2016-05-03 16:33:00

ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ፥ ኢራቕ ናብ ዝኸፍኤ ኩነት ተንቆልቁል ኣላ


ኣብ ኢራቕ ዕለት 1 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብቲ ብዙሃን ሺዓውያን ሰዓብቲ ሃማኖት ምስልምና ዝቕመጥሉ ኣብ ደቡባዊ ባግዳድ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳማዋሕ እቲ ገዛእ ርእሱ ዳዒሽ ቢሉ ዝሰመየ እስላማዊ ሃገር ብዘውረዶ ክልተ ናይ ቦምቢ መጥቃዕቲ ሓደጋ ልዕሊ 31 ዝግመቱ ዜጋታት ኣደዳ ሓደጋ ሞት  ካልኦት ብዙሃት ድማ ንከቢድ ማህሰይቲ ከማዘቃልዔ ክምልከት እንከሎ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ክብ ክብል ከምዝእኽእልን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ልዕሊ 74 ሰባት ከምእተቐትሉን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓ.ም. ድማ 1,119 ዜጋታት ንሞት ከምእተዳረጉ ናይ ዒራቅ ናይ ዜና ማዕከናት ዝጠቐሱ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዒራቅ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባግዳድ ፓትሪያርክ ተሓባባሪ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ኣብ ዒራቅ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ዘሰንብድ እዩ። ኣብ ዒራቕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዜጋታትን ደጋጊሞም ህልዎት እታ ሃገር እንታይ ከምዝመስል ዝገልጽዎ እዩ። ብፍላይ ድማ ዕጡቓት ሓይሊ እስላማዊ ሃገር ድሕሪ ኣብታ ሃገር ምእታዉ ብሓቂ ናይ ኢራቕን ሕዝባን ኩነት ኣዚዩ ናብ ዘስካሕክሕ ደረጃ የምርሕ ኣሎ፡ ንኤውሮጳን ኣመሪካን ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጥርዓን ድዩ ጻውዒት እውን እተቕረብና ብፍላይ ድማ እንተትደልዩ ይከኣለኵም እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ እቲ ኣብ ኢራቕ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ዳዒሽ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዒቲ ደው ንኸሉን ናይ ጸጥታን ድህነት ድጋፍ ከቕርቡን ጻውዒት ቀሪቡ እዩ ይቐርብ እውን ኣሎ ኢሎም፥ እቲ ሕቶ ናይ ረብሓ ሕቶ ብምዃኑ ድማ ብዘይ መልሲ ተሪፉ ኣሎ። ናይ ኣጽዋር ውግእ ንግድ ዝምልከት እውን እዩ። ስለዚህ ኤውሮጳ ድያ ካልኦት ሓያላን ሃገራት ንግድ ኣጽዋር ደው እንተዘብላ እቲ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ውግእ ደው ምበለ ኔሩ። እዚ ፍሉጥ ክነሱ ውልቃዊ ረብሓ ልዕሊ ሰላምን ፍትሕን ሰብኣዊ ፍጥርትን ይስራዕ ምህላዉ እዩ ዝሕብር።

ብስም እግዚኣብሔር ሰብ ተድሕን እምበር ትቐትልዶ? እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ እዩ ድማ ዘድሊ። ኣብ ዒራቕ ብቐጻሊ ናይ ቦምባን ለኪምካ ናይ ምጥፋእ መጥቃዕቲ እዩ ዝፍነው ዘሎ፡ ዓለም ነዚ ዘስካሕክሕ ተግባር ከም ልሙድ ክርእዮ ዝጀመረ ይመስል፡ ሕዝቢ ዒራቕ ጻውዒት ምቕራብ እውን ዳርጋ የሰልክዮ ኣሎ። ስለምንታይ ሰማዒ እዝኒ ስለ ዘይርከብ እንክብሉ ገሊጾም።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ናይ ሰማዕታት ቤተ ክርስቲያን እያ። ምስ ሰላማዊ ሕዝቢ ሓቢራ እናተጓዕዘት ሰላምን ፍትሕን ብምንቅቓሕ ኣብታ ሃገር ናይ ዘተ ባህሊ ክሰርጽ ከይተሓለለት ተገልግል ኣላ፡ ሕሊና ተነቓቕሕ ብዝተፈላለዩ ናይ ረድኤት ማሕበራት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ በቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ረድኤት ማሕበራ ኣብ ዒራቕ ብዝርከብ ጨንፈር ኣቢላ ብዙሕ ሓገዝ ተቕርብ ኣላ፡ እዚ ፍቕር ክርስትያን እዩ። እታ ቤተ ክርስቲያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ሓቢራ ናይ ሰላም ጻውዒት ካብ ምቕራብ ኣይቦኸረትን ስለዚህ ንኢየሱስ ኣብ ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ዝተገለሉን ዝሳቐዩን ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና እነገልግሎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.