2016-06-02 15:45:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንካህናትኩም ብፍቕሪ ደግፍዎም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሰነ 2016 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ኣብ ቅሮዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስሉ ዕለት፥ ዕለት 3 ሰነ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ ኣብ 1856 ዓ.ም. ዝኣወጅዎ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝክረ 160 ዓመት ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ኣብዚ እንበሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱስ ኣቦና ዙሪያ ካብ ዕለት 1 ሰነ ክሳብ ዕለት 3 ሰነ 2016 ዓ.ም. እትነብሮ ዘላ ናይ ካህናት ኢዮቤል ኣብ ምሕረት ዓመት ዘኪሮም ካህን ይብሉ ናይ ምሕረትን ሓልዮትን ሰብ ንሕዝቡ ቀረባ ዝዀነን ናይ ኵሉ ኣገልጋሊ እዩ። እዚ ድማ ናይ ሕያዋይ ጓሳ ተክለ ሰብነት ምዃኑ ሓቢሮም፡ ካህን ነዚ ተክለ ሰብነት ንኽነበር ዝተጸውዔ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014 ዓ.ም. ንናይ ሰበኻ ሮማ ቆሞሳት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ዘስመርሉ ሓሳብ ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ነቲ ናይ ካህናት መዓልቲ መርሕ ቃል ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም ምእመናን ንካህናቶም ብሓልዮትን ቅርበትን ፍቕርን ነቲ ወትሩ ፍቕርን ምሕረትን ምልኣትን ዝኾነ ቅዱስ ልቢ ተምሳል ክኾኑ ኣብ ወርሒ ሰነ ንምትብባዕን ንምድጋፍን ስለ ካህናቶም ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ ክጽልዩ ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።

ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ካብ ዕለት 1 ሰነ ክሳብ ዕለት 3 ሰነ 2016 ዓ.ም. ዝንበር ናይ ካህናት ኢዮበል ንምስታፍ ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 6 ሺሕ ካህናት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቦና ብምኽንያት ናይ ምሕረት ዓመት ብዘርሃዉዎ ቅዱስ በሪ ክሓልፉን ኣብ ቅዱሳት መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስን ዎጳውሎስን ንክሳለሙን ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መርሕ ቃልን ምጽንናዕ እምነትን ክቕበሉን ኣብ ሮማ ከምዝርከቡ ድማ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላግራንደ ገሊጾም፥ እቶም ካህናት በቢ ቋንቋ ተኸፋፊሎም ብዝተፈላለዩ ናይ ቅዱስነቶም ተሓባበርቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ብፁዓን ካርዲናላት ኣስተምህሮ ይወሃቦም ከምዘሎ ድማ ኣዘኻኺሮም፡ ንናይ ኢጣሊያ ካህናት ኣስተምህሮ ዘቕርቡ ዘለዉ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ምዃኖም ድማ ኣመልኪቶም።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ናይ ካህናት መዓልቲ ኢዮቤል ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ምሕረት ዓመት እዩ ዝንበር። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ መርሕ ቃል ናይ ምሕረት ዓመት እዩ። ነፍሲ ወክፍ ምእመን ካህን ጳጳስ ብቕዱስ በሪ ዝሓልፍ ኩሉ ናቱ መንነት ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽን ተመክሮን ዘለዎ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነዞም መንፈሳዊ ነጋዶ ካህናት ዝነብርዎ ሱባኤ መሰረት ዕለት 2 ሰነ 2016 ዓ.ም.  ሰዓት ዓሰርተ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ቀጺሎም ድማ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓባይን ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፎሪ ለሙራ ኣስተንትኖ ከቕርቡ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም  ብዙሕ ጊዜ ንሓደ ክህን ካብ ዘጋጥሙ ብድሆታት ሓደ ጓሳ ምዃን ዘዘንግዕ ከም ናይ ሓደ ቤት ጽሕፍት ኣመሓዳሪ ምዃን ዝብል እዩ። ናይ ኑዛዜ ምስጢር ከም ቤት ፍርዲ ብሓፈሻኡ ናይ ሕጋዊ ኣገልግሎት መውሃቢ ጌርካ ምንባር እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕራፍ ሓሙሽተ ምስጢረ ንስሓ ዓቐን ፍቕሪ ምዃኑ እዩ ዘነጽረልና። ክህነት እምበኣር ከስ ሞያ ወይ ድማ ሥራሕ ማለት ኣይኰነን። ቅዱስ ኣምብሮዚዩስ ኣብ ጽሑፋቱ ከምዝብሎ እውን ካህን ናይ ፍትን ሕግን ኣገልጋሊ ጥራሕ ኰይኑ ምስ ዝተርፍ ሙያዊ ኣግልግሎት እዩ ዘቕርብ፡ ኰይኑ ግና ምሕረት ምስ ዝህሉን ኣብ ሕይወት ምስ ዝህሉ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሓዋርያን ይኸውን ቢሎም ዕለት 3 ሰነ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 9.30 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ እቶም በሸሓት ዝቑጸሩ ካህናት ዘሳተፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ጠቒሶም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.