2016-05-26 16:52:00

ኡጋንዳ፥ ናይ እምነት መንፈሳዊ ጉዕዞ


ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ሰማዕታት ኡጋንዳ ናይ ጸሎተ ታስዕት መደብን ከምኡ ድማ ዕለት 22 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ናይ ኪዪንዳ ሚትያና ሰበኽ ምስ ናይታ ሃገር ናይ መስህቦ ጉዳይ ሚኒ. ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ናይ እምነት እግሪ ጉዕዞ ብናይ ኡጋንዳ ሰማእታት ኣሰር ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ መንፈሳዊ መደብ ከምእተኻየደ ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ ዜና የመልክት።

እቲ ናይ እምነት ጉዕዞ እግሪ፡ ካብታ ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ዝኣተውላ ኡጋንዳዊት ከተማ ኤንተበ ተበጊሱ ኣብቲ ኣብ ንያሙጎንጎ ቅዱስ ካርሎ ልዋንጋን ብፆቱን ኣብቲ እዋን ናይታ ሃገር ንጉስ ብዝነበሩ ቡጋንዳ ምዋንጋ ዳግማዊ ትእዛዝ ዝተቐትልሉ ስፍራ ዝተሓንጸ ናይ ኡጋንዳ ሰማዕታት ቅዱስ ስፍራ ከምእተዛዘመ እንክምልከት፡ ምስቶም ሰማዕታት ብሓባር ካብ 1885 ክሳብ 1887 ዓ.ም. ካልእቶ ብዙሓት ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህራን ዝነበሩ ምእመናን ከምእተቐትሉ ናይ ኡንጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መግለጺ ኣዘኻኺሩ፡ እቲ ናይ እምነት ጉዕዞ እግሪ እቶም ናይ እምነት ሰማዕታት ናብ መቕተልቲ ስፍራ እናተዀብዀቡን እናተገርፉን ብዝተጓዕዙሉ መገዲ እናተጓዕዘ ኣብቲ ዝተቐትልሉ ስፍራ ዝቖመ ናይ ኡጋንዳ ሰማዕታት ቅዱስ ስፍራ በጺሑን ኣብኡ ብናይ ሰበኻ ኪዪንዳ ሚትያና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኣንቶንይ ዚዋ ተመሪሑ ብዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ሓቢሩ። ናብቲ ዕለት 3 ሰነ ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ሰማዕታት ኡጋንዳ ዘስንይ ናይ ታስዕት ጸሎትን እውን ይካየድ ከምዘሎን ናይ ለምዘበን ናብቲ ዓመታዊ በዓል ሰማዕታት ኡጋንዳ ዘሰንይ መርሕ ቃል ድማ ሓቂ ናጻ ከተውጽኣኵም እያ ዝብል ምዃኑ እንከፍልጥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ እቶም ናይ ኡጋንዳ ሰማዕታት ብፅዕና ዕለት 6 ሰነ 1920 ዓ.ም. ብውሳኔ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 15 ዝተኣወጀ ምዃኑን ዕለት 8 ጥቅምቲ 1964 ዓ.ም. ቅድስና ዝኣወጅሎም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ምንባሮም የመልክት።

እዚ ከምዚ ኡሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት፥ ናይ ኡጋንዳ ሰማዕታት ውርሻ እቲ ብሓይሊ ዝልወጥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝዀነ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝተመልኤ ሕይወት ዝሕብር እዩ፡ እዚ ውርሻ’ዚ ኣብቲ እቲ ሰማዕትነት ዝተኸፍለሉ እዋንን ኩነትን ደሪትካ ብዝነበረ ትረኻ ተሓጺሩ ዝግለጽን ኣብ ቤተ መዘክር ዝቕመጥን ክቡር ንብረት ገርካ እተቐምጦ ከይከውን። እቲ ሰማዕትነትን ሰማዕታትናን እነኽብሮም እቲ ንሳቶም ስለ ክርስቶስ ዝሃብዎ ምስክርነት ኣብ ቤትናን ንብጾትናን ንጎረባብትናን ኣብ እንዋፈረሉ ስፍራን ኣብ እንነብረሉ ማሕበረሰብን ክሳብ ጫፍ ዓለምን ብቓልን ሕይወትን ክምስክሮ እንኰለና እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ናይ ኡጋንዳ ብዙዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.