2016-03-31 16:16:00

ሶሪያ፥ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል ስጓመ


ናይ ሶሪያ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻ ብናይ ሩሲያ ሓይሊ ኣየርን ናይ ሊባኖን ኢራንን ሽዓውያን ዕጡቓት ሓይሊ ተደገፉ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ እታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዳዒሽ ኣትያ ዝነበረት ታሪኻዊት ከተማ ፓልሚራ ናጻ ድሕሪ ምውጻእ ቀጺሉ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሱ ድማ ናብታ ካብ ሆምስ 70 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ናብ እትርከብ ካብ ወርሒ ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ኢድ ገዛእ ርእሱ ኣስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ጅሃዳዊ ሓይሊ ዳዒሽ ናብ እትርከብ ከተማ ቃርያታያን ከምዘምርሔ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ሓቢሩ ተቐማጦ ከተማ ቃርያታይን ሰሙናት ካብ ዘቑጽር ዘሎ መጥቃዕቲ ገዛእ ራእሱ ንምድሓን ከም እተመዛበለን የመልክት።

ማሕበረ ክርስቲያን ካብ ከባቢ ቃርያታይን ከምዝወጸን ኣብዚ እዋንዚ ኣብተን ናይ ሶሪያ ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ዝቆጻጸረን ከተማታት ዛይዳልን ፋኡሩዘሕ ከምዝሰፈረን እቶም ዕለት 21 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ብጅሃዳውያን ተጨውዮም ዝነበሩ ሲሪያዊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካህን ኣባ ጃከስ ሙራድ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ናጻ ከምዝወጹ ዘዘኻኸረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ እቶም ክርስቲያን ምእመናን ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ኣብ ዝወስድዎ ውሳኔታት ብዙሓት ሰብ ጽቡቕ ድላይ ሰዓብቲ ሃማይማኖት ምስልምና ፈተውቶም ምትሕብባር ከምዝግበረሎምን ገሊጹ ኣብ ከባቢ ቃርያታይን ዝካይድ ዘሎ ውግእ ምኽንያ ሸሞንተ ክርስቲያን ምእመናን እውን ከምእተቐትሉ ሓቢሩ።

ናይ ሶሪያ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ዳዒሽ መጥቃዕቲ ምኽንያት ኣብታ ከተማ ሓደ ሰላማዊ ተቐማጢ እውን ከምምዘየለ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ ድሕሪ ናጻ ምልቓቕ እታ ከተማ ብዙሓት ማሕበረ ክርስቲያን እቲ ምቁጽጻር እታ ከተማ ምሉእ ክሳብ ዝኸውን ኣብ ዝረክብዎ ከባቢ ንኽጸንሑ ከዝደልዩ ከድላይ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.