2016-04-19 16:37:00

ናይ እንግልጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መልእኽቲ


ክርስትያናዊ መበቆል ሕብረት ኤውሮጳ ዘድምዕ ናይ እንግልጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 23 ዓባይ ብሪጣንያ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ትዅን ኣይትኹን ዝብል ውሳኔ ብሕዛባዊ ድምጺ ክረጋገጽ ናይታ ሃገር መንግስቲ ዘጽደቖን ዕለት 23 ሰነ 2016 ዓ.ም. ዝካይድ መደብ ምኽንያት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እንግልጣርን ወይልስን  ኣብቲ ኣብ ሊድስ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 14 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዝዘተየሉን ጠቒሱ፥

ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ንናይ ሓባራዊ ጥቕሚ ብምትኳር ይተግበር

እቲ ናይቲ ሕዝባዊ ውሳኔ ውጽኢት ንመጻኢ ወለዶ ኣሉታዊ ድዩ እወታዊ ሳዕቤኑ ከምዝህልዎ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣመልኪቶም እቶም 5 ሚሊዮን ናይ ካቶሊክ ምእመናን ስለ እቲ መደብ ህዝባዊ ምርጫ ክጽልዩን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤውሮጳ ዘምጽኦ ሰላም ብምስትውዓል ዕለት 25 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብራሰልስ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ዘበገሱ ዓበይቲ ክቡራት ዋጋታት ሰላም ምትሕልላይ ምትሕብባርን ዝብሉ ጠቒሶም ክቡራት ዋጋታት መሰረት ዝገበረ ጥርናፌ ተዓዋቲ እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ብምቕላሕ እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝኣመቱ ክኸውን ሓድራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ኤኮኖሚ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዘተኰረ ይዅን

ኣብ ዙሪያ ኤኮኖሚ እተዀልል ኤውሮጳ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ፍጡር ቅድስ ክብሪን ክቡራት ዋጋታት ዙሪያ እትጸንዕ ኤውሮጳ ምሕናጽ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝቖመ ዘተ መሰረት ህዝቢ ዝህቦ ድምጸ ውሳኔ ሓናጽን ንብሩህ መጻኢ ዝኣመተ መታን ክኸውን ክርስትና መሰረት ኤውሮጳ ሎሚ እውን ነቲ እተቝሞ ጽኑዕ ሓድነት መሰረት ምዃኑ ዘስተውዕል ይኹን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ 2018 ዓ.ም. ብሔራዊ ናይ ቅዱስ ቁርባን ጉባኤ

ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እንግልጣርን ወይልስን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ናይ ፍቕሪ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣማእኪሎም እውን ኣስተንትኖ ከምዝካይዱ ዝሓብረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ እቲ ኣብ ፊሊፒንስ ከተማ ሰቡ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባት ንዘቕረቦ ጻውዒት መልስ ንምሃብ ኣሚቱ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ንኽካይድ ከምዝወሰኑ ብምምልካት፡ ናይ ዓባይ ብሪጣኒያ ንግስቲ ኤሊዛቤት ዕለት 21 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. መበል 90 ዓመት ልደት ክኽብራ ምዃነን ብምዝካር ኣብ መላእ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ዓባይ ብሪጣንያ ዕለት 11 ን 12 ሰነ 2016 ዓ.ም. ምእንቲ ንግስቲ ኤሊዛቤጥ ክጽልየ ከምዘተሓሳሰቡ ገሊጹ።

ጸሎት ምእንቲ ኣስፍሆተ ወንጌል

ኣብ መወዳእታ ናይ እንግልጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ወርሒ ግንቦት ቅድሚ በዓለ ጰራቅሊጦንስ ቀዳማይ ሰሙን ኣብ መላእ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዕለት 8 ክሳብ ዕለት 15 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ምእንቲ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ጸሎት ሳምንቲ ምስቲ ኣብ መንጐ ኣማንያን ኢኣማንያንን ናይ ሓባር ዘተ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘነቓቕሕዎ መደብ ብሓልዮት ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ደንበ ኣሕዛብ ብዝብል መደብ ምስ ዘካይዶ ኢኣማንያንን ኣማንያንን ባህላዊ ዘተ ብምትሕብባር ክበዓል ከምዝወሰኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።    








All the contents on this site are copyrighted ©.