2016-05-07 16:14:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፥ ሓድሽ ኤውሮጳዊ ሰብኣውነት እምነ


እቲ ካብ 1988 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ዝተበገሰ ንናይ ኤውሮጳ ውህንደትን ሓድነትን ዓቢይ ኣበርክቶ ካብ ዝሃቡ ብሉጽ ተባሂሎም ንዝተሓርየ ዝወሃብ ናይ ክብሪ ስልማት ካርሎ ማኞ ለምዘበ ናይ 2016 ዓ.ም. ስልማት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቑዕ ተባሂሎም ተሓርዮምን እነሆ ድማ ዕለት 6 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃአረ ቫቲካን ሓዋያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ መርሕነት ኣብ እተሰምየ ናይ ጉብኤ ኣዳራሽ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ማርቲን ሹልዝን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዶናልድ ቱስክን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣቦ መንበር ዣን ክላውድ ዡንከርን ናይ ጀርመን መራሔ መንግስቲ ኣንገላ መርከልን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ነቲ ስልማት ከምእትረከቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ስልማት ተቐብሎም ምስ ኣብቁዕ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ኣበው ሹማንን ደ ጋፐሪን ካልኦትን ጠቒሶም ንኤውሮጳ ዝገልጻ እቲ ክቡርን ናይ ነዊሕ ራእያዊ ጠመተኣ ዝዀነ ኤውሮጳ ንናይ ገዛእ ርእሳ ታሪኽ ብቕዕትን ዝተገብአት ዘብላ እቲ ናይ ስልጣነ መትናዊ ባህርያታ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ፖለቲካዊ ረብሓታት ዝተዓጽወት ኣብቲ ብዙሕ እዋን በኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ዜናታት እንሰምዖ ክዋኔታት ዝግለጽ ኣይኰነ ዝብል ነዚ ሓሳብ እዚ ብሰፊሕ ዝትንትን ዘረባ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ኤውሮጳ እንታይ እዩ ዘጓንፈኪ ዘሎ?

ነቲ ስልማ ብቑዕ ዝዀነ ዝሓርይ ጉጅለ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ስልማት ብቑዕ ዘበሎም እንክብል ኣብ ዘቕረቦ ምኽንያት ብቐዳምነት ናይ ሕልና ድምጺ እንክብል ቅዱስ ኣቦና ብምግላጽ ዘለዎም ግብረ ገባዊ ልዑል ሓላፍነት (ስልጣን) ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ኣበው ዝገልጽዎ ዝነበሩ ክቡራት ዋጋታት ዘበራብርን ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ዝብሉ ነጥብታት ዘንበረ ክኸውን እንከሎ።

ቅዱስ ኣቦና እቲ ሕብረትን ውህደን ኤውሮጳ ንምቛም ዘበገሱ ልዕላን ክብርታት ምስ እዋናዊ ኩነት ኤውሮጳን ዓለምን ኣዛሚዶም ኤውሮጳ እንታይ እዩ ዘጓንፈኪ ዘሎ? ንስኺ መሬት ገጠምንት ፈላስፋታትን ስነ ጥበባውያንን ከያንያንን ደረስትን …. እንታይ እዩ ዘጋጥመኪ ዘሎ? ኣደ ኣሕዛዝብን ብሒራዊ ሃገራትን ኣደ እቶም ስለ ኣሕዋቶም ቢሎም ገዛእ ርእሶም ናይ ዝሰውኡ ዓበይቲ ዚጋታን አደ ዝዀንኪ ኤውሮጳ እንታይ ኢኽ እትዀንዮ ዘለኺ? ዝብሉ ሕቶታት ኣቐዲሞም፥

ተዘክሮ ምምሕልላፍ

እቶም ውህደትን ሓድነን ኤውሮጳ ዝሓለኑ ኣበው ዘማዕደዉዎ ክቡራት ዋጋታት ኣድኒቖም ኰይኑ ግና እቶም ክብርታት ምስ እዋናዊ ኩነት ኤውሮጳ ዝገራጨው ከምዝመስልን እቲ ውዕዉዕን ሓድሽን ድላይ ኣበው ኤውሮጳ ኣብዚ እዋን’ዚ ሰለይ እናበለ ይቕህምን በቲ ኣብ ናይ ሓጺር ውልቃዊ ረብሓ ኣብ ዘተኰረ ምርጫ ዝንብርከኽ ዘሎ እዩ ዝመስል። ምእንቲ’ዚ ተዘክሮ ንምትሕልላፍ ዘብቅዕ ሓድሽ ተበግሶ ኣገዳስን ወሳንን እዩ፡ ተዘክሮ ናይ ምምሕልላፍ ብቕዓት ዘለዎ ሕዝቢ ካብቲ ቅጽበታዊ ማራኺ ዝብል ጽኑዕ መሰረ ዘይብሉ ኣብ ሑጻ ዝተሓንጸ ናይ ሓጺር እዋን ርውየትን በራሲ ዝዀነ ዘይነባሪ ብልጭታ ዘማዕድው ንመጻኢ ዘይሓስብ ሰብኣዊ ምሉእነት ዘይሓንጽ  ካብ ዝኸውን ዘሎ ፖለቲካ ዘድሕን እዩ ከምዝበሉ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ምልስ ቢሎም ከዘኻኽሩን ንሕብረት ኤውሮጳ ቅዋሜ ዘበገሱ ክቡራ ዋጋታት ዳግም ከነቓቕሑ እዋናዊ ኩነት ኤውሮጳ ዘገደዶም እዩ ዝመስል። ስለዚህ እቲ ውግእ ኣይፋል ዝብል ባህሊ ናይ ጦቢያን ሕልምን ባህሊ ኰይኑ ከይተርፍ ነቲ ዕንወትን ዓመጽን ዝድርኽ ምርጫ ከም ቅቡል ገርካ ካብ ምሕሳብ ሓደጋ ኤውሮጳ ክትላቐቕን ተዘክሮታታ ምልስ ቢላ ክተሰላስልን ከተስተዕል ኣድላይ ምዃኑ ንምሕባር እዩ።

ምእንጋድን ምቕባልን ምትኳብ ማለት ኣይኰነን

ኣቲ መጠነ ሰፊሕን ጽንኩርን ካላኣይ ውግእ ዓለም ሓዲግዎ ዝሓለፈ ዕንወትን ሞትን ህልቂትን ኣብ ኤውሮጳ ዘበራበሮ ልዑል ክቡር ዋጋታት ሎሚ ኤውሮጳ ንምሕሳብ ንእትገብሮ ጻዕሪ ዝሕድስ ይኹን። ስለዚህ ነዚ ንምፍጻም ድማ ጥርናፈን ዘተን ምፍራይን ዝብሉ ክቡራ ዋጋታት ምስዓብ የድሊ፡ እቲ ምድግጋፍ ዝብል ተግባር ዘናድይን ምትሕልላይ ዘንብርን ጥርናፈ ምትግባር የድሊ፡ ምትሕብባር ምትኳብ ምስ ዝብል ተግባር ምንም ዓይነት ርክብ የብሉን፡ ኩሉ ሕይወቱ ብኽብሪ መታን ክነብር ምድጋፍ ማለት እዩ፡ ባህላዊ ተማላእነትን ጥርናፌን ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና  ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ የተሓሳስቡ።

ንሓድሽ ወለዶን ንደቃትና ከነረክቦም ዝግብኣና ናይ ውግእ ኣጽዋር ናይ ዘተ ባህሊ እዩ ክኸውን ዘለዎ

ዕብየትን ሃብትን ጽባቔን ንበቓቕነትን ዕጹውነትን ክፍኣትን ናብ ዝመርሕ ዕብየትካ ንኻልእ ንምውና፡ ሃብትን ዕብየትን ጽባቔ ንኽፍኣት ምጥቃም ዝድርኽ ባህል ኣይፋል ንበል። ነቲ ምልካዊ ርእየተ ዓለም ኣይፋል ንበል። እቲ ዕብየት መንፈስ ኤውሮጳ ንኻልእ ብምቅዋም ዝንበር ዘይኰነስ ነቲ ገዛእ ርእስኻ ምኽፋት ዘውሕዞ ጽባቄ ዝምስክር ክኸውን ኣለዎ። ዘተ ዝብል ቃል ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም  ሰላም ነባሪ ዝኸውን ንሓድሽ ወለዶ ኣክንዲ ናይ ውግእ ኣጽዋር ናይ ዘተን ምርኻብን ምምይያጥን ባህሊ ምስ እነውርስ ጥራሕ እዩ። እዚናይ ዘተ ባህሊ’ዚ ኣብ ኩሉ ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መደብ ሕንጸት ክሰርጽ ኣለዎ።  እዚ ሓሳብ’ዚ ልዑል ግዳሴ ዝሓት እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ሓይሊ ምክልኻልን ኤኮኖምን ዝቖመ ቃል ኪዳዊ ውህደት ጥራሕ ዘይኰነስ ብቀዳምነት ኣብ ባህልን ሕንጸትን ፍልስፍናውን ሃይማኖታውን ኣብ ዝብሉ ረቛሒታት ዝቖመ ምርኻብ የድሊ።

ንመንእሰይ ወለዶ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘኽብር ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር

ነቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት ስራሕ ንምውጋድ እንስዕቦ መደብ ምዕባለን ቀዳምነት እንህቦም ክቡራ ዋጋታት ምእራም የድሊ። ስእነት ስራሕ ኤኮኖሚያዊ ቅልውላው ዘስዕቦ ኣይኰነን። ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ክህሉን ነዚ ስዒቡ ድማ ስእነት ስራሕ ክህሉ ዝገብር እትስዕቦን እትመርጾን መገዲ ሕይወት እዩ። ስለዚህ እንስዕቦ ናይ ሕይወት ኣግባብ ንመርምር፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘኽብር ናይ ስራሕ ዕድል ንመንእሰይ ወለዶ ምፍጣር የድሊ፡ ሓድሽ ዘይንጽል ማሕበራዊ ኤኮኖሚ ምትብባዕ የድሊ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ የመልክቱ።

ኤውሮጳ ኣብ እትነርብሮ ሰብኣውነት ዘማእከል ባህሊ ከይዲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ደገፍ ከምዘይፍለያ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣረጋጊጾም። ዳግማይ ዝተሓደሰ ምውላድ ኤውሮጳ ሓደስቲ ትጽቢታን ጭቡጥ ዝዀኑ ዕድላትን ናይ ምውህሃድን ዕድላት ዝብል ጥራሕ ዘይኰነስ ምስል ቢልካ ነቲ ንኤውሮጳ ኣብ ታሪኽ ምንጭን መበቆልን ሕድሽ ሰብኣውንት ዘብላ ባህላ ምልስ ቢላ ከተስተውዕሎን ክትክውኖን ይግብኣ፡ እዚ ከይዲ’ዚ ድማ ብዘይ ምንፋቕ ብልብን ኣእምሮን ብተስፋን ልክዕ ከምቲ ሓደ ውላድ ኣደነት ኤውሮጳ ምስል ቢሉ ብምልላይ ኣብኣ ምልሲ ቢሉ ናይ ሕይውትን እምነት መሰረቱ መታን ክረክብ ኣደነት መንፈስ ኤውሮጳ፡ ሕይወትን ተስፋን ዘለዎ ኣደነታ ዘበራብርን እዩ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ናይ ኣባይቲ ስድራን ውላድን ኤውሮጳ

ስለ ሕጻንት እትሓልይ ኤውሮጳ ንድኻን ከም ሓው እትናብይን እንገዳን ደገፍን ኣሚቱ ናብ ኤውሮጳ ዝስደድን ዑቅባ ዝብልን እትቕበል ኤውሮጳ እምነይ። ንሕሙናን ኣረጋውያንን ድኻታትን  ኣገልግሎቱ ዘብቅዔ ከም ዝድርበይን ዝጓሓፍን ግኡዝ ነገር ጌራ ዘይትርእይ ሓላዪትን ጽን በሃሊትን ኤውሮጳ እምነይ።

ስደተያንን መጻእተይናን ከም ገበን ዘይሕሰበላ ተቐባሊትን ኤውሮጳ እምነይ። ናይ ቅንዕናን ናይ ውህበትን ውበትን ዝዓሰላ ሰብኣዊ ሕይወትን ብኣህላኺ ባህሊ ዘይተጠቕዔትን ሓዳር ምምስራትን ውላድ ምዕባይን ዝዓሰላም ወላድ ኣባይቲ ስድራ ዝናበየላን እዞም ክቡራት ዋጋታት በሰተንፍሶ መንእሰይ ዝነብረላ ኤውሮጳ እምነይ፡

ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጦቢያ አይኰነላ ኤውሮጳ

ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ ዘረባ እንከጠቓልሉ፥ ንሰብ ከም ሰብ እምብር ከም ቁጽሪ ዘይረአየላን ዘይሕሰበላን ናይ ፍቕርን ሓሴትን መንፈስ ዝዓሰላም ኣብ ውላድን ስራ ቤትን ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ምርግጋጽን ሓላፍነትን ግቡእነትን ዘይዝንግኣላ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተባብዓላን ዝብሉ እቲ ብርሑቕ እተማዕድዎ ዝነብረ ጦቢያ ሓሳብ ጥራሕ ዘይኰነስ ብግብሪ ዝረጋገጸላ ኤውሮጳ እምነይ ቢሎም ስለ እቲ ዝተውሃቦም ስልማት ዳግም ኣመስጊኖም ሓድራ እቲ ቅድሚ 60 ዓመታት ዝተሓልመት ኤውሮጳ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እትበቅዕ ኤውሮጳ ክምእትህሉ ተስፋይ እዩ ከምዝበሉ ደ ካሪሊስ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.