2016-04-05 15:52:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ነታጒ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ በቢ ዓመቱ ዕለት 5 ሚያዝያ ተዘኪሩ ዝውዕል ብሓልዮት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ነታጒ ምኽንያት ሚያዝያ ዕለት 4 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ብዘይ ነታጒ ዝብል ህርኩት ጻዕሪ ዳግማይ ክሕድስ ዘተባብዕ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንግድን ኣጠቓማን ጸረ ሰብ ነታጒ ዝምልከት ጠሪሹ ክውገድ ዘተሓሳስብ ብሕቡራት መግንስታት ዓለም ዝጸደቐ ውሳኔ መንግስታት ሃገራት ዓለም ከኽብርኦ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒበን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን በዛ ዕለት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጸረ ሰብ ነታጒ ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ ወፍሪ ንሰብኣውነት እዩ ከምዝበሉ እንከመልክታ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይ ኢጣሊያ ጸረ ሰብኣዊ ነታጒ ንምጥፋእ ዝግበር ጎስጓስ ሓላፊ ጁዘፐ ስኪያቨሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝግመት ይብሉ ልዕሊ 132 ሚሊዮን ገና ዘይተባርዔ ኣብ ፈቐዶ ዝገፈላለያ ሃገራት ባይታ ፋሕ ዝበለ ነታጒ ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ንልዕሊ 100 ሺሕ ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገ ድማ ገሊጾም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን እቲ ገና ዘይተኣልየ ተቐቢሩ ዝተረፈ ጸረ ሰብ ነታጒ ንናይ ሰብኣዊ ረድኤት ዓቢይ ብድሆ ከምዝዀነን እዚ ድማ ብዝተቐብሩ ጸረ ሰብ ነታጒ ብዙሓ ሕዝቢ ዓለም ተመዛቢሉን ናብ ቤቱን ከባቢኡንን ንኽምለስ መኸላእታ ከምዝዀኖን እዚ ድማ ንቐጻሊ ተመጽዋትነት ሓደጋም ንዝተፈላለዩ ጸገማት እውን የቃልዖ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ብኦታዋ ዝፍለጥ ውሳኔ ምጥፋእ ጸረ ሰብ ነታጕ ብኽታመን ዝተቐበልኦ 162 ሃገራት ዓለም ኣብ ምትግባሩ ክተግሃን እዚ ምምራት ኰነ ምሻጥ ጸረ ሰብ ነታጒ ከይሁሉ ዝብል ውሳኔ ስዒቡ እቲ ብውሳኔ ኦስሎ ዝጽዋዕ ጸረ ተፈንጃሪ ነታጒ ቅድስቲ መንበር ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኻት እተካይዶ ጐስጓስ ዝነኣድ እዩ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ መዳይ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርክቱ እዮም። ንገዛእ ርእሱ ምሕርቲ ኣጽዋር ውግእ ብተደጋጋሚ ከውግዙ ንሰምዕ እዚ ግብረ ገባዊ ጻውዒት ሰማዒ እዝኒ እንተዝርከብ ኣብ ዓለም ምዕባል ማዕረኣዊ ዝርጋሔ ምሃለዎ ኔሩ ኢሎም።

እቲ ጸረ ሰብ ነታጒ ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ ዘተባብዕ ናይ ኣገልግሎ ቤተ ጽሕፈት ዝተቐብረ ነታጒ ኣብ ምእራይን ምፍሻልን ዝንቀሳቐስ ምዃኑ ሓቢሮም ካብቲ ዝቕበር ነታጒ ብተወሳኺ ውግእ ኣብ ዝካየደሎም ከባቢታት ብዝፍጸሙ ደብዳባት ምኽንያት ማእለያ ዘይብሉ ተፈንጃሪ ቦምብታት ከይተተኰሱ ዝተርፍ ብዙሕ ምዃኑን እዚ ዅሉ ድማ ካብቲ ኣብ እዋን ውግእ ንላዕሊ ኣብ እዋን ውግእ ደው ምባል ዘጋጥም ናይ ሞት ሓደጋ ኣዚዩ ልዕሉ እዩ። እቲ ጸረ ሰብ ነታጒ ንምጥፋእ ዝግበር ምንቅስቓስ ድኽነት ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ መደብ ክኸውን ይግባእ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.