2016-05-31 15:26:00

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ብኪነ-ጥበባዊ ምርእቲ


ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ካፒቶሊኒ ምሕረት እግዚኣብሔር ብኪነ-ጥበብ ዝትንትን ምርኢት ብምኽንያት እንነብሮ ዘሎና ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ዓበይቲ ናይ ኢጣሊያ ኪነ ጥበባውያን ብዛዕባ ክርስትናን ቀንዲ ትርጉም ክርስትና ምሕረት ምዃኑ ዘረጋግጽ እግዚኣብሔር ብቅብእን ቀረጻ ሓወልትን ዝትንትን ምርኢት ዕለት 30 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘስምዕዎ ዝረባ ብወግዒ ተመሪቒ ከምእተኸፍተ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብ ኪነ ጥበብ

እቲ ናይ ክርስትና እምነት ዘቕውም ምሕረት እግዚኣብሔር ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ኪነ-ጥበባዊ ምርኢት ካብቲ ኣደ ምሕረት ቅድስቲ ድንግል ማርያም በቲ ኣብ ዝባና ብዘንበረቶ መንጠሊና ኣቢላ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ትኸድን ትሕብሕብ ትከላኸልን ምዃና ዝገልጽን እቲ ካልእ ክጥቀስ ዝከኣል ንምርኢት ካብ ዝቐረቡ ስርሓት ኪነ-ጥበብ ሓደ ድማ ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 25 ካብ ፍቕዲ 35-36 ዝተወስደ ናይ ሰብነታዊ ምሕረት ዝብል እቲ ሓደ እውነተይናን ሕያዋይን ክርስቲያን ክኽውኖ ዘለዎ ተግባር ዘነጽር ምዃኑ ዝሓበራ ልእክቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ አስምዕዎ ዘረባ፥

ንዝተገብረሎም ዕድመን ነቲ ምሕረት እግዚኣብሔር ብኪነ ጥበብ ዓውዲ ዝትንት ምርኢት መሪቖም ንኽኸፍቱን ካብቶም ቀዳሞት ነቲ ምርኢት ዝበጽሑ ክዀኑ ዕድል ስለ ዝተውሃቦም ኣመስጊኖም ነቲ ምርኢት ምስ ናይ ኢጣሊያ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሚኒ ብምትሕብባር ንዘሰንደዎ ናይ ሮማ ቤት ምኽሪ ናይ ባህሊ ጉዳይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ኤውሮጳ ናይ መስህብ ማእከልን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎን ዝንበር ዘሎ ቅዱስ ዓመተ ምሕረት ብዝተፈላልየ መልክዕ ምንባሩን ምምስካሩን ብሓቂ እምነት ዘበራብር ተግባር እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ምሕረት ናይ ወንጌል ሕመረት እዩ። ኣብ ምሕረት ድማ ናይ ኢየሱስ ፍቕርን ሓልዮትን ቃልን ተግባርን ኰይኑ ናይ ኢየሱስ ሰብኣውነት ይግለጽ። ኢየሱስ ናይ ምሕረት ውጅሂ እዩ። እቲ ንምርኢት ዝቐረበ ስራሕ ኪነ ጥበብ ድማ ነዚ ዘድምዕ ምዃኑ ገሊጾም፥  ኢየሱስ ምሕረት እዩ። ምሕረት ድማ ኣብኡ ተሰግወ። እዚ ዅሉ ድማ ኢየሱስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ምስ ሕዝብን ዝስዕብዎ ምስ ዝነበሩን ምስተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕን ብፍላይ ድማ ምስቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ድኻታትን ሓጥኣንን ብምርኻብ ዝገለጾ እዩ።  ኢየሱስ ናይ ቅድስቲ ስላሴ ፍጹም ቅዱስ ምስሊ ምሕረት እዩ። ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ብዝህብ ፍቕሪ ዝግለጽ፡ ስቓይን መስቀልን፡ ብጀካ ሓጢኣት ምስ ኩሉ ከም ክሉ እናዀነ ንኹሉ ዝቐረበን ኩሉ መሰለን። ናይ ወንጌል መልእኽቲ ምሕረት እዩ ስለዚህ ነጻነት፡ ተስፋ፡ ንቕድሚት ዝድርኽ ጸጋ እዩ። ብዘይ ሕዛእትን ቁጥብነትን ብቅን ንፍጥረቱ ዘፍቅር ፍቕሪ እዩ። ናይዚ እንነብሮ ዘሎና ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ሕመረት ድማ ንሱ እዩ ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን።

እቲ ናይ ኪነ ጥበባውያን ስራሕ ናይ ውልቆም እምነትን ስምዒትን ዝገልጽ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ኵሉ ማሕበረ ክርስቲያን እምነት ዝገልጽ እዩ። ናይ እምንትን ተስፋን መልእኽቲ ዘጉልሕ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረ መራኸቢ ብዙሃን እዩ ኔሩ። ሎሚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃ ንጥቀም እውን እንተዀንና  ኪነ ጥበብ ግና ዝነበረን ጥንታውን መራኸቢ ብዙሃን እዩ። ዝቕጽል እምበር ዝሕከኽ ኣይኰነን። እቲ ንምርኢት ዝቐረበ ስራሕ ኪነ ጥበባውያን ነቲ ናይ ወዲ ሰብ ምዃናዊ ትጽቢታትን መሰረታዊ ሃንቀውታን ዘጉልሕ እዩ። ናይ እምነት ሓቂ መግለጺ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ገሊጸን።

እቲ ምርኢት ናይ ጥንታውያን ኪነ ጥበባውያን ስራሕ ዘቕርብ እውን እንተዀነ ነቲ እዋናዊ ናይ ወዲ ሰብ ኩነት ዝገልጽን ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብ ጊዜን ቦታን ዘይድረት ምዃኑ ዝምስክርን እዋናውነት ለበስ እዩ፡ እምነት ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ምንባር እዩ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ዕለት 6 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሔር እቲ መሓርቲ ንኽንከውንን እንነብረሉ ዓለም ብዓይነ ሰናይ ክንምልከቶን ዘብቅዕና ናይቲ ናይ ወንጌል ሓይሊ ዝዀነ ምህረት ተመክሮ ንኽህልወና መታን ጸጋኡ ንለምን ኣቲ ናይቲ ሞይቱን ዝተንሳኤን ወንጌል እንተድኣ ተቐቢልና መላእ ሕይወትና በቲ ሓዳሲ ዝዀነ ናይ ፍቕሪ ሓይሊ ዝተጸርበ እዩ ዝኸውን እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ፒሮ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.