2016-05-12 16:21:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ኡክራይን


ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ነቲ ዝሳቐይ ሰሎ ሕዝቢ ኡክራይን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደገፍን ምትሕብባርን ንምብጻሕ ኣብታ ሃገር ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፁዕነቶም እቲ ዕለት 13 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ ለቶኒያ ብዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝጠናቐቕ  ዕለት 7 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሊትዋኒያ ናይ ክልተ መዓልትን ኣስዒቦም ኣብ ኤስቶኒያ ኣብ ዘካይድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ሓዋርያዊ ዑደት መሰረት ዕለት 11 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ ኢስቶኒያ ኣብ ዝርከብ ናይ ታርቱ መንበረ ጥበብ ተረኺቦም ብዛዕባ ናይ ቅድስቲ መንበርn ዓለም ለኻዊ ርክባት ኣማእኪሎም ንናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ምሁራትን ከምኡ ኣውን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ተመሃሮን ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ከምዘስምዑን ብፁዕነቶም እቲ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ናብ ኤውሮጳን ከምኡ እውን ቅልውላው ክቡራት ዋጋታት ኣብ ኤውሮጳ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም እውን ሰፊሕ ትንተና ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ኡክራይን ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ኩነት እዚዩ የተሓሳባ

እቲ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ኣብ ኡክራይን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሰብኣዊ ግምት ብምሃብ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝወሃብ ምጽዋት ንናይ ኡክራያን ሰብኣዊ ደገፍ ክውዕል ኣንክብሉ ብዝሃዎ ናይ ደገፍን ምትሕብባርን ውሳኔ መሰረት ዝተኣከበ ገንዘብ ናብ ኡክራይን ብኣካል ንምብጻሕ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ኣብ ኡክራይን ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምኳኖም ገሊጾም፥ ቅድስቲ መንበር በቲ ኣብ ኡክራይን ዘሎ ገና መዕለቢ ዘይተረኽበሉ ውጥረት ኣዚያ ከምእትሻቐል እውን ሓቢሮም፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውጥረት ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ንስእነት መግቢ ከምእዘቃልዔን ሓደ ሚሊዮንን ፈረቓን ድማ ከምእተመዛበለን ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኩነታት እዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑን ኣቢያተ ትምህርቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ንሓደጋ ከምዘቃልዔን ዘኪሮም፡ እቲ ዘሎ ውጥረት ብዘተ ክፍታሕ ቅድስቲ መንበር ከይተሓለለት ጻውዒት ተቕርብ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ነቲ ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዝ ዘሎ ስደተይና ሰብኣውነት ዝዓሰሎ መፍትሒ ምቕራብ

ብፁዕነቶም ቀጺሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት መሰረት ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ጉዳይ ዝምልከት ጥራሕ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ ሓባር ጥቅሚ ምንቕቓሕን ምትሕብባርን ከምኡ እውን ሓገዝ ምቕራብ ኣብ ዝብሉ ኣብቶም ኣርባዕት መሰረታውን መርገጻት ዝቖመ እዩ። ስለዚህ በዚ መሰረት’ዚ ድማ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን ከምኡ ኣውን ኣብ ኤውሮጳ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ክቡራት ዋጋታት ትኵረት ክግበረሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ተነፊግዎን ብስእነት ፍትሕን ሰላምን ከምኡ እውን ድኽነት ብዘስዕቦ ሽግር ተገዲዱ ንዝስደድ ዘሎ ሕዝቢ እቲ ናይ ኤውሮጳ ዜጋታት መሰልን ግብኡን ብምሕላው ነቲ ስደተይና ምእንጋድ ብዝብል ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ብቑዕ መልሲ ክወሃበሉ ይግባእ ስለዚህ ሰብኣዊ መልሲ ዘድልዮ እዩ፡ ምስተን ስደተይናታት ዝነቕሉለን ሃገራት ሓናጽን ኣብ ምትሕብባርን ፍትሕን ሰላምን ዘቖመ ክሌኣዊ ዘተ ምቛም የድሊ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ዕለት 19 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓድሽ ናይ ኤስቶኒያ ልኡከ መንግስቲ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ክቡራት ዋጋታት ጠቒሶም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምሕላው ዝብል ክቡር ዋጋ ብሕሉፍ ውልቃውነትን ዘይኰነስ ብኵላውነት መልክዕ ክረጋገጽን ሰብኣዊ ፍጡር ብምሉእነት ዝምልከት ክኸውን ይግባእ። ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኵላዊ እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም ዕለት 19 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤስቶኒያ ሓድሽ ልኡከ መንግስቲ ቫኢኖ ራነርት ዘቕርብዎ ናይ መዝነት ሰነድ ክቕበሉን ክሌዊ ዘተ ከካይዱን ምዃኖም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ርሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ንምእመናን ኤስቶኒያ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ናይ ታርቱ መንበረ ጥበብ ቅድሚ ምኻዶም ዕለት 10 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ካቴድራል ንጽሕት ድንግል ማርያም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ንምእመናን ኤስቶኒያ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝለኣኽዎ ሰላምታ ኣቕሪቦም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ምእመናንን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ቀንዲ ኣገዳሲ ኣብ ሕይወቶም ንኽርስቶስ እሙናት ምዃንን ንቓል ኣምላኽ ኣተኵሮ ዝግበሩ ኣብ ቃል ኣምልኽ ንቑሓትን ዝብል ምዃኑ ተንቲኖም ጓሶት ነቲ እግዚኣብሔር ንሓላፍነት ጉስነቶም ዝሃቦም ሕዝቢ ኣገልገልትን ካብ ምእመን መኽሰብ ንምርካብ ዘይኰነስ ገዛእ ርእሶም ስለ መጓሰይ ኣሕሊፎም ዝህቡ ክዀኑ ዝተጸውዑ እያቶም ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግልሰጺ ኣስዒቡ፥

ብትብዓት ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ምብጋስ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኤስቶኒያ ዕለት 11 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ እውን ኣብ ርእሰ ከተማ ታሊን ኣብ ርከብ ካቴድራል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይዅን ዓይነት መሰናኽል ከይተሰናበዱ ነቲ ኣብ ኤስቶኒያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋን ወረራን ምልካዊ ስርዓትን ዝነበረቶ ትብዓት ኣብነት ገይሮም ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብትብዓት ከነቓቕሑን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘወግድ ባህሊ ብሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ክገጥምዎን ብቓልን ሕይወትን ቃለ ወንጌል ከበስሩን ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣገዳነቱ ኣዘኻኺሮም ብፍላይ ከም ኤስቶኒያ ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ብርቱዕ ናይ ኦርቶዶክሳዊትን ሊተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ዘለወን ሃገራት ክርስትና ኣብ ክርስቶስ ዘራኽብ እምነት ብምዃኑ ናይ ሓባር ዘተ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ዓይነት ዘተ ንናይ ሃገር ሕንጸትን ሰላምን ምዕባሌን ዓቢይ ደገፍ ከምዝዀነ ዝተረጋገጸ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፥ ነቲ ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕ ናይ ሓባር መደባትን ዓውደ መጽናዕትን መደብ ጸሎትን ምንቕቃሕን ናይ ሓባር ጥቅሚ ክስትውዓልን እዚ ድማ ብወንጌላዊ መንፈስ ዝተመርሔ ምስ ዝኸውን ልዑል ዝዀነ ውጽኢት ከምዝህልዎ ዝተረጋገጸ እዩ ቢሎም ምግምማዕ ንናይ ድላይ ክርስቶስ ዝጻረር ተግባር እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ካብ ግንቦት 7 ክሳብ ዕለት 9 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሊትዋንያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ኣጠናቐቝ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 11 ግንቦት ዘካይድዎ ናይ ኤስቶኒያ ዑደቶም ዛዚሞም  ናብቲ ክሳብ ዕለት 13 ግንቦት ዝቕጽል ናይ ለቶኒያ ሓዋርያዊ ዑደቶም ንምጅማር ዕለት 11 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ምሸት ካብ ኤስቶኒያ ተሳናቢቶም ከምዝነቐሉን ድሮ ኣብ ኤስቶኒያ ክምዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.