግስቲ ዓለም ማለት ኣይኰነን ዓለማዊ ምልካውነት ማለት ኣይኰነን፡ ኅብረ ብዙህነት ሕብረተሰብ ጭኑቕ ሕብረተሰብ ማለት ኣይኰነን። ምእንቲ’ዚ እግዚኣብሔር ካብ ሕነ ምፍዳይን ቂምን በቀልን ካብ ኢጐነትን ካብ ወደረይናነትን ርሒቕና ሓደ ቅኑዕን ሓቀይናን ሕብረተሰብን ንምህናጽ ዘብቅዕ ናይ መንፈስ ስልጣኔ ናይ ፍትሕን ፍቕርን ስልጣኔ ክንሃንጽ ይደግፈና እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.