2016-04-16 15:36:00

ሓዋያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ለስቦ


ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበራዊ ትምህርቲ ኣብ ዓለም ናይ ሰብኣዊ ሓባራዊ ጥቅሚ ኣብ ምንቅቓሕ ዘለዎ ዓቢይ ግደ ሕጂ እውን ይቕጽል ምህላዉ ኣብ መክሲኮ ናይ ተጉቺጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋ ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ መንበረ ጥበብ እታ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ ሻምናይ "RERUM NOVARUM-ሓደቲ ነገራት” ዘርእስታ ዕለት 15 ግንቦት 1891 ዓም. ዝደረስዋ እዋናዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ሰረት እምነት ዓዋዲ መልእኽቲ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምኽንያት CENTESIMUS ANNUS ሚእታዊ ዓመት ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 1 ግንቦት 1991 ዓ.ም. ዝደረስዋ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ሰረት እምነት ዓዋዲት መልእኽቲ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመርሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ብፁዕነቶም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዕለት 15 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ግሪክ ደሴት ለስቦ ኣብ ዝርከብ ካብ ዝተፈላለያ ሃገት ዝተዋጽኡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝርከብሉ መዕቆቢ ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ሓቢሮም ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ሃገራት ወሰናስን ሃገራተን ናብ ምዕጻው ኣብ ዝጓየያሉ ዘለዋሉ እዋን ቅዱስነቶም እቲ ወሰናስንካ ጥራሕ ዘይኰነስ ገዛእ ርእስኻ ከፊትካ ንዝመጻካ ካብ ምእንጋድ ሓሊፍካ እውን ናብኡ ናብቲ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ናብ ዝርከ ምኻድ ዝብል ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህሊ ብቓልን ተግባርን ክምስክሩ ኣብቲ ቦታ ምርኻቦም ብሓቂ እቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘድልዮ እንታይነት ኩለ መዳያዊ ደገፋቱ ዘነጽር እዩ።

እዚ ቅዱስ ኣቦና ብሓባር ምስ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኰይኖም ዝፈጽምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብኻልእ መዳይ እውን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ንዝግበር ጻዕሪ ዘነቓቕሕን ዝምስክርን እዩ፡ እዚ ድማ ንዝለዓለ ሰብኣዊነት ዘተባብዕ ምስክርነት ምኻኑ ገሊጾም።

እቲ ምብጻሕ ኣብዚ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ዝምስከር ናይ ምሕረት ተግባር እውን እዩ ምስ በሉ መፈሳውነት ዓቢይ ዘብሎ ብተግባር ዝግለጽ ምስ ዝኸውን እዩ። እዚ ድማ እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዘቃልሖ ተግባር ጥራሕ ዘይኰነስ ባዕሎም ወትሩ ቃልን ተግባርን ዘጣመረ ክርስትና ዘተሓሳስቡ ምዃኖም ኩላትና እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ፡ ኤኮኖምን እንነትን ንኣይነትን ዘማእከለ ዝሰፍሕ ዘሎ ባህሊ ናብቲ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ባህሊ ዝወስድ ዘሎ ናይ ምዕባለ ዘይምዕቡል መዳይ በቲ ብእግዚኣብሔር ኣርእያን ኣምሳልን ዝተፈጥረ ሰብ ማእከል ምግባር ዝብል ባህሊ ክትካእን ናይ ሕዝብን መንግስታትን ዓለም ሕልና ዘነቓቕሕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ዝምስክር እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.