2016-04-02 15:58:00

ብፁዕ ካርዲናል ካስፐር፥ ወንጌላውነት ቤተ ክርስቲያን ክፉት ኢድ እምበር ከሳሲ ኢድ ዝዝርግሕ ኣይኰነን


ኣብቲ ዕለት 31 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ቅዱስ እንድሪያን ዘቫለ ባዚሊካ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተጀመረ ዕለት 4 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ዝዛዘም ናይ ምሕረት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ኤውሮጳ ዓውደ ጉባኤ ዝስተፉ ዘለዉ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር ዕለት 1 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ንእዋናዊ ዓለም ወንጌል ብትብዓት እተበስር ኣእዳዋ ብምዝርጋሕ ደኣ እምበር ከሳሲ ኢድ ብምምልካት ከምዘይኰነን መጋበሪይ ምሕረት ምዃና ብቓልን ብግብርን ብምንባር ኣትኽውኖ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ናይ ክስርስቲያን በደል

ሎሚ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኤውሮጳን ኣብ ምዕራብ ዓለምን መጻእተይና ምዃኑ ብሓደ ወገን ናይ ክርስቲያን በደል እውን እዩ። ስለምታይ ምስ ወንጌል ዘይራኸብን ወንጌላውነት መንፈስ ዘይዓሰሎ ኣስፍሆተ ወንጌል ስለ እነቕርብ እዩ። ስለዚህ ወንጌል ሓድሽ ቃል ብስራት እዩ። መብዛሕቲኡ እዋን ግና መሓሪ ዘይኰነስ ዝኹንን ዘፍርሕን ዝቐጽዕን እግዚኣብሔር ስለ ስዝበኽ እዩ።

እዋን ምሕረት

ሎሚ ከምቲ ዮሓንስ መበል 23 ናይ ምሕረት ፈውሲ ደኣ እምበር ናይ ተሪር ስርዓትን ሕግን ኣጽዋር ኣይኰነን ዘድሊ ዝበልዎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድማ ኣብ እዋንና ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውደ ውግእ እትርከብ ቤተ ሕክምና እያ ይብሉ። እዚ ማለት ድማ ቤት ምሕረት እምበር ፈራዲትን ከሳሲትን ከምዘይኰነትን ሓድሽ ቃል ብስራት እተበስር ምዃና እዩ ዝሕብር፡ ጸዋዕታ ቤተ ክርስቲያን ድማ ንሱ እዩ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።

ምሕረት ማለት ዓሻ ለውሃት ማለት ኣይኰነን

ምሕረት ልክዕ ከም ሓደ ተራ ሕያውነት ዘምስል ርእይቶን በዚ መገዲ’ዚ ድማ እግዚኣብሔር ልክዕ ከም ሓደ ጨዋን ዘይጓዳእን ናይ ክፍኣት መንፍስን ሓጢኣትን ብትረት ዘይምልከት ብዘምስል ዓይነት ኣገላልጻ እዩ ዝቐርብ። ስለዚህ ናይ ምሕረት ኣምርን ቀንዲ ትርጉሙን ክርስትና ኣብ ሕሱር ዕዳጋ ምቕራብ ማለት ኣይኰነን። ከምቲ ብዙሓት ዝገብርዎ ሓቅን ምሕረትን ዝገራጨዉ ኣምሲልካ ምቕራብ ማለት ኣይኰነን። ምሕረት ናይ እምነት ሓቂ ዘይሓክኽን በንጻሩ ንናይ እምነት ሓቂ ፍርያማ ዝገብር እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፥

ምሕረት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ናይ ክፍኣት መናፍስቲ ህልዋት ይዀኑ

ምሕረት ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ካስፐር ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል መገዲ ወጋሕ ዘብል እዩ። እነቕርቦ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሕድስ እዩ። እግዚኣብሔር ብምሕረቱ እሙን እዩ። እዚ ድማ ቅኑዕ ማለት ምዃኑ ሓቢሮም። እግዚኣብሔር ንገዛእ ርእሱን ምስ ገዛእ ርእሱን ቅኑዕን እሙንን እዩ። እሙን ንእግዚኣብሔርነቱን መሓርነቱን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ሕግታትን ስርዓታትን ቅዩድ ኣይኰነን። ንሱ ገዛእ ርእሱን ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱን ፍቕሪ ቅዩድ እዩ። ስለምታይ ፍቕሪ እዩ። ብዘይ ምሕረት ጽማሬ ፍትሒ ጽማሬ ኢፍትሓውነት እዩ ዝኸውን፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን ከምቲ ዶስቶቭስኪ ዝብሎ “ምሕረት ኣብ ዘይብሉ ስፍራ ናይ ክፍኣት መናፍስቲ ህልዋት ይዀኑ” ከምዝበሉ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.