2016-05-17 15:09:00

ስደተይናታት ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ


ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዓቢይ ስፍራ ከምዘለዎም ወትሩ ስለ እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዘሎ ቅልውላው ንስደት ዝዳረጉ ዜጋታት ንስደት ዝዳርጐም ምኽንያት መፍትሒ ክረክብ ንምእንጋዶም ኵሉ ብፍላይ ድማ እቶም ስደተይናታት ዝኣትውለን ሃገራት ኣብ ደገፎም ክተገሃ ከይተሓለሉ ቀጻሊ ጻውዒት ብምቕራብን ናብ ናይ ስደተይናታት መዕቆቢ  ብምብጻሕን ስለ እቶም ስደተይናታት ናይ ግብረ ሰናይ መደባት ኣውን ምብርግጋጽ ዝገልጽዎ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ኣማን ብሓልዮትን ድላይን ቅዱስ ኣቦና እቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ናይ ምህርትን ባህልን ገላጺ ምርኢት ብምስታፍ ንናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ዝውዕል ምጽዋት ንምእካብ ብዝተካየደ ጎስጓስ ዝተረኽበ ሓገዝ ኣብ ዮርዳኖ ንዝርከቡ ስደተይናታት ደገፍን ናይ ስራሕ ዕልድ ክፈጥር ዝኽእልን ዝረአይ ስእነት ስራሕ እውን መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ንመጻኢ እናማዕበለ ዝኸይድ ኣብ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ኣበርክቶ ክህልዎ ንዝኽእል ንናይ ሕርሻ ኢንዳስትሪ መደብ ከምዝወዓለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ። በዚ መደብ መሰረት’ዚ ድማ ኣብ 10 ሄክታር መሬት 600 ኣውሊዕ ተኸላ ናይ ምሕረት ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ብዝብል መጸውዒ ዕለት 15 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ገሊጹ፡  ኣብቲ ስነ ስርዓት ተኸላ ኦም ኣውሊዕ ንቕዱስ ኣቦና ወኪሎም ናይ ውሁድ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሰጉንዶ ተኻዶ ሙኞዝ ከምተረኽቡን ብፁዕነቶም ብሓባር ,ምስ ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ጥዋልን ከምኡ እውን ኣብ ዮርዳኖስን ኢራቕን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ አልበርቶ ኦርተጋ ማርቲን ነቲ ናይ ተኸላ ስነ ስርዓት ከምዝመረቑ የመልክት።

ብፁዕ ኣቡነ ተኻዶ ሙኞዝ ካብ ኣማን ምስ ተመልሱ ዕለት 16 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ኵሉ ከምዝፈልጦ ውሁድ ልቢ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ግብረ ሰናይ ዘሳልጥ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ነቶም ካብ ዒራቅን ሶሪያን በቲ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ቅልውላውን ውግእን ተመዛቢሎም ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ዜጋታት ድጋፍ ከውዕል ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ድላይ ኣብ ግብሪ ከምዘውዓለ ሓቢሮም፡ እቲ ጳጳሳዊ ቤ ምኽሪ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ንዝርከቡ ብዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተጠቕዑን ዝተመዛበሉን ዜጋታት ድጋፍን ከምኡ እውን እቶም ብድኽነት ዝተጠቕዑ ገዛእ ርእሶም ክኽእሉ ብዝተፈላለየ ሙያ ሕንጸት ክረኽቡ መደብ ሙያዊ ሕንጸት እውን ዘቕርብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ነቶም ኣብ ግሪክን ኣብ ከባቢሃገራ ባልካንን ንዝርከቡ ስደተይናታት እውን ሓገዝ የቕርብ ምህላዉ ገሊጾም እቶም ስደተይናታት ዘድልዮም ሓገዝ ዝተማልአ ክኸውን ኣብ መደብ ግብረ ሰናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ክተግህ እውን ጻውዒት ዘቕርብ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዮርዳኖስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበርን እቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተራድእ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ እተሰምየ ማሕበርን እቲ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ውሁድ ልቢ ዝውክሉ ኣባይቲ ጽሕፈት ብሓባር ዝመርሕዎ ግብረ ሰናይ ኰይኑ ይቕጽል ከምዘሎን እዚ ግብረ ሰናይ’ዚድማ ሰብኣዊ ረድኤት ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ናይ ሓበር ዘተ ዘነቓቕሕ እውን እዩ ቢሎም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ እውን ደገፎም ከምዘቕርቡ ጠቒሶም ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መገዲ እትረኽቦ ምጽዋት ኣብ ኣገልግሎት ሕክምናን ሕንጸትን ናይ ሰብኣዊ ድጋፍን ሕንጸት ሰላምን መደባት ዝውዕል እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.