2016-06-02 19:01:00

ናይ ትሑት ሰብ ጸሎት ንልቢ እግዚኣብሔር ጋህ ኣቢሉ ይኸፍቶ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ንምሳሌ ናይቶም ሓቢሮም ክጽልዩ ናብ ቤተመቅደስ ዝደየቡ ፈሪሳውን መጸበሓውን ዘማእከለ ንትሕትናን ንጽሕና ልብን ዝምልከት ምስ ጸሎትናን ልመናናን ኣተሓሒዞም ‘ኣብዚ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ንክንረክብ ትሕትና የድሊ’ እንክብሉ ምዒዶም፣

ትማሊ ከም መኽፈቲ ኣስተንትኖ ዝመርጽዎ ቃል ኣምላኽ ካብ ወንጌል ሉቃስ 18.9-14 ዘሎ ኮይኑ ‘ንገሊኣቶም- ብርእሶም ጻድቃን ምዃኖም እናተማመኑ ንኻልኦትው ይንዕቁ ንዝነበሩ - ድማ፡ እዚ ዚስዕብ ምሳሌ እንከቅርበሎም፣ ‘ክልተ ሰባት ኪጽልዩ ናብ ቤተ መቅደስ ደየቡ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ተጋዊ ነበሩ፡ እቲ ፈሪሳዊ ቆይሙ ብልቡ፥ ‘ዎ ኣምላኽ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ሰረቅቲ፡ ገፋዕቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ድማ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር እህብ፡’ እናበለ ጸለየ።  እቲ ተጋዊ ግን ኣብ ርሑቕ ቆይሙ፣ ‘ኦ ኣምላኽ፣ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ!’ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ደኣ ነበረ እምበር፡ ኣዕይንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ንምባል እኳ ኣይደፈረን። እንካብቱይስ እዙይ ጸዲቁ ናብ ቤቱ ተመልሰ፣ እብለኩም ኣሎኹ፣ ከመይሲ እቲ ንርእሱ ዜኽብር  ኪሓስር፣ ንርእሱ ዜሕስር ግን ኪኸብር’ በሎም፣’ ዝብል ነበረ፣

ቅዱስነቶም ነዘን ክልተ ተጻጸርቲ ዝኾና ትሕትናን ትዕቢትን ብዝምልከት ሰፊሕ ትምህርቲ እንክብቡ ሕመረት ናይ ትምህርቶም ምሕረት እግዚኣብሔር ክትረክብ እንተደኣ ደሊኻ ከምዚ ተጋዊ ዝገበሮ ብትሕትና ልቢ እግዚኣብሔር ምኵሕኳሕ ከምዘድሊ ንምግላጽ ነተን ቃላት ወንጌል በብሓደ ይትንትንወን፣  ነቲ  ብደዔን መን ከማይን ዝወረሶ ኣገባብ ኣጸላልያ ናይቲ ፈሪሳዊ ‘ካብ መንገዲ እግዚኣብሔር ርሑቅ እዩ፣ ከመይ ንርእሱ ዘጽድቅ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ንእግዚኣብሔርን ብጻይካን ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ እግዚኣብሔርውን ስለዝጥሕስ፣’ እንክብሉ ምስ ገለጹ ናባና ምልስ ይብሉ እሞ ‘ክንደይ ግዜ ንጽሊ ዘይኮነስ ዘገድስ ከመይ ቢልና ንጽሊ እዩ፣ ኣብ ልብናስ ኣምሰሉነትን ሽፍንፍንን ድዩ ዘሎ ወይስ ትሕትናን ንጽሕናን፣ ብብደኤን ኣምሰሉነትን ክጽለ ኣይከኣልን እዩ፣ ጸሎት ሓቀኛ ንክኸውን ካብ ልቢ እዩ ክነቅል ዘለዎ፣ ርግእ ቢልካ ብጸጥታ ንልብና ጽን ብምባል ነቲ ሓቀኛ ጒዕዞ ልብና ምስ ፈተሽና ሽዑ እግዚኣብሔር ክዛረበና እንከሎ ክንሰምዖ ኢና፣ ንእዚኣብሔር እንተረኺብና ከኣ ነሕዋትናን ኣሓትናን እውን ኣባኡ ክንረኽቦም ኢና፣ ስለዚ ጸሎትና ከምቲ ናይ ፈሪሳዊ ዘይኮነ ከምቲ ናይ ተጋዊ ብትሕትናን ጣዕሳ ዝመልኦ ሕይወት ንስሓን ብልብን ክኸውን ኣለዎ` ብማለት ምስ ተማሕጸኑ ንጸሎት ናይቲ ተጋዊ ከኣ ከምዚ ክብሉ ይትንትንዎ፣

‘ጸሎት ናይቲ ተጋዊ ብዘይመጠን ሓጻር እያ፣ ከምቲ ናይ ፈሪሳዊ ነዋሕ ኣይኮነትን፣ ኦ ኣምላኽ ንኣይ ንሓጥእ መሓአረኒ’ ኣይትውሰኻ ኣይትንከያ፣ ብጣዕሚ ጥዕምቲ ጸሎት’ እንክብሉ ዕብየታን ጣዕማን ምስ ገለጹ ነቶም ኣብቲ ቅርዓት ተኣኪቦም ንዝነበሩን ብዝተፈላለየ መራኸቡ ብዙሓን ዝከታተልዎም ንዝነበሩን ከኣ ብሓባር ክደግምዋ ዓድሚሞ፣  ሰለስተ ጊዜ ከኣ ‘ኦ ኣምላኽ ንኣይ ንሓጥእ መሓአረኒ’ በሉ

ፍልልይ ናይዞም ክልተ ሰባት ኣብ ቤተ መቅደስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ እውን ከም ናይ ሰማይን ምድርን እዩ ነሩ፣ እቲ ተጋዊ ክነብር ቢሉ ቀረጽ ይእክብ ስለዝነበረ ምስቶም ገዛእቲ ወጻእተኛታት ይውግንዎ ነበሩ ንሱ ግን ኩነታቱ ፈሊጡ ብትሕትና ይመላለስ ሓንቲ ብርግጽ ዝፈልጣ ነገር ሓጢኣተኛ ምዃኑ እያ፣

`ናይዚ ምሳሌዚ ካልእ ትምህርቲ ከኣ ከም ሓጢኣተኛ ወይ ጻድቅ እትግለጸሎ ብኩነታታ ማሕበራዊ ናብራኻ ዘይኮነስ ጉጅለኻን ዘይኮነስ ምስ እግዚኣብሔር ብዘሎካ ርክብን ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዘሎካ ርክብን ከምዝውሰን እዩ፣ እቲ ፈሪሳዊ ካብ ካልኦት ዝበለጸ ገሩ ንርእሱ የቅርብ ንካልኦት ይፈርድ፣ ርኹብ ነሩ፣ እቲ ተጋዊ ግን ናብ ቤት ኣምላኽ ዝኸዶ ምሕረት ኣምላኽ ንምልማን ነበረ፣

‘እዚ ኸኣ ምንም ነገር ከይሓዝካ ከምዘሎኻዮ ምስ ዕሩቅ ልብኻ ሓጢኣተኛ ምዃንካ ብምእማን ምሕረት ኣምላኽ ምልማን! ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ! እዚ ንኩልና ዓቢ ትምህርቲ እዩ፣ ምሕረት ኣምላኽ ንኽትቅበል እንታይ ከምዘድሊ ይምህረና፣ ክሳብ ክንድዚ ንዑቅን ማንም ዘይግደሰሉን ዝነበረ ተጋዊ ናይ ሓቀኛ ኣማኒ ሓውልቲ ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ንዛረበሉ ኣሎና፣ በንጻሩ እቲ ፈሪሳዊ ሓውልቲ ናይ ብልሽዋት ኮይኑ በዚ ከኣ ትዕቢት ንኩሉ ሰናይ ተግባራት ክንገድፍ ካብ ጸሎት ባዶሽ ገሩ ካብ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትናን ኣሓትናን የርሕቀና፣  ከምቲ ኣብ ቅድሚ መስትያት ኰንካ ንርእስኻ ከም እተቈናጁ ኣብ ጸሎት እውን ብምስትምሳልን ኣጽድቆ ርእስን ትሳተፍ፣ ንኩሉ ሸፋፊንካ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ከም ጸላይን ጻድቅን ክትረኤ ትቃለስ፣ ናይ ሓሶት ናብራ ትነብር፣’ ስለዚ ከምቲ ጐይታ ዝብሎ  ካብ ብሑቅ ፈሪሳውያን ንምህዳም ‘ኣብ ናብራና ንርእስና ጻድቃን ቈጺርና ንካልኦት ክንፈርድን ክነናሹን ከይንርከብ ሓደራ` ቢሎም፣ ቀጺሎም ናብቲ ካብ ትሕትና ዝርከብ መስኸብ እንክገልጹ ከኣ እግዚኣብሔር ንትሕትና ከም ቅድሜ ኩነት ናባኡ ናይ ምቅራብ ገሩ ከምዝምልከቶ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

‘ጸሎት ናይ ዕቡይ ኣብ ድርኵዂት ልቢ እግዚኣብሔር ክብጽሕ እንተዘይከኣለ ናይቲ ድኻ ትሕትና ግን ንልቢ እግዚኣብሔር ጋህ ቢሉ ከምዝኽፈት ይገብሮ፣ ብቋንቋ ደቂሰባት ክንዛረብ  እግዚኣብሔር ሓንቲ ድኽመት ኣላቶ ንሳ ከኣ ንትሕቱታት ፈጺሙ ሸለል ክብል ኣይክእልን፣ ኣብ ቅድሚ ትሑት ልቢ እግዚኣብሔር ንልቡ ምሉእ ብምሉኡ ጋህ ኣቢሉ ይኸፍቶ፣ እዚ ትሕትና እዚ ኣብቲ ተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር ዝብል ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ተገሊጹ ዘሎ ትሕትና ብዝበለጸ ይገልጾ፣ ብትሑት ልቢ ንምጽላይ ንሳ ትርደኣና’ ክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም፣

ድሕሪ ናይቲ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ናይ ቋንቋ ጣልያን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ብሓጺሩ ምስ ገለጹን ሰላምታን ምስጋናን ምስ ኣቅረቡን ወርሒ ሰነ ናይ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ወርሒ ምዃኑ ብምዝኽኻር ነቲ ብቤተ ክርስትያን ዝተመልከተ ጸሎት ናብ ጥቀ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ክንጽልዮን ዘድልየና ጸጋታት ክንረክብን ምስ ተማሕጸኑ ብላቲናዊ ስርዓት ጽባሕ ንዝዝከር በዓል ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ብምምልካት ብፍላይ ከኣ ካብ መላእ ዓለም ንዓመት ምሕረት ኢየቤል ካህናት ንምፍጻምን ንንግደትን ንስሬተ ሓጢኣትን ካብ መላእ ዓለም ንሳልስቲ ሱባኤን ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ኣስተንትኖን ኑዛዜን ምስላም ቅዱሳት መዓጹ ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ዘካይዱ ንዘለው ልዕሊ 5000 ካህናት ብምዝካር ከኣ ምስኦም ሓቢሮም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ከብዕልዎ ምዃኖም ብምምልካት ኩልና ክንጽሊ ሓደራ ቢሎም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.