2016-03-31 16:09:00

ኣሲዚ፥ ኣብ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ.ም. ርክብ ናይ መላእ ዓለም ሃይማኖታት መራሕቲ


ናይ ኣሲዚ ቅዱስ ስፍራ ዓቃቤ ኣባ ማውሮ ጋምበቲ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ዘሎ ጽንኩር ኩነት እናረአና ሱቕታ ክንመርጽ ዘይከኣል እዩ። ሳልሳይ ውግእ ዓለም ኣብ ከይዲ ዘሎ እዩ ዝመስል። ኤውሮጳ ኣብ ውሽጣ መጥቃዕቲ ክወርዳን ብተደጋጋሚ ብድሆታት ከጋጥማን እቲ ኣብ ምስራቕ እስያን ኣፍሪቃን ከልኦት ኣብ ርሑቕ ከባቢ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ዝኽስቱ ዘለዉ ብድሆታት ብመስኰት ኰይና ምርኣይን ዘይምግዳስን ዘይከኣል እዩ። እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ግብረ ሽበራን ክዋኔ ቅዱስ ውግእ መንግስታትን ዜጋታትን ወሳኒ መልሲ ክህብሉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ድማ ከም ኣናጹ ተሓቢእካ ምርኣይ ድዩ ወይ ከኣ ወጺእካ መልሲ ምሃብ ይምረጽ? እቲ መልሱ ቅዱስ ውግእ ድዩ ምሕረት? እንክብሉ እዋኑ ኵሉ ምእንቲ ሰላም ክሓብር ዝዕድም እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ካብ ኣሲዚ ቅዱው ናይ ሓባር ጸሎትን ናይ ሓባር መግለጽን

ኣባ ጋምበቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1986 ዓ.ም. እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዝነበረ ዝሑል ውግእ ምኽንያት ናይ ኩለን ሃይማኖታት ዓለም መራሕቲ ኣብ ኣሲዚ ክራኸቡን ብሓባር ምእንቲ ሰላም ክጽልዩን ዘቕረብዎ ጻውዒት በቢ ዓመቱ ኣብ ግብሪ ይውዕል ምህላው ገሊጾም፡ እቲ መደብ ናይ ሓባር ጸሎት መበል ሰላሳ ዓመቱ የብዕል ኣሎ። እዚ ምስ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ብሓባር ዝተበገሰ መርሐ ግብሪ ብሓባር ምእንቲ ሰላም ክጽልዩን ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ናይ ሓባር ቃል ብምቅላሕ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ናይ ክፍኣት መንፈስ መልሲ ክህብሉ ለምዘበን ካብ ዕለት 18 መስከረም ክሳብ ዕለት 20 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ናይ መላእ ዓለም ሃይማኖታት መራሕቲ ክራኸቡ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎ የመልክት።

ጸረ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ዓመጽ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ብሓደ ድምጺ ናይ ሓባር መልሲ ክህቡሉ

ንናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ንምርግጋጽ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝገልጽኦ መሰረታዊ መምርሒ እንታይ እዩ? ንናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ፖለቲካን ስነ ምርምርን ባህልታትን ዝህብዎ ኣስተዋጽኦ እንታይ እዩ? ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ዓመጽ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ብሓደ ቃል ውሁድ መልሲ ክህቡሉን ናይ ፖለቲካ ዓለም ፍትሕን ሰላምን ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ምኽባር ፍጥረትን ተፈጥሮን ሸቶ ዝገበረ ናይ ሓባር ከይዲ ክውጥኑ ይግባእ፥

ነቲ ዝረአይ ዘሎ ዓመጽ ካብቲ ትሕትና ዝዓሰሎ ሕውነት ዝብል ናይ ፍራንቸስኮ ሕይወት ከም ኣብነት ብምስዓብ መልሲ ምሃብ

ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዓለም ዓበይቲ ኣደባባያት ተምሳል ናይቲ ኣብ ኣሲዚ ዝካየድ ናይ መላእ ዓለም ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ርክብን ጸሎትን መደብ ክኽወን ኣባ ጋምቤቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓደራ ቢሎም፡ ናይ ባህልታትን ቋንቋታትን ሃይማኖታትን ውሁድ ሓባራዊ ናብራ ክህሉ ናይ ኩሉ ጻዕሪ ይሓትት፡ ኩለን ሃገራት ዓለምን ሕቡራት መንግስታ ዓለምን ነዚ ሰብኣዊ ስምምዕ ምርግጋጽ ክዓዩን እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝነበሮ ትሑት ሕውነታዊ መንፈስ መርሕ ብምግባር ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ዓመጺ መልሲ ንሃብ ክተግሁ ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.