2016-03-31 16:19:00

ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም፥ ህንዲ ፈውሲ ድኻታት ትከላኸል


ዕለት 30 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ብራሰልስ ኣብ መንጐ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ህንድን ዛዕባ ምህርቲ መድሃኒንት ቀረብ መድሃኒትን ዘተኰሮ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ መንጐ ህንድን ሕብረት ኤውሮጳን ተቛሪጹ ዝነበረ ናጻ ናይ መድሃኒት ንግድ ጉዳይ መፍትሒ ንኽረብ ዝኣመተ ኣኼባ ከምእተጀመረ እንክምልከት። ህንዲ እተምርቶ ሓፈሻዊ መድሃኒት ብትሑት ዋጋ ዕዳጋ ዝቐርብ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ምህርቲ መድሃኒት ህንዲ ናይ ድኻ መድሃኒት እንክብል ዝገልጾ ዶብ ኣልቦ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ሓኻይም ናይ ህንዲ መራሔ መንግስቲ ናረንድራ ሞዲ ናይ ህንዲ ምሕርቲ ሓፈሻዊ መድሃኒትን ቀረብን ክከላኸሉን ንናይ ዓበይቲ ህብረኣውያን ናይ መድሃኒት ፋብሪካታት ድላይ ሕራይ ከይብሉ ጻውዒት ከምዘቕረበ ዝሓበራ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ምስ ናይ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ናይ ሕዝቢ ጥዕና ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ሓላፊት ሲልቪና ማንቺኒ ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት፥ ህንዲ ካብ ቀደም ኣትሒዛ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕጊ ንግድ እተኽብር ሃገር እያ። እዚ ግና ንናይ ሃገራት ድኻታት ሕሙማን ከይትሓስብ ዝድርኻ ኣይኰነን። ንናይ ሃገርካ ድኻታት ዘይምሕሳብ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዩ። ስለዚህ እቲ እተምርቶ ሓፈሻውያን ዓይነት መድሃኒት ንድኻታት ሃገራት እውን ዓቢይ ጥቕሚ እዩ፡ ኤውሮጳ ነዚ ናይ ኩሉ ዜጋ መሰልን ክብርን ምርካብ ኣገልግሎት ሕክምና እትቃወ እያ እትመስል። ህንዲ ንናይ ኤውሮጳ ውሳኔ እንተድኣ ተቐቢላቶ ብሓቂ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ንሓደጋ ክቃልዓ እየን። ዓበይቲ ዓለም ለኻውያን ኣምረቲ መድሃኒት ትካላት ዝሓተኦ ዋጋ መድሃኒት ንድኻታት ሃገራት ግምት ዘይህብ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ህንዲ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ዝምልከት እተሓሳባን ራእይን ናይ መላእ ዓለም ራእይ እዩ ክኸውን ዘለዎ ኢለን።

ሕብረት ኤውሮጳ ከም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጃፓንን ካልኦት ሃብታማት ሃገራት ንኣብነት እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና መቐመጢ ዘለዎ ፕፊዘርን ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ዘሎ ግላክሶ ኣብ ስዊደን ኖቫርቲስ ኣብ ጀርመን መርክ ምጥቃስ ይከኣል፡ ናይዘን ዓበይቲ ናይ መድሃኒት ኣምረትቲ ዓለም ለኻውያን ትካላት ድላይ ዝተንበርከኻ እየን ዝመስላ። ክንክን ጥዕና ናይ ኩሉ ብዘይምንጻል ናይ ኵሉ መሰልን ክብርን እዩ ኢለን ህንዲ ንሃብታም ሃገራት ድላይ ከይተንበርክኽ ተስፋ እገብር እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.