2016-06-11 15:40:00

ኮሎምቢያ፥ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእቲ ሰላምን ዕርቅን ናይ ሓባር ጸሎት ሳምንቲ


መጋበርያ ሰላምን ዕርቅን ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ ዕለት 17 ሰነ 2016 ዓ.ም. ዝዛዘም ምእንቲ ውህደት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝዓርግ ናይ ሰላምን ዕርቅን ናይ ሓባር ጸሎት ሳምንቲ ዕለት 10 ሰነ 2016 ዓ.ም. ብውግዒ ከምእተጀመረ ናይ ኮሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝዘርገሖ መግለጺ ዝጠቐሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛቤላ ፒሮ ሓቢረን።

እቲ ናይ ኮሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ዘነቓቕሕ ድርገት ዘዳለዎ ምእንቲ ሓድነት ናይ ጸሎት ሳምንቲ፥

ሃይማኖታት ኣብ ሕንጸት ሰላም ዘለወን ልዑል ተራ

እብዚ ናይ ጸሎት ሳምንቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕትን ማሕበረ ምእመናኖምን ኣብ ሰላምን ዕርቅን ሕዝብን ሃገርን ሃይማኖታት ዘለወን ልዑል ግደ ከስተውዕሉን በዚ ምስትውዓል እዚ መሰረት ድማ ናብ ሓድነት ከተኩሩ ዘተባብዖም  ዝተፈላለዩ መንፍሳውን ባህላውን መደባትን ዓውደ መጽናዕታትን ዓውደ ጉባኤታትን ድሮ ከምእተዳለወ ናይ ኮሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ፐድሮ መርካዶ ከምዝገለጹ ፒሮ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃብዎ ዜና ጠቒሰን ብምሕባር፥

ሕውነትን ዘተን ንምትብባዕ

ናይ ኰሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያት ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ኮሚቴ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፋቢያን ሳላዛር ብወገኖም እቲ ናይ ጸሎት ሳምንቲ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለዩ ማሕበረ ክርስቲያንን ናይ ሕውነትን ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዘተባብዕ ናይ ሓባር ጸሎትን ዘተን ስፍራ ምዃኑ ዘረጋግጽን እዚ እማኔ’ዚ ኣብ ኩሉ ክርስቲያን ክሰርጽ ዝገብር በዚ መገዲ’ዚ ድማ ሕዝቢ ዝድግፍ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግልቶ ዝሃቦ ዜና ዝተወከሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.