2016-05-26 16:56:00

ማላዊ፥ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ


ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት ኣብታ ሃገር ብስርዓት ልምድን ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓይ ተወለድቲ ደቂ ሃገር ማለት ብዘይ ባህርያዊ ሕብሪ ቈርበቱን ዓይኑን ጸጉሩን ዝውለዱ ዜጋታት’ታ ሃገር ከም መስዋዕቲ ጌርካ ምቕራብ ዝፍጸም ጸረ ሰብኣውን መሰልን ክብርን ጸረ ናይ ሕይወት ባህልን ተግባር ኣደዳ ዝዀኑ ዝተቐብሩሉ ጃምላዊ ናይ መቓብር ስፍራን ኣብ ገለ ገለ ኣባይቲ ድማ የዕጽምቶም ክፍሊ ሙት ኣካላቶም ዝዓቀቡ ኣባይቲ ብምርመራ ሓይሊ ጸጥታ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሎም ዝብል ዝንገር ዘሎ ዘሕዝን ዜና ኣማእኪሉ ብናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ድርገት ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸረ ሰብኣዊ ገበን እዩ እንክብል ከምዝገለጾ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ በሓይ ዝፍጸም መቕተልቲ ክውገድ ባህላዊ ቃልሲ ወሳኒ እዩ ኰይኑ ግና እዚ ንበይኑ እዅል ኣይኰነ ዝበለ ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላም ድርገት መግለጺ ኣስዒቡ፥ ሓይሊ ጸጥታን ናይ ሕጊ ኣኽባሪ ቤት ፍርድን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ናይ ብሔራት ላዕለዎት ኣካላትን ብምትሕብባር ከዓዩን ሓይሊ ጸጥታን ኣኽባሪ ሕጊ ኣባይቲ ፍርዲ እቲ ገበን ክፍጸም እንከሎን ምስ ዝፍጸም ድማ ካብ ዜጋታት ሓበሬታ ክረኽቡን ገበነይና ናብ ፍርዲ ከቕርቡን በዚ ዓይነት ገበን ዝሕተት ድማ ግቡእ ፍርዱ ክረክብ እንክብሉ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ናይ ብሔራት ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፍሳዊ መራሕትን ድማ በሓይ ዜጋ ከም ማንም ሰብኣዊ ፍጥር ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዘለዎ ከምዝዀነ ሕዝቢ ክኣምነሉ ዝድርኽ ናይ ባህሊ ጐስጓስን ሕንጸትን ከሳልጡ ይግባእ ከምዝበለ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ከምዚ ዓይነት ኢሰብኣዊ ልምዲ ዝረአየለን ሃገራት ብምትሕብባር ኣብ ምውጋዱን ክተግሃ ጻውዒት ዘቕረበ ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት መልእኽቲ ኣስዒቡ ኣብ ጋቦን በዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ልምዲ ኣብ ዓመት ካብ ሰላሳ ክሳብ ስልሳ ከምዝቕተሉን

 

ንሰብ ከም መስዋዕቲ ዘቕርብ ጸረ ሰብኣዊ ልምድታት ዘቃልዕ ማሕበር ዝሃብዎ ሓበሬታ ተወኪሱ ብምሕባር፥ በቢ ዓመቱ ዕለት 28 ታሕሳስ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝበዓል መዓልቲ ቅዱሳተ ንጹሓን ሰማዕታት ብምትሕሓዝ ስለ እቶም ናይቲ ጸረ ሰብኣዊ ልምድታት ስርዓት ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ካብ 2012 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝዝከርሉ ዕለት ኰይኑ ክሕሰብ ከምእተወሰነ ገሊጹ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ በሓይ ደቂ ሃገር ዝፍጸም መቕተልቲ ጸረ ሰብኣዊ ገበንን ኣብ መቕጽዒ ሕጊ ካብቶም ዓበይቲ ጸረ ሰብኣዊ ገበናት ተባሂሉ ክግለጽ ዝብል ጻውዕቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል መንግስታት ይዓዩ ከምዘለዉ ድማ ኣዘኻኺሩ፡ ናይ ማላዊ ሐይሊ ጸጥታ ምስ ናይ ሞዛምቢክ ሓይሊ ጸጥታ ብምትሕብባር ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ናይ ጥንቆላ ስርዓት በሓይ ከም መስዋዕቲ ዘቕረቡን ናይ ሰብነቶም ኣካል ንናይ ጥንቆላ ማሪት ስርዓት መቀቐሚ ንዝገሩ ገበነይናታት ብዘካይድዎ ምክትታል ንሓደ በሓይ መንእሰእይ ቐቲሎም ዝተብሃሉ ክልተ ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር ከዘእተዉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ገሊጹ፡ ታንዛኒያ ነቲ ጸረ ሰብኣዊ ልምዲ ጠሪሻ ንምጥፋእ እትኽተሎ ናይ ሕንጸትን ሕግን ባህሊ ኣብነት ተባሂሉ ዝግለጽ ብምዃኑ ናይ ማላዊ ርእሰ ብሔር ፐተር ሙታሪካ ነቲ ናይ ታንዛኒያ ተመክሮ እተጽንዕ ሓንቲ ጉጅለ ናብታ ሃገር ክልእኹ ምዃኖም ከምዝገለጹ ኣሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.