2016-05-12 18:52:00

እግዚኣብሔር ከም ደቁ እዩ ዝሕብሕበና! ነዚ ክብሪ’ዚ ማንም ከሕድገና ኣይክእልን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 11.05.2016 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ‘እግዚኣብሔር ኣቦና ኣብቲ ዝጸንከረን ዝሓሰመን ሁመት ናይ ሕይወትና’ውን እንተኾነ ወትሩ ምስ መሓረናን ሃንጐፋይ ቢሉ ኢዱ ዘርጊሑ እውን ይቅበለና’ እንክብሉ ነቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 15 ተመልኪቱ ዘሎ ምሳሌ ጥፉእ ወድን ርሕራሔን ምሕረትን እግዚኣብሔር ኣቦ ዘመልክትን ክፍሊ ተንቲኖም፣

ቅዱስነቶም ቅድሚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተዘዋዊሮም ሰላም ምባልን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምልጋስን ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንሓደ ጉጅለ ሕሙማት ተቀቢሎም ቃሎምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦምን እውን ሂቦም እዮም፣

ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ እንክንሓስብ ክንዮ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ብምኻድ ነቲ ብልማድ ቅኑዕ ንዝበልናዮ ንምሽላም ሓጢኣተኛ ንዝበልናዮ ከኣ ንምቅጻዕ ዝቀዳደም ርእይቶና ይፍንጥሖ፣ ልቢ እግዚኣብሔር ዓቢ ገዛ ኮይኑ መመሓደሪ ሕጉ ከኣ ይቅረ ብማለት ንኩሉ ዘድሕንን ናብ ሕውነት ብምዕዳም ሓድነት ዝፈጥርን እዩ፣

ምሳሌ ጥፉእ ወዲ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝገልጽ ኮይኑ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ብግብሩ ሕፍረት ተጐልቢቡ ዝተመልሰ ጥፉእ ወዲ ከየዋረድን ከይነዓቀን ነቲ ናይ ጣዕሳ ቃላቱ እውን ከይሰምዔ ተቀዳዲሙ ብርሕራሔን ፍቅርን ምሕረትን ዝሓቊፍን ዳርጋ ከም ምሽላም ክንብሎ እንኽእል ቀሌቤትን ሓዲስ ክዳንን ብምኽዳን ነቲ ምልክት ክብረቱን ወራስነቱን ዘመልክት ነገራት ብምብርካት ይቅበሎ፣ ኢየሱስ ኣብዚ ምሳሌ እዚ ነቲ ኣቦ ከም ዝተበደለን ዝተቀየመን ኣየቅረበልናን፣ ንኣብነት ከማና እንተዝኸውን ‘ደሓን ኣብኣ ክትረኽባ ኢኻ! ነዚዶ ፈዲኻኒ’ ምበለ ኮይኑ እቲ ኣቦ ብፍቅር ሃንጐፋይ ቢሉ ክቅበሎን ክሓቊፎን ቀንዲ ሻቅሎቱ ጒድለት ወዱ ምሕሳብን እዚዶ ረኺበ ኢሉ ክንዲ ምጉርምራም ናይ ወዱ ሃለዋት ብዙሕ ኣሻቂልዎ ከምዝነበረ ብሰላም ምስ ተመልሶ ከኣ ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ጠፊኡ ዝነበረ እንክርከብ መይቱ ዝነበረ ከምዝትንስኤ ገቢሩ የቅርቦ፣ ዓቢ በዓል ክግበር ከኣ ይእዝዝ፣ ካብ ርሑቅ ክመጽእ ምስ ረኣዮ ይብል እዚ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን እንተበልና እቲ ውሉድ ካብ ገዛ ካብ ዝሸፈተላ ዕለትን ሰዓትን ጀሚሩ እቲ ኣቦ ኣብ በሪኽ ቦታ ኮይኑ ወዱ ክምልሶ ይጽበን ይሕሉን ከምዝነበረ እዚ ከኣ ርሕራሔ ኣቦ የመልክት፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይቲ ኣብ ገዛ ዝነበረ ወዱ ከም ባርያ ውዕለትን ካሕሳን ንዝጽበ ወዱ ኣብ ቤት ኣቦኻ ምንባር ክሳብ ክንደይ ክብሪ ከምዘለዎን ውሉድን ወራስን ብምዃኑ ክሕጐስ ነዚ ከኣ ከስተብህለሉ እሞ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ ሓዉ ብምርካቡ ደስ ክብሎን ምስ ሓዉ ክተሓቋቈፉ የዘኻኽር፣ ምሕረትን ርሕራሔን ኣቦንከስ እዚ እዩ፣ ከምቲ ንሕና ንሓስቦ ዝጸባጸብን በዚ እቶ በዚ ውጻእ እስኪ ሕለፋ ክርእየካ ወይውን ከርእየካ እየ ትሕሸካ እናበለ ዘፈራርሕን ተቀያምን ኣቦ ዘይኮነስ ንኩሉ ብልግሲ ዝህብ ተግባራትካ ዘይጸባጸብ ዘፍቅር ዝምሕር ዓቢ ልቦናን ትዕግስትን ዝለበሰ ንኩሉ ብነጻ ዝዕድል! ሸፍት ኣብ ገዛ ትረፍ ብዘየገድስ ወትሩ ብዓይኒ ርሕራሔን ድንጋጸን ዝጥምት ኣቦ ምዃኑ የገንዝብ፣ መንፈስ ውሉድነትናኸስ ብመንፈዓትና ዝረኸብናዮ ደሞዝ ከይመስለና ምሕሳብ የድሊ፣ እግዚኣብሔር ብነጻ ዝዓደለና ክብርን ጸጋን ምዃኑ ንገንዘብ፣ ነዚ ክብሪዚ ነዚ መሰልዚ ማንም ከሕድገና ኣይክእልን፣

እዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ኣይኮነን! ወላውን ኣብቲ ዝሓሰመ ኩነት ናብራን ውድቀትን ሓጢኣትን ኣብ እርከበሉ ግዜ እግዚኣብሔር ብምሕረት ከምዝጽበን ናባኡ ክንምለስን ክሓቈፍና ኣእዳው ዘርጊሑ ከምዝጽበየናን ርጉጻት ክንከውን ኣሎና፣ ከመይ ምሕረቱ ንዘለዓለም ጽድቂ ከኣ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ስለዝኾነ እንክብሉ ምሕረት እግዚኣብሔር ምስ ገለጹ ኣብቲ ምሳሌ ምልስ ይብሉ እሞ ኩነት ናይቲ ኣቦ ዘሕዝን ምዃኑ ንምግላጽ ‘ፖቨሮ ፓድረ’ መስኪን ኣቦ  ወይውን ዝወረዶ ኣቦ እቲ ሓደ ወዱ ይሽፍት እቲ ካልኣይ ከኣ እዚ ኩሉ ኣብ ቤት ኣቦኡ ክነብር ሓጐስ ርሒቅዎ ሓንቲ መዓልቲ መንነቱ ከይፈለጡ ብሃምታሙ ድኻ ብምውቁ ቈሪሩ ዝነብር ውሉድ ረኺቡ፣ ክልቲኦም በብመንገዶም ምሕረት ኣቦ ዘድልዮም እዮም ነሮም፣  ኢየሱስ ከኣ ኣብዚ ምሳሌዚ ዘዘኻኽረና ኣብ ቤት ኣቦ ምንባርሲ ብደሞዝን ካሕሳን ዝትመን ዘይኮነስ መሰል ውልድነት ዉሉድ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ክብር ዘልብስ ኮይኑ ኰይኑ ከም ኣሕዋት ናይ ምንባር ጸጋ ምዃኑ እዩ ዝገልጸልና ዘሎ፣ ነዙይ ግን ኣብ ድላይናን ናጽነትናን ይገድፎ። እንተደኣ ብምስትውዓል ተመልኪትና ኣብቲ ምሳሌ እቲ ዓቢ ውሉድ ኣብቲ ታሕጓስ ተሳቲፉዶ ኣይተሳተፈን ዝፍለጥ የልቦን፣ ሰንፈላል ገሩ ገዲፍዎ እዚ ከኣ ኣብ ቤት ኣቦ ክንኣቱ ኣባኡ ብታሕጓስ ክነብር መንፈስ ውሉድነት ክንለብስ ኣብ ምርጫና ከምዝኾነ ንኸረድእ ዝገበሮ እዩ፣ ዕድመ ይቀርበልና ኣሎ፣ ኣብ ቤት ኣቦ ክንምለስ ኣብ መኣዱ ክንሳተፍ ኣብቲ በዓልን ሓጐስን ክንሕወስ ንዕደም ኣሎና፣ ሃየኸጽ ኣብዚ ናይ ሕውነትን ምሕረትን በዓልን ሓጎስን ንሳተፍ፣ እንክብሉ ሓደራ ምስ በሉ ጽባሕ ንዝዝከር ዓመታዊ ክብረ በዓል ማርያም ፋጢማን መበል ሚእቲ ዓመቱን ድሕሪ ምዝኽኻር እዚ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት እኖና እግዚእትነ ማርያም ንሰለስተ መንእሰያት ዘቅረበቶ ናይ ንስሓን ለውጥን ጻውዒት ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓው ቢሉ ይጽዓናን ይዕድመናን ኣሎሞ ነዙይ እኖና ተቅርበልና ዘላ ናይ ጸሎትን ንስሓን ለውጥን ጻውዒት ንቀበል፣ እዚ ዕድመ እዚ ዘመሓላልፈና ስምዕታ ከኣ ‘ድሕሪ ደጊም ንእግዚኣብሔር ከይነቀይም፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ገበን ኣይንፈጽም’ ዝብል ዘሎ ኮይኑ ስለዝስመዓኒ ‘ዘመደ ኣዳም ኩሉ ናብቲ ምንጪ ፍቅርን ምሕረትን ዝኾነ እግዚኣብሔር ክምለስን ንኩሉ ኣብ ኢዱ ከወፍን እምሕጸን’ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.