2016-05-05 18:53:00

ብክፉት ልብን ሕውነትን ንኩሉ ንቅበል ክርስትያን ኢና፣


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ‘እግዚአብሔር ንኩልና የፍቅረና እዩ። ንማንም ኣይጓንን እዩ፣ ናይ ምንጒናይ ባህልና ኣይፈልጦን እዩ’ እንክብሉ ንምሳሌ ዝጠፍኤት በግዕ ንምትንታን `ንክርስቶስ ንዘለዓለም ዝጠፍኣ ኣባግዕ የለዋን። ስለዚ ክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሶም ተወሲኖም ተዓጽዮም ክተርፉ የብሎምን እንተዘየሎ ናይ ዝተዓጽወን ዝዓሰወን ጨና ክህልዎም እዩ’ ቢሎም፣

ቅዱስነቶም ነስተንትኖ ዝመርጽዋ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ካብ ወንጌል ሉቃስ 15.1-7 ‘ኵሎም ተገውትን ሓጥኣንን ኪሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ። ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፥ እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ፡ ኢሎም ኣጕረምረሙ። እዚ ምስላ እዚ ኸኣ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥ ካናኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሐጐሰ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፥ ነታ ዝጠፍኤትኒ በጊኤይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሱ፡ ይብሎም። ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።’ ዝብል ነበረ።

እዚ ምሳሌ እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ሰለስተ ኣካላት የቅርበልና ጓሳ ዝጠፍኤት በግዕን እቲ ዝተረፈ መጓሰን፣ ቀንዲ ተዋሳኣይ ግን እቲ ጓሳ እምበር እተን በጋይዕ ኣይኮናን። ቀንድኸስ እቲ ጓሳ እዩ፣ ኣብ ፍቅዲ ኣርባዕተ ተመልኪቱ ዘሎ መን እዩ ካባኹም ነታ ዝጠፍኤት በግዕ ክደሊ ን99 ዘይገድፍ እንክብል ንሓንቲ በግዕ ክትብልሲ 99 ኣብ በረኻ ክትገድፍ ዝብል ምሳሌ ሓያል እዩ፣ ከመይ ኣብ ባህሊ ቅዱስ መጽሓፍ በረኻ ወይ ምድረበዳ እንክበሃል ቦታ ሞት ቦታ ሓደጋ እዩ። ስእነት ማይን ምግብን ኣሎ ሓደጋ ሰረቅትን ካልእ ጸላእን ኣሎ።  እቲ ምሳሌ ቀጺሉ ነታ ዝጠፍኤት በግዕ ምስ ረኸባ ኣብ መንኩቡ  ይሽከማ እሞ ናብተን 99 ይምለስ፣ በዚ ከኣ ንኩለን ከምዝግደስ የመልክት፣ እዚ ምሳሌዚ ንምሕረት እግዚኣብሔር እንክገልጽ ወላ ሓደ ክተርፍ ኣይደልን፣ ነታ ዝጠፍኤት በግዕ ክደሊ ምኻዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኩልና ኣገደስቲ ምዃና ምናዳ ከኣ ጸገም ዘለዎ ዝነፈጸ ድዩ ዝሃውተተ ዝተገድፈ ድዩ ዝተገለለ ዝለዓለ ጸገምን ኣድላይነት ሓገዝን ንዘለዎ ባዕሉ ክደልዮን ክድግፎን ከምዝወፍር የመልክት፣ እግዚኣብሔር ብመለኮታዊ ምሕረቱ ናብ ሓጢኣተኛታት ዝገብሮ ሓገዝከስ እዚ እዩ፣ ከምዚ ንሕና እንገብሮ ሌላን ጉሌላን ምውጋንን ኣብ እግዚኣብሔር ቦታ የብሉን፣ እግዚኣብሔር ንኩልና ሓደ ብሓደ የፍቅርና እዩ፣ እኳ ደኣ ኣብ ጐድኒ እታ ዝጠፍኤት በግዕ ኮይኑ ይደልያ የሰንያ ናብ ደምበ ከኣ ተሸኪሙ ይመልሳ። ጓሳ ኣብታ ጥፍእቲ በግዕ ዘላቶ እዩ ዝርከብ፣ ምናልባት ንሕና ክንረኽቦ ሃሰው ኣብ እንብሎ ቦታ ዝርከብ ከይመስለና ንሱ ክረኽበና ኣብ ዝደለዮ ቦታ እዩ ዝርከብ ነዚ ከኣ ብምሕረት እዩ ዝገብሮ ነዚ መንገዲ ምሕረት ብዙሕ ግዜ ክንርድኦ የጸግመና እዩ፣ ምናልባት ኣብ ቊምስናና ኣብ ማሕበርና ሓደ ሰብ ባዶ ቦታ ገዲፉ እንተኸደ ምስተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ ደምበና ተዓጺና እንተተረፍና መዓጹ ቊምስናና ወይ ማሕበርና ዓጺና ሱቅ እንተበልና በግዕ በግዕ ኣይክንሽትትን ኢና ዕጽዋት ክነከውንን ናይ ዝዓሰኸ ዕጽው ገዛ ጨና ክዕብልኸና እዩ፣ ስለዚ ብክፉት ልብን ሕውነትን ንኩሉ እንቅበል ክርስትያን  ንኹን። ክሳብ መወዳእታ ከኣ ከምቲ ብሕያዋይ ጓሳ ተመሲሉ ዘሎ እግዚአብሔር ንኩሎም በብሓደ ዝደሊ ንሕና እውን ብመንፈስ ስብከተ ወንጌልን ምሕረትን ተንቀሳቂስና ንዝጠፍኡን’ኣን ንድለ፣ ከምቲ እግዚኣብሔር ክሳብ መወዳእታ ካብ ምድላይና ዘየቋርጽ ንሕናውን ከምኡ ንግበር፣ ነቲ ኣብ የማን ኢየሱስ ተሰቂሉ ዝነበረ ገባር ክፉእ እሞ ንሕሰብ፣ ንሱ ኣብ ሓጺር ግዜ ንኢየሱስ ብምርኣይን ሰናይ ምስክርነትን ኣብ መንግስትኻ ተዘከረኒ ብምባልን ድሕነት ረኺቡ፣ ስለዚ ሕያዋይ ጓሳ ክበጽሖ ዘይከኣሎ ርሕቀትን ግዜን ከምዘየሎ ብምርዳእ ማንም መጓሰ ማለት ቊምስናስ ይኹን ማሕበር ክርስትያን ነሕዋቶም ክቀብጹ የብሎምን፣ ንዝጠፍኤ ምርካብ ሓጐስ ናይ ጓሳን እግዚኣብሔርን እንክኾን ናይታ መጓሰ ብምልእታ ምዃኑውን ዘይምዝንጋዕ የድሊ’ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.