2016-06-09 15:08:00

ኣብ ሕገ ቀኖና ናይ ምሥጢረ ተክሊል ስርዓትን ሕግን ዝምልከት ዓንቀጽ ትግባሬኡን ምሕደራኡን ሕዳሴ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ “Mitis Iudex Dominus Iesus-ጐይታ ኢየሱስ መሓሪ ዳይና” ብዝብል እርእስቲ እቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ሰፊሩ ዘሎ ምስጢረ ተክሊል ዘመሓድር ሕጊ ክሕደስ እዚ ድማ ብዛዕባ መርዓ ዝምልከቱ መሰረታውያን ሕቶታት ስለ ናይ ሓባር ጥቕሚ ተለልዩ ብትኽክል ዝወሃቦ ትርጉምን ትግባሬኡን ክግለጽ ብዝብል ውሳኔ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነዚ ዘጽንዕን ነቲ ሕዳሴ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ዝድግፍ ናይ ዕዮ ድርገት ከቕውን ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ናብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ ከዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እዚ ድርገት ክቐውም ዝብል ሓሳብ ኣብ ወርሒግንቦት 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 69 ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ዝነቐለ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ናብ ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ መንፈሳዊ ውህደትን ሕውነታዊ ዘተ ዝዓሰሎ መበል 69 ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ Mitis Iudex Dominus Iesus-ጐይታ ኢየሱስ መሓሪ ዳይና” ሓዋርያዊ ውሳኔ መሰረት ምስጢረ ተክሊል ዝምልከት ሕግ ክሕደስ ዝብል ድላይ ጎሊሒ ዝተራእየሉ ምንበሩ ሓቢሮም፥ እቲ ሓድሽ ሕጊ ናይ ሰበኻታትን ውስጠ ሰበኻታ ዘለዉ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባይቲ ፍርዲ ብዛዕባ መርዓ ዝምልከት ዝኸትልዎ ከይዲ ዝምልከ እውን እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ኣሊጦም።

ኣብ ውሽጢ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍ ኣብዚ መዳይ መጽናዕቲ ዘካይድን ዘተሓባብርን ናይ ዕዮ ድርገት ክቐውም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ኣብዚ መዳይ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነዘርእዮ ውህደትን ምይይጥን ኣመስጊኖም ቀጺሎም እውን ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ መኽበሪ ሕጊ ኅየተን ከምኡ እውን ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዲ ኣፈ ጉባኤን ናይ ሰነደ ሕግታት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ኣመስጊኖም ምስ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ከከም ዘለዎም ሓላፍነት ብምክብባርን ብምትሕብባርን ደገፎም እውን ከምዘቕርቡ እምነቶም ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ሕዳሴ ብዝተዋደደ መገዲ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ብዝዓሰሎ ከይዲ ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣባታዊ ሓደራይ የቕርብ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.