2016-05-05 16:09:00

ብፁዕ አቡነ ፓሊያ ናይ ፍቅሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘማእከለ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ናይጀሪያ


ጳጳሳዊ ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቪንቸንዞ ፓሊያ ናይ ናይጀሪያ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዘቕረበሎም ዕድመ መሰረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፍቅሪ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ  ካብ ዕለት 5 ግንቦት ክሳብ ዕለት 8 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስተፋኖ ለስችንስኪ ካብ ዘመሓለፍዎ ጸብጻክ ክፍለጥ ተእኻኢሉ ኣሎ።

ብፁዕ አቡነ ፓሊያ ኣብ ኣቡጃን ምስ ዝተፈላለዩ ካቶሊካውያን ናይ ስድራ ቤት ማሕበራትን ካቶሊካውያ ኣባይቲ ስድራ ክራኸቡን ነታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ብወግዒ ከላልዩን ኣብታ ሰነድ ድህረ ሲኖዶስ ዘተኰረ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ለስቸስኪ እንክገልጹ፥ ብፁዕነቶም ናብ ናይጀሪያ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይጀሪያ ቀሊል ግምት ክወሃቦ ዘይግብኦ ሽግራት ዝረአየላ ሃገር እያ።  ኣብ ናይጀሪያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቦኮ ሓራም እተሰምየ ኣኽራሪ ዕጡቓት ሓይሊ ሃይማኖት ምስልምና ብዘውርዶ ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ተቓሊዓ ከምእትርከብን ምስ ሕዝቢ እትነብር ብምዃና ድማ ናይ ሕዝቢ ስቓይን መከራን ናታ ገይራ እትጓዕዝ እያ።

ብፁዕ ካርዲናል ኦናየካን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ካብ ናይ ኣሸባሪያን መጥቃዕቲ ከምዘምለጡ ዘኪሮም ነታ ኣብ ናይጀሪያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድጋፍን ምትሕብባርን ድማ ኣረጋጊጾም፥ ናብቲ ቀንዲ ናይ ሓዋርያዊ መገሻኦም መሰረት ምልስ ቢሎም ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ማሕበረ ክርስቲያንን ኣባይቲ ስድራን ወንጌላዊ ሕይወት ንኽነብሩ ዝድግፍን ሓባሪ መገድን እዩ። ማዕረ ማዕረ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ወንጌላዊ ጉዕዞ እተቕርቦ ኖላዊ ደገፍ ዘነጽር ክኸውን እነኮ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝድግፍን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ቤተ ክርስቲያን እትኽተሎ ንናይ ስድራ ቤትን ምስጢረ ተኽሊልን ዝምልከት ስልጣናውን ሃምነናዊ ትምህርታን ከይቀረት ናይ እዋናዊ ስድራ ቤት ጸገማት መምያ ኣቲ ስልጣናዊ ትምህርቲ እዋናዊ ዝግበር እዩ፡ ስለዚህ ንእዋናዊ ቤተሰብ ብዕምቆት ዝርዳእን ዝድግፍን ትምህርቲ ዘቕርብ ሰነድ እዩ ኢሎም።

ስድራ ቤት ዝምልከቱ ኣርእስትን ኩነትን ኣፍሪቃ ብቐረባ ጽን እትብሎን ብዓቢ ደረጃ ግዳሴ እትገረሉ ርእሰ ጉዳይ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ኣብቲ ስድራ ቤት ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ስኖዶሳት ኣብ ኣፍሪቃ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶኣ ልዑል እዩ ኔሩ። እቲ ንሕና ዝብል ማሕበራውነት መንፈስ ኣብ ኣፍሪቃ ዝንበር ካብቲ ኣነ ዝብል በዓል ቤታዊ ውልቃውነት ዝዓዘዘ እዩ፡ ከም ከባቢ ምዕራብ ሃገራት ኣይኰነን። ስለዚህ ኣብ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ዝዀነ ማሕበራውነት ባህሊ ኣሎ። ኣብ ኤውሮጳ ድማ ውልቃውነት ባህሊ ኣዚዩ ይዕብልል። እዚ ማሕበራውነት ኣፍሪቃ ንምዕራብ ዓለም ዓቢይ ሃብትን ኣብነትን እዩ፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶኣ ምግማቱ ኣየጸግምን እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.