2016-04-28 15:23:00

የኒታ ቪጋኖ፥ ናይ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ህዳሴ መሰረት ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነት እዩ


እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ቡዙሃን ህዳሴ ወንጌል ናብ ኵሉ ንምብጻሕን ዘሎ ሰብኣዊ ሃብትታትን ግቡእ ክብሪ ሂብካ ንኽትጥቀመሉን ወጻኢታት ንምስትምእማእ እዚ ማለት ድማ ሓንቲ ቅርሺ እውን ትዅን ንመዓላ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣብዞም ሰለስተ ነጥብታ ዘተኰረ ምዃኑ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝክታተል ቤት ጽሕፈት ኅየንተ የኔታ (ኣባ) ዳሪዮ ኤድዋኦርዶ ቪጋኖ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘዳለዎ ርክብ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ልዕሊ 400 ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠይናታትን ኣብ ዝተሳተፍሉ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 27 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ተረኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘስመሩሉ ልኡኽ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም።

ኣባ ቪጋኖ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያንን ሓደስቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ብድሆታ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ እቲ ሕዳሴ መራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ትሕቲ ቅርጽውን ደጋውን ጥራሕ ዘይኰነስ ስሉጥ መታን ክኸውን ናይ ምርኻብን ተራኻብነትን ከይድታቱ ዝምልከት ምዃኑ ከምዘብርሁን፥

ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ህዳሴ መምዘኒ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነት እዩ

መሰረታዊ መምዘኒ መራኸቢ ብዙሃን ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልውነት እዩ ስለዚህ ሓዋርያውነት ዝምልከት እዩ። እቲ ካልእ መዋቕራዊ ሙያዊን ከምኡ እውን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ምዕባለ ዝተሰነይ ክኸውን ዝብል ሕዳሴ ኣገዳሲ መዃኑ ኣፍልጦ ዝሃበ ኰይኑ ግና እዚ ንዋታዊ ሕዳሴ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ሓዋርያውነት ዝብል መምዘኒ ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ፡ ወንጌልን ስልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናብ ዓለምን ሕዝብን ምብጻሕ እዩ ሸቶኡ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግና ናይ ከባቢ ቤተክርስቲያን ዝትክእ እዩ ማለት ዘኰነስ ነታ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ከባቢታትን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ደገፍ እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ተርኽቦነት ዳግመ ምሕሳብ ከይዲ ቅርጽታት ምቕያር ማለት ኣይኰነን

የኒታ ቪጋኖ  ኣብ ዘቕረበዎ ኣስተምህሮ እቲ ናይ ቫቲካን ናይ ቴሌቪዥንን ራድዲዮ ቫቲካንን ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን ቤት ማሕተም ቫቲካንን ዘጠቓልል ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ዝቖመ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ቅርጽታቱን ሕዳሴኡን ኣማእኪሎም እንክገልጹ ናይ ስነ ቋንቋ ትርጉም ዝምልከት ጥርሓ ዘይኰነስ እቲ ጉዳይ ተራኽቦ ብሓድሽን ብእዋናውን ከይዲ ዳግም ዝሓስብ ምዃኑ ተቲኖም ብፍላይ እቲ ሕዳሴ ሓድሽ ናይ ምርኻብ ሜላ ዝኽተልን ብእደ ጥበባውን ብብቕዓትን ሙያውን ዝማዕበለ መገዲ ዝስዕብ ኰይኑ ከም ቀደም ዕላማኡ ድማ ወንጌል ስልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘስፍሕ እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።

ነቲ ሕዳሴ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ዝቖመ ጉጅለ ኣመሓደርቲ ጋዜጠይናታትን ሓይሊ ሰብን ዕደ ጥበብን  ከምዝቖመ ሓቢሮም ኣቲ ጉጅለ ቤት ምሕደራ ትኽሎ ዘይኰነስ ጋድማዊ ማለት ምስ መላእ ሰራሕተይናታ ዝዋሳእን ናይ ነፍሲ ወከፍ ብቕዓት ሰራሕተይናታት ሙያውን ስነ መጽናዕታውን ደረጃ ዓቢይ ግምት ዝህብ እዩ። ስለዚህ እቲ ሓድሽ መርሕነት ብተዋሳእነት ዝግለጽ እዩ። ሰብኣዊ ርክባን ምቅርራብን ምድግጋፍን ምትሕስሳብን ዝብሉ ክብርታት ዝስዕብ ኣውን እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.