2016-05-11 15:54:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ትእምርቲ ለውሃት እግዚኣብሔር ንድኻታት ኵኑ


ዕለት 9 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንኣባላት ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ተቀቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና እቶም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ማሕበር ኣባላት ነቲ ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ብምዃድ ዝነበረቶ ሰብኣውን መንፈሳውን ተግባር ዝነብሩ ክዀኑ እንክምዕዱ፡ ማርያም ኣብቲ ዘለዋ ዕዙዝ መዳርግቲ ዘይብሉ ማዕርግ ከይደቀሰት ንድኻታት ፍቕሪ ብምዃን ናብቶም ድኻታት ተብል። እቲ ካብ 1869 ዓ.ም. ኣቲሒዙ ዝቖመ ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ሓገዝን ደገፍን ይጽናሐለይ ዘይበሃል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናብታ ዘመዳ ዝዀነት ኤልሳቤጥ ብምኻድ ዝነበረቶ ናይ ፍቕሪ ተግባር ኣብነት ዝስዕብ እዩ።

ናይ ድኻታት ሰናይ ምንዳይ

እቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ማሕበር ናይታ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእን ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያንን ምስቶም ኣዚዮም ብድኽነት ዝተጠቕዑ ምዃን ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እዩ። ነቶም ድኻታት እተናድይን ኣትበጽሕን እትራኸብን ጽን እትብልን ምስኦም ተኻፊላ እትነብርን ምስኦም እትኸውን ቤተ ክርስቲያን። ስለዚህ እቲ ናብ ድኻታት ምኻድ ገዛእ ርእስኻ ሒዝካ ዘይኰነስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሒዝካ  ምዃድን ንኣኡ ምቕራብን ዝብል እዩ። ቃሉን ወንጌሉን ምክፋልን እቲ ንሱ ዝገበሮ ምግባርን፡ ተደናቕነትን ተፈላጥነትን ንምርካብ ዘይኰነስ ናይ ካልኦቶት ብፍላይ ድማ ናይቶም ድኻታት ሰናይ ምንዳይ ዝብል እዩ።

ኢየሱስ ደኣ እምበር ገዛእ ርእስኻ ዘይምቕራብ

ካብቲ ናይ ማርያም ተመክሮ ከምእንርደኦ ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ገዛእ ርእሳ ዘይኰነስ ኢየሱስ ከምዘቕረበት እዩ። ህላዌ ወዳ እያ ዘቕረበት፡ እቲ ናይ ማርያም ምብጻሕ ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ምብጻሕ ይኸውን። ስለምታይ ንሳ ምሳኡ ምሉእ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበራ ንኣኡ እያ እተቕርብ። እዚ እዩ እቲ ክርስቲያን ኣብ ምንባር ፍቕሪ ክዀኖ ዝግብኦ፡ ምስ እግዚኣብሔር ጥብቂ ርክብ ዘለዎ ገዛእ ርእሱ ምቕራብ ዘይከኣሎ ንኢየሱስ ዘቕርብ ይኸውን።

ማይርያም ናይ እምነት ቅዱስ ምስሊ እያ። ኣብ እምነት ጥራሕ እዩ ንኢየሱስ ምቕራብ ዝከኣል። እምነት ምስ ዝህሉ ገዛእ ርስኻ ዘይኰነ ንኣኡ ኢኻ እተቕርብ። ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት’ዚ ኣብ ናይ ምሕረት ተግባራት ኣብ እንተግሃሉ ዘለናሉ ኣዋን ክኸውን እንከሎ እምነትና ንኽንሕድስ እንጽወዓሉ ቅዱስ ዓመት ምዃኑ ነስተውዕል። ነቶም ብስጋን መንፈስን ንዝሳቐዩ ምብጻሕ ኢየሱስ ንኽንከውን መታን ካብ ቃል ኣምላኽ ምስማዕን ጽን ምባልን ምስ ኢየሱስ ዓሚዩቕ ርክብ ካብ ምንዳይ ዝምንጭው እምነት ምኹስኳስ ይግባእ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ምዕዳን እንከጠቓልሉ፥ ንማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ኣባላት ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ንምርግጋጽ ዝህብዎ ኣስተዋጽኦ ጠቒሶም እዚ ድማ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሮማ ጳጳስ ንድኻታት ንዘቕርብዎ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ድጋፍ ዝውዕል ብምዃኑ ምስ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎም ውህደት ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ብምስታፍ ዝገልጽዎ ምዃኖም ገሊጾም ወንጌላዊ ናይ ፍቕሪ ስራሕ እትህብዎ ምስክርነት ወትሩ ህያው ኰይኑ ይቕጽል ናይ እግዚኣብሔር ርህራሄ ትምእርቲ ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ ነቶም ተነቀፍትን ዝተናዕቁን ዜጋታት ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.