2016-04-07 10:28:00

ኢየሱስ ንኲልና ናይ ምሕረት ግዜ ኣውጁልና ኣሎ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ዘቅረብዎ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ነፍሲወከፍና ነናትና ጭንቅን መከራን ስቃይን ኣሎና ኰይኑ ግን እቲ ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ተሰቂሉ ዝለገሰልና ምሕረት ሓይሊ ፈጺሙ ኣይጽንቀቅን እዩ’ እንክብሉ ነቲ ንዓመት ምሕረት ኣመልኪቶም ዝህብዎ ኣስተምህሮ ብምቅጻል ኣብ ዝሓለፈ መደብ ኣመልኪትናዮ ከምዝነበርና ናይ ብሉይ ኪዳን ኣስተንትኖ ዛዚሞም ኣብቲ ናይ ምሕረት ወንጌል ቢሎም ዝሰመይዎ መሰጋገሪ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ዝኾነ ንዮሓንስ መጥምቅን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዝተኣሳስር ናይ ንስሓ ጥምቀት ርባ ዮርዳኖስ ብምዝካር ካብ ወንጌል ማቴዎስ ‘ሽዑ ኢየሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ፡ ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ። ኢየሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ’ (3.13-15) ንዝብል ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትምህርቶም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንምቅባልን ተኣኪቦም ዝነበሩ ልዕሊ ኣርባዓ ሺሕ ዝኾኑ ካብ ዓድን ወጻእን ዝተኣከቡ ነጋድያንን ምእመናንን ኣስተምሂሮም፣

ኣብ ትሕትናን ጥምቀትን ኢየሱስ ምልስ ቢሎም ከኣ ኢየሱስ ንኩሉ ካብ ላዕሊ ብቅድስናን ፍሉይ ጥበብን ከም ዝፈርድ ንጉስ መጠን ብዙሕ ነገር ክገብር ምኸኣለ፣ ወላውን ነቶም እስኪ ወዲ ኣምላኽ እንተኾንካ ካብ መስቀልካ ውረድ ንሕና ከኣ ክንኣምነካ እናበሉ ዘዋርድዎን ንካልኦት እናኣድሓነ ንርእሱ ግዳ ዘይድሕን እናበሉ ክወራዘዩሉን እንከለው ከም ኣምላኽ መጠን ክገብሮ ይኽእል ነሩ ኮይኑ ግን ብፍቃዱ ሰብ ስለዝኾነ ካብ ደቂሰባት እኳ እቲ ዝተሓተን ዘሕዝንን ባርያ ኮይኑ ንደቂ ሰባት ናይ ምሕረት ዘመን ንክእውጅ ፍቃድካ እምበር ፍቃደይ ኣይኹን ክብል ነቲ መሪር መስዋዕቲ ተቀበለ፣

እቲ ከም ሓጢኣተኛ ምስ ሓጢኣተኛታት ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክስራዕ ዘይተሰከፈን ዘይሓፈረን ኢየሱስ ነቲ ሰማያዊ ተልእኾኡ ማለት ንሕዝቢ ምርካብ ወንጌል ምብሳር ሕሙማት ምፍዋስ ናብቶም ዝተረስዑን ታሕተዎትን ምቅራብን ሓጢኣት ምምሓርን ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብጥምቀት ዮሓንስ ጀሚርዎ፣

‘ሽሕኳ ከኣል ኩሉ ብምዃኑ ክገብሮ ዝኽእል እንተነበሩ ኢየሱስ ናብ ዓለም ብግርማ መቅደስ ኣይመጸን፣ ብድምጺ መለኸት ኣይኣወጆን ግን ክገብሮ ይኽእል ነሩ፣ ብመልክዕ ዳኛውን ኣይመጸን። ክገብሮ ግን ይኽእል ነይሩ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ናዝሬት ንሰላሳ ዓመት ሕቡእ ሕይወት ምስ ኣሕለፈ ከም ሕዝቡ ምስ ሓጢኣተኛታት ተሰሪዑ ክጥመቅ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ወረደ፣ ነዚ ክገብር ሕፍረት ኣይተሰመዖን ምእንቲ ክጥመቅ ምስ ኩሎም ምስቶም ሓጢኣተኛታት ኣብኡ ነሩ።

‘ክርስቶስ በቲ ንደቂ ሰባት ዘለዎ ርሕራሔን ክድግፎም ምድላይን ተደፋፊኡ ንኩሉ ሰብኣዊ ኩነታት ተሸኪሙ ከም መሲሕ ተገልጸ፣ ኩሉ እቲ ድሕሪ ጥምቀቱ ዝፈጸሞ ነገራት ንኩሎም ናብቲ ናይ መጀመርያ መደብ ኣምላኽ መደብ ድሕነት ማለት ናብቲ ዘድሕን ፍቅሪ ኣምላኽ ንምብጻሕ ነበረ። እዚ ከኣ ንጹሕን ብነጻ ዝዕደልን ፍጹምን ፍቅሪ እዩ፣

‘ኢየሱስ ጽልኢ ወይውን ተጻብኦን ኵናትን ኣየምጸኤን እንታይ ደኣ ፍቅሪ ኣምጺኡልና፣ ዓቢ ፍቅሪ ንኩሉ ክፉት ልቢ ንኣና ንኩልና ዘድሕን ፍቅሪ ኣምጺኡልና፣ ነቲ ይቅርታን ሓጐስን ሓዲስ ሕይወትን ዝኾኑ ምሕረት ኣምላኽ እናኣመሓላለፈ ንሰባት ቀረቦም፣ እቲ ብእግዚአብሔር ኣብ ዝተላእከ ወልድኸስ ንኩሉ ዘመደ ኣዳም ዝኸውን ምሕረት ብሓቂ ዝጅምረሉ ኢየሱስ እዩ፣ እዚ ምሕረት እዚ ኣብ ጎልጎልታ ካብ መስቀል ንኩሉን ንዘለዓለመ ዓለምን ይውሕዝ ኣሎ፣ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም እንክብል ንኩነት ደቂ ሰባት ንዘለዓለም ለዊጥዎ፣

‘ኢየሱስ ንሓጢኣት ዓለም ናብ ኣቦኡ ዘቅርቦ ኣብ መስቀል እዩ፣ ናይ ኩልና ሓጢኣት ናተይ ናትካ\ኪ ናታትኩም፣ በዚ ከኣ ኩሉ ሓጢኣትና ይድምሰስ፣ ካብዛ መስዋዕታዊት ጸሎት ኢየሱስ ዝግለል ማንም ሰብን ምንም ሓጢኣትን የለን፣ ውርደትና ጭንቅናን መከራንናን መሳኪን ምዃናን ከፍርሓና የብሉን ሓንቲ ንእሽቶ ነገር እያ ትኣኽሎ በቃ ኣብ እግዚኣብሔር ብምሉእ ልብኻ ተኣማሚንካ ብሓጢኣትካ ምጥዓስ እዚ ከኣ በቲ ምስጢረ ዕርቂ እንብሎ ምስጢረ ኑዛዜ ወይ ንስሓ ይግበር፣ ኣብዚ ሓደ ብርቱዕ ፈተና ኣሎ እዚ ከኣ ደሓን ባዕለይ ኣሎኹሉ ቢልካ ነቲ ተዓዲሉካ ዘሎ ምሕረት ኣምላኽ ከንቱ ከይትገብሮ እዩ፣

‘ነፍሲወከፍናኸስ ሓራይ እከለ\እገሊትስ ሓጢኣተኛ እዩ\ያ ኣነኸ፨ ቢልና ንርእስና ንሕተት፣ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና ኮይኑ ግን ኩልና ተማሒርና ኢና ኩልና ነዚ ናይ ምሕረት ኣምላኽ ሕድገት ሓጢኣት ክንቅበል ተኽእሎ ኣሎ፣ ኩነታትና ከፍርሓና የልብሉን ኩልና ሐሕማምና ኣሎና፣ ናይቲ ምእንታና ኣብ መስቀል ዝተሰቅለ ፍቅሪ ክእለት ክዓግቶ ዝኽእል ምንም የለን ፈጺሙ ኣይውዳእን፣ እዚ ምሕረትዚ ከኣ ንውርደትና ንሽግርና ንመከራና ንስቃይና ኮታስ ንኩሉ ሓጢኣትና ይድምስሶ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላምታን ሓጸርቲ መዘኻኸሪታትን ምስ ኣቅረቡ ብሕብረት ኣቡነዘበሰማያት ብቋንቋ ላቲን ብምጽላይ ሓዋርያዊ ቡራኬ ለጊዞም፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ  ሓንቲ ካብ ኣመሪካ ከም ናይ መጨረሻ ሃረርታኣ ንቅዱስነቶም ምርኣይን ምስማዕን ምዃኑ ዝተላበወት ሊዝይ ማየርስ እትበሃል ጓል ሓሙሽተ ዓመት ሕጻን ዝተፈላለዩ ሰባት ብዝገበሩላ ሓገዝ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺባ ስለዝነበረት ቅዱስነቶም ተቀቢሎም ብፍቅሪ ኣዘራሪቦም ባሪኾማ፣ እንታይ ፍሉይነት ኣልይዎ ትብሉ ትኾኑ፣ ናይዛ ሕጻን እዚኣ ታሪኽ ዘሕዝን እዩ፣ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ሊዝይ ሲንድሮም ዲ ኣሸር ታይፕ ቢ ዝበሃል ሕሱም ፈውሲ ኣልቦ ሕማም ስለዝሓዛ ብትንበያ ሓካይም ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ክትዓውርን ክትጸምምን ምዃኑ ተሓቢርዋ፣ ቅድሚ ምዕዋረይን ምጽማመይን ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ክርእን ክሰምዕን እደሊ ምስ በለትን ኣብ ምሉእ ዓለም ምስ ተፈልጠን መንገዲ ኣየር ቱርኪ ናይ ነፋሪት ቲኬት እንከወፊ ኣፕያ ረሶርት ዝበሃል ገባር ሰናይ ማሕበር ኣብ ሮማ ዘድሊ ወጻኢታት ሸፊኑ ከምኡ እውን ኡኒታሊስ ዝበሃል ገባር ሰናይ ማሕበር ናይ ጒዕዞ ሓገዝ ገሮም፣ ድሕሪ እቲ ርክብ ወለዲ እታ ሕጻን ክርስቲንን እስተቭን ዝተመሰምዕም ዕግበትን ቅሳነትን ሰላምን ክገልጽዎ ከምዘይክእሉ ብምግላጽ ካቶሊካውያን ካብ ኦሃዮ ከምዝኾኑን በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ዝሓገዝዎም ኢጣልያውን ኣመስጊኖም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.