2016-03-29 16:46:00

ኣባ ቢያንኪ፥ ምሕረት ነቲ ቅኑዕ እየ በሃሊ ዕንቅፋ እዩ


ኣብዚ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ምእንቲ ንናይ እግዚኣብሔር ትግባረ ስሉጣት ምልክታ ክንኸውን ጠመተና ኣብ ናይ ኣቦ ምሕረት ከነንብር ንጽዋዕ፡ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎን ዘበገስዎን ቅዱስ ዓመተ ምሕረትን በቲ ቅዱስነቶም ዝሃብዎ ጥልቂ ትርጉሙ መሰረት ንናይ ሕጊ ሊቃውንትን ፈሪሳውያንን ምስሉያትን ጻድቃን ኢና ባህልትን ዘደንጽው ዕንቃፋት ከይኑ ዝረአይ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ነቲ ሕዙንን ዕሩቕን ሓጢኣተይናን ዝተነፍገን ዝተነጸለን ዘናድይ ፍቕሪ ዝትንትን “ዕንቅፋት ዝዀነ ናይ እግዚኣብሐር ፍቕሪ” ብዝብል ኣርእስት ናይ ቦዘ ባሕታውያን ማሕበረሰብ መስራቲ ናይቲ ማሕበር ኣበምንየት ኣባ ኤንዞ ቢያንኪ ዝደረስዎ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ተሓቲሙ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንንባብ ዝበቕዔ እክሕበር ብዛዕባ እዛ መጽሓፎም መሰረት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ንሕና ሰብኣዊ ፍጥረት ብዛዕባ ፍትሒ ዘሎና ኣመለኻኽታ ኣብ ናይ መቕጻዕቲ ግዜን ቦታን ዝቖመ እዩ ከምዚ ምዃኑ ድማ ዶስቶቪስክይ ኣብታ ገበንን መቕጻዕትን ኣብ ዘርእስታ ልበ ወለዳዊት መጽሓፉ የመልክቶ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዘለሉ መቕጻዕቲ ገበን ኣብ ዘለሉ ናይ መቕጻዕቲ ፍርዲ ኣሎ። እግዚኣብሔር ግና እቲ ኣይደልየካን ቢሉ ቤቱ ሓዲጉ ዝኸደ ውላድ ዝጽበይን እዩ። እቲ ኣይደልየካን ቢሉ ቤቱ ሓዲጉ ዝኸደ ውላድ ዝጽበይን ኣመዛሪትን ኣመንዛርን ዘይፈርድ። ካብ ኵነኔ ምሕረት ዝዕድል። እዚ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ምሕረቱ ድማ ንብዙሓት ጻድቃናትን ቅኑዓትን በሃልቲ ዕንቅፋት ይኸውን፡ ብዙሕ ግዜ ቆረብትን ሰገድትን ቅኑዓትን ኣኽበርቲ ሃይማኖን ሃይማኖተይናታትን ኰይንና ይስምዓና ኢየሱስ ንሓጥኣንን ኣመንዝራታትን ከቐድም ምስ ንርእይ በዚሑ ንብል። ኢየሱስ ብዝፍጽሞ ተግባርን ብዘርእዮ ሓልዮትን ንዕንቀፍ።

እቶም ምሕረት ዕንቅፋት ዝዀኖም እቶም ገዛእ ርእሶም ቅኑዓትን ጻድቃንን ገይሮም ዝሓስቡ እያቶም። ሓደ ሰብ ሓጢኣት ንኸይገብር ብዙሕ ስርዓትን ሕግን ከኽብርን ዝከኣል እዩ። እዚ ሰብ’ዚ ብርግጽ ቅኑዕን ጻድቕን እዩ። እዚ ማለት ግና መሊሱ ሓጢኣት ኣይሰርሕን እዩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዓቢይ ፈተና ግና ነቲ ካልእ ምስ ሓጢኣቱን ውስንነቱን ምርኣይ እዩ። እዚ ክርስትና ኣይኰነን። ክርስቶስ ብዓይኒ ምሕረቱ እዩ ዝርእየና። ኢየሱስ ከምዝምህረና ክሳብ ክንደይ ሓጢኣተይናታት ምዃና እዩ። ስለዚህ ሓደ’ኳ ኣብ ልዕሊ ካልእ ክፈርድ ኣይክእል። ኣብነት ክትከውን ምድላይ። ፈሪሳውያንን ናይ ሕጊ መምሃራንን ናይ ሃይማኖቶም ቀናእተይናታትን ብሓቂ ሕሉፍ ቅንዕና ዝብሉ ዝነበሩ እያቶም። ሎሚ እውን ኣለዉ። ምሕረት እግዚኣብሔር ብናቶም ሕግታት ዝመዝኑን ኣብ ሕግታቶም ዘንብሩን ብሕግትቶም ዝሓጽሩን እያቶም፡ ምሕረት ኣካይዳን ኣነባብራን ኣቀራርባን እዩ። ናይ ሕይወት ኣግባብ እዩ። እቲ ኣንሕና ኣብ ቅድሚ ካልእ ክንነብሮ ዝግብኣና ምዃን እዩ። ስለዚህ ምሕረት ክበሃል እንከሎ ተራ ዘይጭበጥ መንፈሳውነትን ቃልን ኣይኰነን። ዝንብርከኽ ኣብራኹ ዓጺፉ ንብጻይ ቀረባ ምዃን ማለት እዩ ኢሎም።

ብዙሓት በሓቂ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ምሕረት ክዛረቡን ክምዕዱን ናይ ምሕረት ዓመት ክእውጁን ባህ ዘይበሎምን በዚሑ ዝብሉን ኣለዉ። እዚ ሓድሽ ኣይኰነን ኢየሱስ ነመንዛራን ሕሙማንን በጸብሓንን ሓጢኣተይናታትን ክቐርብን ኣብ ቤቶም ክኣትው ኣብ መኣዲ ምስኣኦም ክሓብር ርእዮም ዝተዓንቀፉ ኔሮም እዮም። ስለዚህ እዚ ከሰንብደና የብሉን፡ ምሕረተ እግዚኣብሔር ንዓለም ወትሩ ዕንቅፋት እዩ፡ ገለ ገለ እዋን ንቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖተይናታትን እውን ከይተረፈ ዕንቅፋት እዩ፡ ከምቲ ውጅሂ ኢየሱስ ንብዙሓት ዕንቅፋት ዝዀነ ከምኡ፡ ንቐተልቱ ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እያቶም እሞ መሓሮም ዝብሎ እዩ።

እዚ ናይ ምሕረት ዓመት ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ተመክሮ ክኸውንን ዝተመሓሩን ዝምሕሩን ክንከውንን ተስፋ እገብር። ንምሕረት እግዚኣብሔር ክፉት ምዃንን መሓሪ ዘይምዃን ዘይራኸቡ ክልተ መገድታት እያቶም። ምሕረት እግዚኣብሔርን መሓሪ ምዃንን ተተሓሒዞም ዝኸዱ መገድታት እያቶም ዳርጋ ሓደ መገዲ ክትብሎ እውን ይከኣል። መንግስቲ ኣምላኽ ናይቶም ተማሒሮም ዝምሕሩ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.