2016-05-19 19:20:00

ንድኻ ምጉሳይ ንእግዚኣብሔር ምንዓቅ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ነቲ ኣብዚ ዓመት ምሕረት ብዕቱብ ዝትንትንዎ ዘለው ምሕረትን ናይ ምሕረት ተግባራትን ብዝምልከት ንዝጀመርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል ትማሊ እውን ኣብቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዘሎ ብዛዕባ ሃብታም ሰብአይን ድኻ ኣልኣዛርን ዚዛረብ ምሳሌ ብምጥቃስ ‘ኢየሱስ ብድኻታት ገሩ እዩ ዝረኽበና’ እንክብሉ ካብቲ ንድኻታት ብምርዳእ ዝፍለጥ ናይ ምሕረት ስራሕ ብምብጋስ ‘ንድኻታት ካብ ምርዳእ ዝሃድም ካብ እግዚኣብሔር ከምዝሃድምን ንትእዛዛቱ ሸለል ስለዝብል ከኣ ንዕቀት የመልክት’ ኢሎም፣

ቅዱስነቶም ከም መንቀሊ ኣስተምህሮኦም ዝጠቀስዎ ክፍሊ ቅዱስ ወንጌል ሉቃስ 16.19-31 ‘ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረኣየ። ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ። ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ።  ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።

` ዝብል ነበረ፣ ሕይወት ናይዞም ክልተ ሰባት እናተጠማመተ ዚኸይድ ክልተ በበይኑ መስመር ሕይወት ኮይኑ ናይ ኣልኣዛር ነቲ ኣብ ኩሉ ዘመን ማንም ዘይሰምዖ ገዓር ድኻታት እንከመልከት ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ ከኣ ተጻብኦ ዓለምናን ኣድልዎኣን ኣብ ኢድ ቁሩባት ቀርቂራቶ ዘላ ሃብታን የግህድ፣ ነልኣዛር ክተወግንን ክትርስዕን ምጽዓር ንድኻ ጐሲኻ ምኻድ እዩ እዚ ከኣ ንእግዚኣብሔር ምንዓቅ እዩ ነዙይ ኣጸቢቅና ንመሃሮ ‘ንድኻ ምጉሳይ ንእግዚኣብሔር ምንዓቅ እዩ!’ እንክብሉ ምስ ተማሕጸኑ ምናልባት ነዙ ብጌጋ ከይርድኦ ከኣ `ዝውገዝ ዘሎ ሃብቲ ኣይኮነን ዝውገዝ ዘሎ ርሕራሔ ዘይምህላው` እዩ ኢሎም፣

ድኻ ኣልኣዛር ‘እግዚአብሔር ይሕግዝ እዩ’ ክብል እንከሎ ነቲ ድኻ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ሃብታም እውን ብቀጻሊ ኣብ እዝኑ ዝድውል ጻውዒት እዩ ኮይኑ ብካልእ ነገራት ተዋሒጡ ጸሚሙ እዩ፣ እቲ ኩነኔ ስለሃብቱ ዘይኮነስ ነቲ ድኻ ኣልኣዛር ስለዘይራሕራሓሉ እዩ፣

ከምቲ ወንጌል ዘመልክቶ ተጣዒስካ ክትመለሰሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ሁመት እቲ ሃብታም ነልኣዛር የለልዮ ክረድኦ ከኣ ይምሕጸኖ ነቲ ኣብ ዓለም እንከሎ ርእዩ ከምዘረኣየ ይሓልፎ ከምዘይነበረ፣ እዚ ከኣ ናብ ገዛእ ርእስና ተመሊስና ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ንድኻታት ርኢና ከምዘይረኣና ንኸውን! ንከምዚ ዝበሉ ሃብታማት ድኻታት ዳርጋ ከምዘየለው እዮም፣ ኮይኑ ግን እቲ ኣብርሃም ዝህቦ መግለጺ ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጽበ ዝብል እዩ፣ ዕድል እንከሎና ክንገብሮ እንኽእል ናይ ምሕረት ስራሕን ምሕረት እግዚኣብሔርን ፍትሕን ኣማዓራርዩ ነቲ ዕድል እንተዘይተጠቂምካሉ ‘ከምቲ ዝፈርድካዮ ከምእትፍረድ ከምቲ ዝሰፈርካዮ ከኣ ከምዝስፈረልካ’ ምዝካር የድሊ ነቲ ፈሊጥናን ደሊናን ዝዓጾናዮ ልብና ማንም ክኸፍቶ ኣይክእልን ወላ ንእግዚኣብሔር ምስ ተረገጠ እዩ፣ እዚ ከኣ ዘርዕድ እዩ፣ ስለዚኸስ ድኽነት ምሕረትን ንድሕነትና መንገዲ ምዃኑ ክንፈልጥ የድሊ፣ እንክብሉ ድሕነትና በቲ ንድኻታት እነርእዮ ርሕራሔን ንስሓን ለውጥን ከምዝውሰን ገሊጾም፣

ኣብ መወዳእታ እቲ ሃብታም ናይቶም ገና ብሕይወቶም ዘለው ኣሕዋቱን ዝኽተለዎ መንገዲ ጥፍኣትን ስለዘሻቀሎ ‘ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡’ ክብል ብዓቢ ህንጡይነት ይልምን፣ ኰይኑ ግን  ‘ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡’ እንክብል ቃል ኣምላኽ እምበር ተኣምራዊ ዝኾነ ነገራት ካብ ምውታት ተንሲኡ ዝምለስስ ይኹን ካልእ ተኣምር ከምዘየድሊ ይገልጽ፣ እዚ ከኣ ንኣና እውን ስለዝምልከት ምልክትን ተኣምርን ክንደሊ ጸሓይ ከይዓርበና ቃል ኣምላኽ ሰሚዕና ናብ ልብና ንመለስ፣ ብካልእ ኣዘራርባ ድኻታት ንጹራት መልእኽቲ ኣምላኽ እዮም ነዚኦም ክትክእ ዝኽእል ነቢይ ይኹን መልእኽተኛ ተኣምር ይኹን መልእኽቲ የሎን፣ ከምቲ ክርስቶስ ንይሁዳ ዝበሎ ከኣ ድኻታት ወትሩ ምሳና ኣለው፣ ዕለት ዕለት ኣብ ኩሉ ንረኽቦም፣ ርኢና ከምዘይረኣና ከይንከውን ሓደራ፣ ከመይ ብድኻታት ገሩ ኢየሱስ ወትሩ ምስ ረኸበና እዩ፣ ኣነጺሩ ከኣ ንሓደ ካብዞም ናኣሽቱ ንሓደ ዝገበርክምዎ ንኣይ ከምዝገበርክምዎ እዩ ይብለና ኣብቲ ጠምየ ነሩ ዝብላዕ ሂብኩምኒ ጸሚኤ ነረ ዝስተ ሂብኩምኒ ኣብ ዝብሎ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ይገልጸልና፣ እንክብሉ ምስ መሃሩ ኣብ መወዳእታ ሰላምታ እንከቅርቡ ትማሊ ዕለት 18 ግንቦት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣዋጅ ቅድስና ዝዝክረላ ዕለት ምዃና ብምግላጽን ነዚ ንምዝካር ካብ ፖላንድ ንዝመጹ ኣመስጊኖም።    








All the contents on this site are copyrighted ©.