2016-05-07 16:36:00

ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ ሚያዝያ 11/2007 ዓ.ም. (4/19/2015)


ንባባት፡   1ቆሮ 15፡20-41፥ ራእ:1:9-19፥ ግ.ሓ. 5:12-16፥ ዮሓ 20፡19-31። ስብከት፡ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም ወከመ ኃያል ውኅዳገ ወይን፥  ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ፥። “ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ” መዝ። 78፡65-66።

ድሕሪ ቀዳመይቲ ሰንበት ዘትንሥኤ ዘሎ ጊዜ አትኵሮና እንገብሮ እምነት አብ ቅድሚ ኢየሱስ እቲ ህያው ዝኾነ እዩ። እዚ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ሕጂ አብ ውሽጢ እቶም አብኡ ዝአምኑ ማሕበር አብ ማእከሎም ይነብር። ከምቲ ኢየሱስ አብዚ ዓለም እንከሎ ዝነበሮ ሎሚ ኸአ አብ ማእከልና ኮይኑ ህያዋን ይገብረና። “ብዙኅ ትእምርትን ተኣምራትን ብኢድ ሓዋርያት አብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ተገብረ፤ ጴጥሮስ ኪኃልፍ ከሎ ንገሊአቶም ምእንቲ ኬንጸላልዎም ኢሎም ነቶም ሕሙማት ፀይሮም የምጽእዎም እሞ አብቲ አደባባይ አብ ዓራት ቃሬዛን የደቅስዎም ነበሩ” (ግ.ሓ. 5፡12-15)። አብዚ ኢየሱስ አብ ሕይወትን ግብርን ሓዋርያቱ ከም ዝሰርሕ ዘሎ ኢና እንርኢ። ብዝሃቦ ሓይሉ ብዙሓት አብኡ ከምዝአምኑኑን ብዙሓ ተአምራታት ክገብሩ ክኢሎም። ኢየሱስ ምስኦም ከምዘሎን ብግርማ አብ ማእከሎም ከምዘሎ በቲ ሓውርያቱ ዝገብርዎ ገሊጹ።

ስራሕ ኢየሱስ ቀጺሉ፡

ግ.ሓ. ቀጺሉ “ካብተን አብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ብዙኃት ሕዝቢ ሕሙማትን አጋንንቲ ዝኃደርዎምን ኂዞም ይመጹ ነበሩ” (ግ.ሓ. 5:15) ይብለና። እዚ ሕያው ምልክት ኢየሱስ ብሓዋርያቱ ገሩ ነቲ ተልእኮኡ ብስሞም ዘይኮነ ብስሙ ይቕጽሎ ከም ዘሎ ዝገልጽ እዩ። ኢየሱስ እቲ መድኃኒ ከም ዝኾነ ክሰብኩ ንሰባት ከአ አብ ማሕበሩ ክአትዉ ክዕድሙ ከም ዝተላእኩ ንርኢ። አብ ግ.ሓ ብዙሕ ጊዜ ብዙኃት ክጽንበርዎም ንርኢ አብ ናይ ሎሚ ንባብና ግን “ሽሕ እኳ ህዝቢ አዝዩ የኽብሮም እንተ ነበረ ካብቶም ካልኦት ኪጽንበሮም ዚደፍር ሓደ እኳ አይነበረን” ዝብል ንርኢ እዚ ምናልባት ቀዳሞት ክርስትያን ብመራሕቲ ሃይማኖትን አመሓደርትን ብዓይኒ ጥርጣረ ይረአዩ ከም ዝነበሩ እሞ ምስኦም ምሕዋስ ጸገም ከም ዘምጽአሎም ፈሊጦም ብማዕዶ ጥራሕ ንዝገብርዎ የድኑቕ ከም ዝነበሩ ንምግላጽ ድዩ፥ እዚ ዝሕብሮ ስዓብቲ ኢየሱስ ኵሉ ከም መምህሮም ሓደ ዕጫ ከም ዝገጥሞም ንምምልካት እውን እዩ።

ዝተፈላለየ ምቅዋም ከም ዝገጥም ፈሊጥካ ምጽናሕ የድሊ።

 ሎሚ አብ ዘመና እውን እንተ ኾነ ነገራት አይተቐየሩን፥ ክርስትያን ብእንህቦ ምስክርነት እዩ ሰባት አብ ኢየሱስ ከምጽኡ ዝኽእሉ እሞ ብእምነት ተመሪሖም ነቲ ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ መልእኽቱ ተቐቢሎም ሕይወቶም ዝመርሑ። ምስክርነት እምነት ነፍሲ ወከፍ አማናይ አብ መንኩቡ ተሰኪምዎ ዝጉዓዝ ሓላፍነት እዩ እዚ ኸአ ስርዓት አምላኾ ብምፍጻም ዘይኮነ በቲ እንገብሮን እነርእዮን ዕለታዊ ሕይወትናን እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ዝድግፍን ዝቋወምን ስምዒት ከለዓዕል ይኽእል እዩ በዚ ምኽንያት ጸኒዕካ ተልእኮኻ ምፍጻም የድሊ።

ዝተነበ ወንጌል አብተን ቀዳሞት መዓልታት አርድእቲ ኢየሱስ ድሕሪ እቲ ስቕለትን ሞትን ቀብርን ንኢየሱስ ከለልይዎ ብሕይወቱ ከምዘሎ ክአምኑ ዘጸገሞም እዩ ዝገልጽ። ወንጌል ከም ዝብለና እቶም ደቀ መዛምርቱ ነቶም አይሁድ ስለ ዝፈርሁ መዓጹ ሸጒሮም ብሓባር አብ ሓንቲ ገዛ ከምዝነበሩ ይነግረና። አብ ዝኾነ እዋን እቶም ንመምህሮም አብ ቀራንዮ ዝቀተሉ መጺኦም ክሕዝዎምን ክቐትልዎም ከምዝኽእሉ ፈሊጦም ብሓባር ዝመጽአ ክመጽኦም ይጽበዩ ነሮም። አብ ጊዜ ጸገም ብሓደ ሰሚርካ ምጽናሕ ንርእሱ ምጽንናዕን ተስፋን ይህብ እዩ።

ሰላም አብ ክንዲ ፍርሒ፡

ሞት ኢየሱስ ንሓዋርያት ንኹሉ ዝነበሮም ተስፋን ትጽቢትን ካልእ መልክዕ ስለ ዘልበሶ አብ ፍርሕን ራዕድን ከም ዝአትዉ ገርዎም። አብ ፍርሕን ምጉዳል እምነት አብ ዝነበሩሉ ጊዜ ብሃንደበት  አብታ ተአኪቦምላ ዝነበሩ መጺኡ “ሰላም ንአኻትኩም ይዅን በሎም”። እዚ ከም ማንም ሰላምታ “ሻሎም” አሁድ አብ ማንም መዓልቲ ዝብልዎ ክውሰድ ይክአል እዩ፥ ወይ ከአ መግለጺ ናይ ሓደ ሓሳብ ማለት “አነ አብ መንጎኹም ስለ ዘሎኹ ውሽጣዊ ሰላም ክትረክቡ ኢኹም” የስምዕ። ኢየሱስ አብ ዝገብሮ ዝነበረ ሓደ ዓይነት ሰላም ይወርድ ከም ዝነበረ አብ ወንጌል ብተደጋጋሚ ክገጥም ንርኢ ንአብነት “አብ ባሕሪ ንፋሳት ክህድእ እንከሎ. . . ፥ ንጎይታ ክርእይዎ እንከለዉ እዚ ዘይብሃል ሓጎስ ይስምዖም ነበረ” ዝብል ንረክብ። ኢየሱስ አብ ሕይወት ሰባት ሰላም ምሕረት ሓጎስ የምጽአሎም ነሩ። 

ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ሰላም ክብሎም እንከሎ ግዝያዊ ደስታ ጥራሕ ዝፈጥር አይኮነን። ክገብርዎ ዘለዎም ዓቢ ተልእኮ ከም ዘሎ ዝሕብር እዩ፥ ንሱ ኸአ ነቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ምቕጻል። “ከምቲ አቦ ንአይ ዝልአኸኒ አነ እውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ”። ተልእኮ ተዋሂቦም። ልኡኽ ማለት ንዝተዋህቦ መልእኽቲ ከምዘላታ ከየጉደለ ከይወሰኸ ዘብጽሕ እዩ፥ ኩሎም ተኸተልቲ ኢየሱስ ዘብጽሕዎ መልእኽቲ አልኦም ስለዚ ልኡኻት እዮም፥ ንሕና እውን አብዚ እዋን ክነብጽሖ ዝግብአና መልእኽቲ አምላኽ አሎና። ሎሚ አምላኽ እንታይ ክልአኾ እንታይ ክገብር ይደልየኒ አሎ ኢልና ጽን ምባል የድልየና። ዘመነ ትንሣኤ ዘመን ምልአኽ እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ምቕባል፡

ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክልእኮም እንከሎ መጀመርያ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝወርዶም እዩ ገሩ፥ “እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” ኢልዎም። አብ ወንጌል ዮሓንስ ጴራቅሊጦስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት አብ መዓልቲ ትንሥኤ እዩ ወሪዱ። አብ ሉቃስ ግን ጰራቅሊጦስ ድሕሪ 50 መዓልቲ ዕርገቱ እዩ ወሪዱ፥ እዚ ዘምጽኦ ፍልልይ የብሉን ትርጉሙ ሓደ እዩ። ነፍስወከፍ ወንጌላዊ ምስቲ ከመሓላልፎ ዝደልዮ አሰማሚዑ ይነግረና።

አብዚ እንርእዮ ኢየሱስ ነቲ አምላኽ አብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝገበሮ እዩ ዝሕድስ ዘሎ ማለት አብ ልዕሊ ማያት ምስ አስተንፈሰ ሕይወት መጺኡ፥ እዚ ህዋ ቅርጺ ዘይነበሮ ቅርጺ ለቢሱ። እንደገና ምስ “አስተንፈሰ” አዳም ብአምሳል አምላኽ ተፈጢሩ። ኢየሱስ ከአ አብ ልዕሊ ሓዋርያቱ መንፈስ መንገዱ፥ሓቁን፥ ሕይወቱን የስተንፍስ። ከምቲ ጳውሎስ ዝብሎ “ሓደስቲ ፍጥረት” ብመንፈስ አቦን ኢየሱስን ምሉአት ገርዎም።

ትርጉም ኅድገት/ምምሓር፡

ኢየሱስ ንሓዋርያቱ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ መጀመርያ ዝሃቦም ስልጣን ምፍታሕን ምእሳርን እዩ፥ “ኃጢአቶም ዝኃደግክምሎም ኪኅደገሎም ንዘይኃደግኩሙሎም ግና አይኪኅደገሎምን እዩ” በሎም። ብስም ኢየሱስ ብሓባር ክሰርሑ ከለዉ ስልጣን አለዎም። ልዕሊ ኹሉ ስልጣኖም “ኃጢአት ክሓድጉ እዩ” እዚ ማለት ከአ ዓሚቕ ዕርቂ አብ መንጎ አምላኽን ሰባትን፥ አብ መንጎ ሰባት አብ ነነድሕዶም ንኹሎም አብኡ ሓደ ምግባር እዩ። “ገበርቲ ሰላም ውሉድ አምላኽ ኪብሃሉ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም” (ማቴ 5፡9)። መሰረት ኑዛዜ፥ ምስጢረ ንስሓ ወላ እኳ አብዚ ይኹን ብዛዕብኡ አይኮነን ዝዛረብ ዘሎ። ኅድገት ኃጢአት ክብሃል እንከሎ ልዕሊ ፍርዳዊ ውሳኔ ካብ ሕጂ ንድኃር ኃጢአትካ ተሓዲጉልካ ካብ ዝብል ንላዕሊ ዝኸይድ እዩ። ነቲ አብ መንጎ አምላኽን ሰብን፥ አብ መንጎ ደቂ ሰብ አብ ነነድሕዶም ዝነበረ ቍስሊ አሕውዩ ንስባት አብ ሓደ ከም አሕዋትን አሓትን ገሩ አብ ሓንቲ ስድራ አብ ሓቅን ፍቕርን ርትዕን ዝተመስረተት ዝገብር እዩ። እዚ እዩ ናይ መንግስቲ አምላኽ ስራሕ፥ እዚ እዩ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ክርስትያን ናይ ነፍስወከፍ አባላን ሓላፍነት።

ተጠራጣራይ ቶማስ፡

እቲ ታሪኽ አይተወድአን ሓደ ካብቶም ሓዋርያት ቶማስ ዝተባህለ ኢየሱስ ክርአዮም እንከሎ ብምዓልቲ ሰንበት ትንሣኤ ምስኦም አይነበረን። “ባዕለይ ብዓይነይ እንተ ዘይረአኹ. . . አይ አምንን” ኢናበለ ዘይምእማኑ ገሊጹ በዚ ኸአ ዳርጋ ንኹልና አብ ገለ ነገራት አብ ምጥርጣር እነርእዮ ነገርት ይገልጽ በዚ ወካሊና ክንብሎ ንኽእል። አብ ወንጌል ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ቶማስ ዝንገር ከም እንርእዮ ቀልጢፉ ዘይአምን ንነገራት ዝካታዕ ተቋውሞ ዝገብር፥ ጸገም ዝፈጥር. . . ዝዓይነት ሰብ እዩ ነሩ። አብዚ ዘእምን መረጋገጺ ነግር ክርኢ ይሓትት። “እዚ ንስኹም እትብልዎ ቃላት አይአምኖን እየ፥ ክአምን አእዳወይ አብቲ ብሽንካር ዝተወግአ ጎኑ ከየእቶኹ አይአምንን. . . እናበለ ተዛሪቡ።

ድሕሪ ሾመንተ መዓልቲ ማዕጾ ተሸጒሩ እንከሎ (እዚ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ አይ ኮነን ዘመልክት እቲ ዝተንሥአ ኢየሱስ አብ ዝኾነ እዋን አብ መንግኦም ከምህሉ ንምግላጽ እዩ) ቶማስ ምስኦም እንከሎ ኢየሱስ መጸ። እንደገና ዘረጋግጽ ናይ ሰላም ሰላምታ ገሊጽሎም። ንቶማስ ብቐጥታ አብኡ እናአመልክተ “አጻብዕካ አብዚ አምጽእ እሞ ናብ ጎድነይ አእትዎ አማኒ እምበር ዘይአማኒ አይትኹን” ኢልዎ።

ፍሉይ ኑዛዜ፡

ቶማስ ንኢየሱስ ምስ ረአየ አብ ወንጌል ዝዓበየ ተአምኖተ እምነት “ጎይታይን አምላኸይን” እናበለ ገሊጹ። ኢየሱስ ንቶማስ አብኡ ክመጽእ ጸዊዕዎ ግን ዝመጸ አይመስልን ምኽንያቱ እቲ ዝበሎ ተአምኖ ልዕሊ ናይ ሕዋሳት ዝቐርብ መግለጺ እዩ። ኢየሱስ ንስኻ ኢኻ ጥራሕ አይ በለን “ጎይታይን አምላኸይን” ኢሉ። በዚ ናይ ሓደ አብ ክርስቶስ ዝአምን ክአምኖ ዘለዎ መሰረታዊ እምነትን ንመንነት ኢየሱስ ዝገልጽ አብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ እምነቱ ገሊጹ። እዚ ብሕዋሳቱ ክርእዮ ዘይኽእል ብዓይኒ እምነት ጥራሕ ክርአ ዝክአል እዩ ኢሉ።

አብ ወንጌል ሰባት ንኢየሱስ “ክርኢ እደሊ” እናበሉ ልዕሊ ግዙፋዊ ምርአይ ከምዝሓተቱ እሞ ክርእዩ ምስ ከአሉ ከም ዝሰዓብዎ ይነግረና። አብዚ እዋን ትንሣኤ እዚ እምነት እዩ ዘድልየና ዘሎ፥ ነቲ አምላኽ ክንርእዮ ዝደልየና ክንርኢ እሞ ሽዑ ክንቅየር። ትንሣኤ ክርስቶስ አብ ሰውነትና ሕውየትን ሰላምን ይህቦበና በዚ ሓዲስ ሕይወት ንለብስ። በዚ ምኽንያት እዩ ተንሢኡ። ቅ. ጳውሎስ ነዚ ክርስቶስ ዘምጽኦ ሓይሊ ክገልጽ እንከሎ “እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ  ምዉታት ዘተንሥኦ አባኻትኩም ኃዲሩ እንተ አልዩ ግና እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምውታት ዘተንሥኦ ንሱ ነቲ መዋቲ ሥጋኹምውን በቲ አባኹም ኃዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ ሕያው ኪገብሮ እዩ” (ሮሜ 8፡11) ይብል።

ኢየሱስ ንቶማስ ኵነታቱ ክገልጸሉ እንከሎ ንአና ዝምልከት ጽቡቅ ነገር ነጊሩ። “እቶም ከይረአዩ ዚአምኑ ብፁዓን እዮም” ኢልዎ። ብርግጽ ንኢየሱስ ክትአምን ግዙፋዊ ምርአይ ሓጋዚ እዩ ግን ናይ ኢየሱስ ምድራዊ ሕይወት ቅድሚ ትንሣኤኡ ዝነበረ ሕይወቱ ተመክሮኡ የብልና፥ እምነትና ግን አብ ኹሉ መዓልታዊ ሕይወትና ከም እንርእዮ ይገብረና፥ ብፍላይ በቶም ብመንፈሱ ዝመልኡ አብ ሕይወትና ንኢየሱስ ዘምጽኡልና ንርእዮ። አብ ኵሎም ሕሙማት፥ ድኻታት ጭቁናት አብ ከባቢና ዝርከቡ ክንፈልጦ ክነፍቅር ክንርሕርሕ ዕድል ዝኸፍቱልና አብኦም ንርእዮ። አብቶም ዝጸልኡና ወይ ክፉእ አብ ልዕለና ዝገብሩ ንኢየሱስ ክንመስል ከም ፈተና ስለ ዝቐርቡና ብኦም ከይንሽነፍ ስለ እንጽዕር ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክነፍቅሮም ስለ ዘሎና ንኢየሱስ ከም እንመስል ይገብሩና።

ንኹሉ መሰናኽላት ምስባር፡

አብ ሕይወትና ንኢየሱስ እንርእን ንርዳእን ኢና ማለት አብ ልክዕ እዋን ካበይ ከም ዝመጽአና ዘሎ ክነለሊ፥ ዕለት ዕለት በቲ ዝውሃበና ዕድላት ስንድዋት ክንከውን እሞ አብ ሕይወት ካልኦት ከም ዝበጽሕ ምግባር እዩ። ልዕሊ ኹሉ ነቲ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ዝሃቦ ሓቂ እሙናት ክንከውን ንኽእል ዲና? ዕርቂ እንገብር፥ ሰላም እንገብር፥ ንአብ መንጎና ዘሎ ናይ ጽልኢ መንደቕ፥ ቅድሚ ዝአገረ ፍርዲ ምሃብን ፍርሕን ክነፍርስ ንኽእል ዲና? እዚ ክንገብር ቅሱን ሕይወት ክነብር አሎና ማለት ፍቕሪን ርሕራሐን ርትዕን አብ ኩሉ ክነንግስ አሎና። እዚ ክንገብር እንተ ኸኣልና ትንሣኤ ተባዒሉ አሎ ኢየሱስ ከአ ብሕይወቱ አብ መንጎና አሎ ማለት እዩ።

አብ ዕለታዊ ሕይወትና ነቲ ዝተንሥአ ክርስቶስ አብ ስራሕናን ተግባራትና ቃላትናን እናመስከርና ንአምላኽ ነመግኖ ምኽንያቱ አብ ሕይወት እቲ ዝተንሥአ ክርስቶስ ከም እንሳተፍ ስለ ዝገበረና። ፍቕሩን ምሕረቱን ንኹሉ ጊዜ ምሳና ይቕጽል አሎ።

ርሑስ ብዓለ ዳግማይ ትንሣኤ ንኹልና። 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  








All the contents on this site are copyrighted ©.