2016-05-24 15:58:00

ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣባይቲ ስድራ


ዕለት 24 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያን ናይ ድብሊን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዲያርሙይድ ማርቲን ብሓባር እቲ ካብ ዕለት 22 ነሓሴ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሴ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣየርላንድ ርእሰ ክተማ ዱብሊን ንኽካይድ ብቕዱስ ኣቦና ዝተወስነ ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት፡ እቲ ዛዕባ ስድራ ቤት ዓቢይ ቅዋም ተባሂሉ ዝንገረሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝድረስዎ ድህረ ሲኖዶስ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን  ኣማእኪሉ ዝካይድ ምዃኑ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክሕደስ ኣለዎ ዝብልን እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ዝሕብር ጥራሕ ዘይኰነስ ስድራ ቤት ከም መልክዕ ቤተ ክርስቲያን ክንበር ከምዘለዎ ዘተሓሳስብን ሓድሽ ክዋኔ ፍቕሪ ኣብ ስድራ ቤትን ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ሕይወት ቤተ ክርስቲያናዊ ምንባር  ዝሕድስን ናይ ስድራ ቤትን ማሕበራዊ ሕይወትን ዝልወጥን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፥ እዚ ድማ እቲ ናይ ዱብሊን ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ስድራ ቤት ካብቶም ዝሓለፉ ጉባኤ ስድራ ቤት ፍልይ ዘብሎ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ናይቲ ታሽዓይ ጉባኤ ስድራ ቤት መርሕ ቃል “ናይ ስድራ ቤት ወንጌል፡ ንዓለም ሓጐስ እዩ”  ዝብል እቲ ንሕና ባዓል ቤታዊ ስድራ ዘድምዕ እዩ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘስመርሉ ሓሳብ ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ክርስቲያን ስድራ ቤት ሓድሽ ብስራት እዩ። መግለጺ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለምን ወንጌል ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ምዃኑ ድማ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝተመርኰዘ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ኣብቲ ጉባኤ ክቐርብ ምዃኑ ገሊጾም  ኣብቲ ጉባኤ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ስድራ ቤታዊ መንፈስ ጥራሕ እዩ ኣብ ዓለም ሰላም ከረጋግጽ ከምዝኽእል ዘነጽር ኣስተምህሮ እውን ክቐርብ እዩ ከምዝበሉ  ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቲን እውን ብውገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ታሽዓይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ስድራ ቤት ኣብ ዱብሊኖ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ብምውሳኖም ንኣይርላንድ ዓቢይ ጸጋ እዩ ቢሎም ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ልኡካንን ስድራ ኣባይትን ኣብ ናይ ዱብሊን ቁምስታት ክእንገዱ ምዃኖም ሓቢሮም ናይ ስድራ ቤት ወንጌል ኣብ ኣየርላንድ መላእ ስድራ ቤት ዓለም ዘተሓባብር እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.