2016-05-12 16:18:00

መልኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃንጋሪ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 75 ዓመት ምስረታ ጳጳሳዊ ተቛም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃንጋሪ ንናይ ኤስተርጐምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳስ ናይ ሃንጋሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኢርዶ መልኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ንካህናትን ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ከምኡ እውን ዓለማውያን ምእመናን ኩሎም ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ዘለዎምን ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ውህደት ዘለዎም መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ሕንጸትን ምዕባሌን ንኽረኽቡ ዘገልግል እዩ ስለዚህ እዚ መደብ ሕንጸት’ዚ ንናይ ሃንጋሪ ብሉጽ መጻኢ ዝድግፍ ክኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣብታ ሃገር በቲ ዝነበረ ስርዓት ዴስነት ምኽንያት ዝወረደ ኵለ መዳያዊ ሽግርን መከራን እታ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተጸምዱ ጓሶትን ምእመናን ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ዝወረደ ዓመጽን ጸቕጥን ንመላእ ሃንጋርን ሕዝባን እውን ዘሳቐየ ክኸውን እንከሎ እቲ መበል 75 ዓመተ ቅዋሜኡ ዘብዕል ዘሎ ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ 12 ሓልዮት ዕለት 1 ሓምለ 1940 ዓ.ም. ዝተመስረተ ጳጳሳዊ ተቛም ቤተ ክርስቲያን እውን ብዙሕ ጸገማት ኣጋጢምዎ ከምዝነበረን በዚ ምኽንያት ድማ ብቅድስቲ መንበር ከምእተደገፈ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከምዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.