2016-06-14 16:05:00

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ኣብ ኢራን፥ ስለ ረብሓ ቤተሰብ ናይ ሓባር ጻዕሪ


ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ኣብ ኢራን ካብ ዕለት 12 ሰነ ክሳብ ዕለት 15 ሰነ 2016 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከምዘለዉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ብፁዕነቶም ምስቶ ኣብ ወርሒ የካቲት 2015 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ዝነበሩ ናይ ረፓብሊካዊት ኢራን ምኽትል ርእሰ ብሔር ሻሂንዶክት ሞላቨርዲ ከምእተራኸቡ የመልክት።

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያን ምኽትል ርእሰ ብሔር ኢራንን፥ ደቂንስትዮን ሕጻናት ምክልኻል

ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያን ምኽትል ርእሰ ብሔር ሞካቨርዲን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ዝተውሃበ ናይ ሓበር መግለጺ፥ ቤተ ክርስቲያንን ኢራንን ንሓልዮት ደቂንስትዮን ሕውነት ብዝዓሰሎ ናይ ሓባር ዘተን ርክብን መሰረት ክዓዩን ብፍላይ ድማ ስለ እቲ እዋናዊ ኩነት ዝጠልቦ ሓልዮ ስድራ ቤት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብሓባር ክዓዩን እቲ ንስድራ ቤት ስግኣት ዝዀነ ውግእን ድኽነት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ብምትሕብባር ንዝተፈላለዩ ሓደጋ ብቐሊሉ ዝቃላዕ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሕጻናትን ደቂንስትዮን ኣረጋውያንን ንምድጋፍን ኣብ ዘብቅዕ ናይ ሓባር ጻዕሪ ቤተ ክርስቲያንን ኢራንን ዝሓብሩ ምዃኖም ከምእተመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምትሕብባር ቫቲካንን ኢራን ኣብ ሓልዮት ስድራ ቤት

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ፥ ንሓልዮት ድኻታትን ስድራ ቤትን ብሓፈሻኡ ንረብሓ መላእ ዘርኢ ሰብ መስርሕ ሃገረ ቫቲካንን ኢራንን ግልጺ ዝዀነ ምትሕብባር መሰረት ስድራ ቤት ናይ ሕብረተሰብ ማእከል ከምዝዀነን ሓልዮ ስድራ ቤት ድማ ሓልዮ ሃገርን ሕዝብን ከምዝዀነ ኣብ ዝኣምን ናይ ሓባር ጻዕሪ ክዓዩ ከምዝዀኑን እንክመልክት ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ዕለት 14 ሰነ 2016 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ኣብ ከተማ ኡም ብሓልዮት ናይ ስነ ደቀንስትዮን ስድራ ቤትን መጽናዕቲ ማእከል ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ተሳቲፎም ዘረባ ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.