2016-04-21 16:43:00

ክቡር ኣባ ቪጋኖ፥ ስደተይናታት ዝነጽግ ፈላላይ መናድቕ ሞት ንኤውሮጳ እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ጸገማት ደሪኽዎም ሕይወቶም ንምድሓን ዝተሰዱን ኣብ ሃገራት ኤውርጳ በጺሖም እንከብቅዑ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ተቓሊዖም ንዝርከቡ ኣብ ግሪካዊት ደሴት ለስቦ ዝእለዩ ዘለዉ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዕለት 16 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ምስ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብሓባር ስለ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣደጊፎም ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ኅየንተ የኔታ ዳሪዮ ኤዶዋርዶ ቪጋኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ለስቦ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ተራ ምብጻሕ ከምዘይኰነ ኩሉ ርእይዎ እዩ። ኣብቲ ናይቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጽንኩር ኩነት ብቐዳምነት ምስቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብምርኻብ ተሳቲፎምን ኣብቲ ዝተሓላለኸ ኩነት ስደተይናታት ሕይወት ገዛእ ርእሶ ኣእትዮም ነቲ ስቓይን መከራን ናቶም ገይሮምን እዮም።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም በሸሓት ንዝቑጸሩ ኣብ ለስቦ ንዝርከቡ ስደተይናታት ምሉእ ድጋፍን መእለይን ከቕርቡ እኳ እንተዘይከኣሉ ምስ መንግስቲ ግሪክ ድሕሪ ምስምማዕ 12 ኣባይቲ ስድራ ምስኦም ሓንቢሮም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምጹን ብሃገረ ቫቲካንን ብካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር ክእለዩ ከምዝገበሩ ኣባ ቪጋኖ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ንሶም ዝፈጸምዎ ግብረ ሰናይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራብ ሃገር ማለት ምዕቡል ሃገር እተዝፍድጸም እቶም ኣብ ዓለም ብዝተፈላለዩ ጸገማት ዝስደዱ ዜግታት ኣይምተሰራጠዩን ኔሮም ቢሎም ኣስዒቦም ኤውሮጳ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብነት ክትስዕብ ተስፋ እገብር ኢሎም።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሕብረት ኤውሮጳን ዳርጋ ኣብ ኩለን ምዕቡላት ተባሂሉ ዝንገረለን ሃገራት ኩላ ሳዕ ብዛዕባ ስደትይናታትን ተመዘበልትን ክዝተይ እንከሎ ፖለቲካዊ ሸመጥ እዩ ዝረአይ። ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣብ ስልጣን ንምብጻሕ ኣሚቶም እምበር ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ሰብ ዘማእክል ውሳኔ ኣይኰነን ዝትግብርዎ፡ እቶም ካብ ውግእን ጥምየትን ሃይማኖታውን ኣሳዶ ዘምልጡ ስደተይናታት ኣብ ዝኣተውሉ ሃገር መሊሶም ንኻላእ ዓይነት ስቓይ ክቃልዑ ምርአይ ዘሕዝን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰብኣውነት ክማእከል ዝብል እዩ። ዝሳቐዩን ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከቡ ሓለዋ ክግበረሎም እዮም ዘተሓሳስቡ። ነቲ ንሶም ዝፍጽምዎ ግብረ ሰናይ ብዙሓት ብዝተፈላለየ መልክዕ የንብብዎ ይዀኑ ናይቲ መልእኽቲ ዘየማትዕ ትርጉሙ ድማ ግብረ ሰናይ ንዝሳቐይን ንዝተናዕቀን ንዝሳደድድን ዝብል እዩ ኢሎም።

ኣብ ለስቦ ዘሎ ኩነታት ተመዛበልትን ስደተይናታት ዘንብዕ እዩ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ዓቢይ ጸኣት ስደተይናታት ምዃኑ ቅዱስነቶም ከምዝገለጽዎን ገና ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኽታሊ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ቀዳማይ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ኢጣሊያ ደሴት ላምፔዱዛ ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ስድተይናታት እዮም ዝገበሩ። ናብቶም ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናን ዝርከቡ ዘብሉ እዮም። እዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ፖለቲካን ኤኮኖምን ማሕበራውን ጉዕዙ ክኸውን ይምዕዱ፡ እዚ ንሶም ብቓልን ሕይወትን ዝገልጽዎ ዘለዉ መልእኽቲ፥ ፍትሕን ሰላምን ዘረጋግጽ እውን እዩ፡ ሰላምን ፍትሕን ንደሊ እንተድኣ ኰይንና ክንገብሮ ዝግብኣና ንጹር ጉዕዞ ድማ ንሱ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ብኽትዕን ባዶ ብዙዀኑ ተስፋታትን ኣይኰነን ዝፍታሕ። እቲ ሓቂ ከምዚ እንከሎ ግና ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መንግስታትን ኣብዚ ክትዕን ባዶ ተስፋን እዮም ዝመላለሱ ዘለዉ። ኩሉ መፍትሒኡ ድማ ይፈልጦ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.