2016-05-24 15:56:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዋዕላ ዓለም ሓቆፍ ግብረ ሰናይ


ኣብ መንጐ ሃገራት ሰላማዊ ምትሕብባርን ኣብ ውሽጢ ሃግራት እውን ማሕበራዊ ጥርናፈ ውሕስ ንኽኸውን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቅድስቲ መንበር እትህቦ ኣስተዋጽኦ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ግብረ ሰናይ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘረጋገጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳብቲነሊ ገሊጸን።

ኣብቲ ናይ ቱርኪ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ብዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ዝተኸፍተ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ግብረ ሰናይ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ፥

ቅድስቲ መንበር ምርጋፍ ናይ ውግእ ኣጽዋን ግጭትን ውግእን ብዓንተውኡ ንምክልኻልን ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝግብር ጻዕሪ ብቐዳነት ክም ቀደም ልሚ እውን ከም እተገልግሎል ገሊጾም ብውግዓውን  ዘይሓፈሻውን ርክባት ኣቢላ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘኽብርን እቲ ውግእን ግጭትን ብዓንተውኡ ንኽውገድ ዝድግፍ ናይ ሃይማኖት መልለዪ ሰናይ ተግባር ክደምዕ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ብምርግጋጽ ናይ ሰላም ባህሊ ኣብ ምስፋሕ ቅድስቲ መንበር ተጊሃ ከምእተገልግል እውን ዝጠቐሱ ኣብቲ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮልን ኣስዒቦም፥ ውግእ ብባህርይኡ ጸረ ሰብኣዊ እዩ፡ ሰለዚህ ድማ ብዓውንተውኡ ንምውጋድን ንምክልኻልን ሃገራትን ህዝብታትን ብምክብባር ከም ሓደ ስድራ ንኽነብሩ ዝድግፎም ብኹለ መዳይ ክሰፍሕን እቲ ንሰብኣውነትን ምትሕብባርን መሰረት ዝዀነ  ስነ ምግባር ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ክኽበር ሓደራ ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ገሊጸን።

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማዚ

ሓደጋን ግጭትን ዝኣመሰሉ ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ብዓንተውኡ ንምውጋድ ቀዲምካ ናይ ምክልኻል ባህሊ ምቕባል የድሊ። ቅድስቲ መንበር ነዚ ባህሊ’ዚ ንምስፋሕ ዝድግፍ ናይ ዘተ ባህሊ ሕንጸት ብኹለ መዳይ ከምእተቕርብን ብፍላይ ድማ ናይ ውግእ ኣጽዋር ምርጋፍን እቶም ኣዚዮም ሓደገይና ዝዀኑ ዓይነት ውግእ ኣጽዋር ጠሪሹ ክውገድ ዝብል ውሳኔ ብብሔራን ዓለም ለኻውን ደረጃ ክጸድቕን ከኽበርን ድማ ኣብቲ ዋዕላ ኣባል ልኡካን ጉጅለ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሲላቫኖ ማሪያ ቶማዚ ኣብቲ  ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሓቢሮም፡ ኣብዚ እዋ’ዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን ጥሕሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኣመሰሉ ዝረአይ ዘሎ ገበን ድሕሪ ዓበይቲ ውግኣት ዓለም ጠሪሹ መዳርግቲ ዘይብሉ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፡ ክረጋግጽ ዘለዎ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓይሊ ድኣ እምበር ሓይሊ ናይ ምጥቃም መሰል ክኸውን የብሉን ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.