2016-04-16 15:39:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ፖሎኒያ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለሉ ዝኽሪ መበል1050 ዓመት


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብታ ጸጋ ጥምቀት ካብ እትቐል መበል 1050 ዓመታት ዕለት 16 ሚያዝያ ኣብ እተብዕል ሃገረ ፖላንድ ካብ ዕለት 13 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ዑደት የካይዱ ከምዘለዉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ብፁዕነቶም ብምኽንያት ጸጋ ጥምቀት ፖላንድ ዝኽሪ መበል 1050 ዓመት ምኽንያት ናይታ ሃገር ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ዕለት 15 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ተረኺቦም ኣብታ ካብ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ናጻ ዝዀነ ዓለማውነት ዝሰፍሓላ ዘሎ ኤውሮጳ ዳግማዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ኣገዳስነት ዘማእከለ ዘረባ ከዘስምዑ ሓቢሩ።

ፖላንድ ወትሩ ኣብ እምነት እምንቲ ኰይና ምንባራ ብጓሶት ተቐባልነት ረኺቡን ዝተናብየን ወንጌላዊ መንፈሳውነት ኰይኑ ጸኒዑ ብቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፖላንድ ኣማላድነት ዝተሓለወ ኣብቲ ሕዝባዊ ቀልቢ እምነት ዝሰረተ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቒሶም፡ እዚ ድማ ሕይወት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ፖላንድ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢእግዚኣብሔራዊ ዴሳውነት ኣብ ዝነበረትሉ ጽንኩር ኣዋን ዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ስተፋን ውይችኒስኪን ደሓር ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ይምስክርዎ ቢሎም፥ ፖላንድ ነዚ ውርሻ እምነት’ዚ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝምዕድዎ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ናብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ብምውጻእ ድማ ክትዕቅቦን እምነት ኣብ ስድራ ቤት ዝመሓላለፍ እዩ እሞ ወለዲ ንደቃቶም እምነት ዘመሓላልፉ ቀዳሞት ሰባኬ ወንጌል እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ እትምስክርን እንትነብርን ትኹን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ግኔዝኖ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ብሊቀ ጳጳሳት ወይቼክ ፖላክ ተዓጂቦም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ፖላንድ ኣብቲ ሕሉፍ ኢእግዚኣብሔራዊ ባህሊ ዝኹድድ ዘሎ ማሕበረሰብ ኤውሮጳ ኣብ ዳግማይ ስብከት ወንጌል ህርኩት ኣገልግሎት ይሃልዋ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።  








All the contents on this site are copyrighted ©.