2016-06-09 15:11:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ቁርባን እምነትና ዘበራትዕ መግቢ እዩ


ደቂ እታ ፍቕርቲ ኣርጀንቲና ንቅዱስ ቁርባን ዘለዎም ፍቕሪ ቅዱስ ቍርባን እምነትን ሕውነትን ንድኻታ ኣብ ምግልጋል ዘበርትዕ መግቢ ምዃኑ ተኣሚኖም ነዚ ግንዛቤ ብቐጻሊ ዘዕሙቑ እያቶም ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 16 ሰነ ክሳብ ዕለት 19 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀቲና ኣብ ከተማ ሳን ሚገል ደ ቱኩማን ዝካይድ ብሔራዊ ናይ ቅዱስ ቁርባን ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብሔራዊ ናይ ቅዱስ ቍርባን ጉባኤ ኣብ ናይ ኣርጀንቲና መበል 200 መዓልቲ ናጽነት

ቅዱስ ኣቦና በቲ ናብ ናይ ኣርጀቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ማሪያ ኣራንሰዶ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ንዝሳተፉ ሰላምታኦምን ቡራኬኦምን ኣቕሪቦም እቲ ብሔራዊ ናይ ቅዱስ ቍርባን ጉባኤ ኣብቲ መበል 200 ዓመት ናጽነት ርጀንቲ ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ዝካይድ ብምዃኑ ብሓቂ ድርብ ትርጉም ዘለዎ እዩ ቢሎም። መላእ ሕዝቢ ኣጀቲናን ናይታ ተፈቃሪት ብመላእ ሕዝቢ ኣርጀቲና ፍትውቲ እኖ ንሶም እው ኣብ ኣርጀቲና እነከለዉን ሕጂ እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓቢይ ኣኽሮት ዘሕድሩላን ኣማላድነታ ናይ ዝምሕጸንዋ ቅድስቲ ድንግል ማያም ዘሉኻ ኣማላድነትን ሓለዋን ከምእተመነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕትመን መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ናይ ብፁዓን ካዲናላት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ልሂቅ ኅየንተን ጳጳሳዊ ናይ ላቲን ኣመሪካ ሓልዮ ድርገት ልሂቅ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ሓዋርያዊ ወኪሎም ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ናይቲ ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መርሆ “ኢየሱስ እውነተይና መግቢ ሕይወት ንሕዝብን ሱታፌን” ብዝብል ሓሳብ ዝተሰየነ “ናይ ታሪኽ ጐይታ ዝኾንካ ኢየሱስ ክርስቶስ ምድላይካ ኣባና ኣሎ” ዝብል ምዃኑ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.