2016-04-28 15:17:00

ኣዋጅ ቅድስናን ብፅዕናን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣልባኒያ ብዝነበረ ስርዓት ዴስነት ናይ እምነ ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ናይ ዱራዞ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ አቡነ ቪቸንዞ ፕረኑሺን ካልኦት 37 ኣባላት ማሕበር ፍራቸስካውያን ኣሃው ንዝርከብዎም ናይ ብፅዕና ኣዋጅን ኣብ ኢጣሊያ ተወላዲ ክፍለ ሃገር ሳሌርኖ መስራቲ ማሕበር ደናግል ደቂ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ብፁዕ ኣልፎንሶ ማሪያ ፉስኮ ናይ ቅድስንናን ናይ ካልኦት ሓሙሽተ ማለት አየርላንዳዊ ካህን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጆቫኒ ሱሊቫን ከምኡ እውን ካልኦቶ ኣብ 1936 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ኣብ ኣዋ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ኣባ ጁዘፐ ኣቶን ጎምዝ ዝርከብዎ ንኣርባዕተ ካህናት ብፅዕና ክእወጀሎም ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዘቕረቦ ሰነድ ተቐቢሎም ከምዘጽደቕዎ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ብፁዕ ኣልፎንሶ ማሪያ ፉስኮ ኣብ 24 ዓመት ዕድሜኦም ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣፍቃሪ ጸሎትን ድኻታትን ኣብ ስርዓት ሊጡጊያን ኣብ ምስራዕ ቅዱሳት ምስጢራትን ብፍላይ ድማ ናይ ንስሓ ሚስጢርን ከምኡ እውን ዕርቅን ሰላም ኣብ ዝብል ቅዱስ ዕላማ ኣብ ምግልጋል ዝተጸምዱ ከዝነበሩን ገና ምስ ተወልዱ ወለዶም ንቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያደ ሊጐሪ ብዝነበሮም ፍቕሪ ምኽንያት ኣልፎንሶ ማሪያ እንክብሉ ከምዝሰመይዎም እውን ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘውጽኦ ሰነድ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ኣመልኪተን፥ ብዝተዓደሎ ግልጸተ ኢየሱስ ናዝራዊ ምኽንያት ናይ ኣወዳትን ኣዋልድን መዕለይ ዘኽታማት ብምቛም ዘገልገሉን ኣብ 1910 ዓ.ም. ኣብ 72 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ሰማይ ቤት ከምእተወዱ ሳባቲነሊ ናይ ቅድስትና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሰነድ ጠቒሰን ብምሕባር ኣስዒበን ኣቦ ድኻታት ብዝብል መጸውዕዊ እውን ከምዝልለዩ ይሕብራ።

ኣብ ኣልባኒያ ኢእግዚኣብሔራውነት ኣመለኻኽታ ዝስዕብን ጸረ እምነትን ምእመናን ቤተ ክርስቲያንን ጐስጓስ ዘካይድ ብዝነረ መንግስቲ ስርዓት ዴስነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ 1945 ክሳብ 1975 ዓ.ም. ተኸሲቱ ብዝነበረ ኣሳዶ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ናይ ዱራዞ ጳጳስ ፍራንቸስካዊ ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፕረኑሺ ዝርከብዎም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ብጠቕላላ 38 ካህናትን ኣሃውን ኣባላት ንኡሳን ኣሃው ፍራንቸስካውያን ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ክእትውጀሎም እያ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ኣልባኒያ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ ቲራና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እልፍ ኣእላፍ ዝዀኑ ክርስቲያን ዓመጽን ስግኣትን ኣሳዶን ከየንበርከዀም እምነቶም መስኪሮምን በዚ ምኽንያት ድማ ና ደም ሰማዕትነት ተቐብሎም እዮም” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ታሪኽ ናይቶም ሰማዕታት ኣልባኒያ ዘዘኻኽር ምዃኑ ናይ ቅድስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሰነድ ዝጠቐሳ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 1 መጋቢት 1821 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 15 ሰነ 1861 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዱ ኮሪያዊ ካብ ናይ ደም ሰማዕትነት ካብ ዝተቐበሉ ስድራ ዝተወልዱ ናይ ሰበኻ ካህንን ዕለት 28 ታሕሳስ 1885 ዓ.ም. ዝተወዱን ዕለት 27 ጥሪ 1952 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዱ ኣባል ማሕበር ንኡኣን ኣሓው፥ ትሁታን ኣገልገልቲ ክርስቶስ ንጉስ ማሕበር ደናግል ዝመስረቱን ዕለት 7 ጥቅምቲቲ 1889 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 31 መጋቢት 1921 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዱን ቨናንዚዮ ካታርዝይናይክ ኣባል ማሕበር ገዳማውያን ንኡሳን ኣሃው መስራቲት ማሕበር ደናግል ደቂ እመ ጽሙረ ዕለት 1 ግንቦት 1851 ዓ.ም. ዝተወልዳን ዕለ 18 ታሕሳስ 1923 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዳን ከምኡ እውን ዕለት 4 ጥቅምቲ 1897 ዓ.ም. ዝተወልዳን ዕለት 23 መጋቢት 1977 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዳ መስራቲት ማሕበር ደናግል ልኡካነ ወንጊል ዘቕዱስ ቁርባን መስራቲትን ኢሊያ ኮርሳሮን ኣባል ማሕበር ኦፑስ ደይ (ግብረ እግዚኣብሔር) ዓለማዊት ምእመን ዕለት 10 ሐምሌ 1941 ዓ.ም. ዝተወልዳን ዕለት 26 መጋቢት 1959 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዳ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ክትእውጀሎም ምዃና ሳባቲነሊ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.