2016-03-29 16:40:00

ብፁዕ ኣቡነ ፐረጎ፥ ኤውሮጳ ኩነት ስደተይናታት ሰብኣውነታ ዘበራብር ሓይሊ ክትረክብ


ዘየቋርጽ ጸኣት ስደተይናታት ኣማእኪሎም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ሓልዮ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ፐረጐ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ቀዳማይ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ኢጣሊያዊት ደሴት ላምፔዱዛ እዮም ዘካየዱ። ኣብኡ ተረኺቦም ስለ እቶም ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝጠሓሉ ጸሎት ኣዕሪጐም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ዝረአይ ዘሎ ዓውሎማዊ ሸለልተይናነት ኩሉ ብዓውሎማዊ ግብረ ሰናይን ምትሕልላይ ክትክኦ ኣተሓሳሲቦምን ኣብ ካራ ካስተልኑዎቮ ዲ ፖርቶ እውን ሕድ ሕዳዊ ምጥርጣርን ፍርሕን ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ዝምባሌታት ብናይ ርክብ ባህሊ መታን ክትካእ ርክባትን ምቅርራብን ዘተባብዑ ዕድላት ክፍጠሩን ነቲ ሰብ ብባህርይኡ ተራኻቢ ምዃኡ ዝድግፍ ባይታ ክፍጠር ሓደራ ከምዝበሉ ዘኪሮም፡ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ዓለም ኤውሮጳ ዘሎ ኩነት ምስትውዓል የድሊ። በራትካ ምዕጻው ዘኰነስ እቲ ጸኣት ስደተይናታት ስለምታይ ይኽሰት ኣሎ ንዝብል ሕቶ ብምልዓል እቶም ስደተይናታት ዝመጹለን ሃገራት ዘሎ ማሕበራውን ስብኣውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ወዘተርፈ ኩነታት ምስትውዓልን ምፍላጥን የድሊ። ስለዚህ ነቲ ጸኣት ክወሃቦ ዝግብኦ ብቑዕ መልሲ ስደተይና ከይመጻካ ብዝድርኽ መገዲ ዘይኰነስ ንስደት ዝድርኽ ቀንዲ ምኽንያት መፍሒ ክረክብ ብምግባር እዩ።

ካብ ልዕሊ 33 ዝተፈላለየ ውግእ ካብ ዝከይደሉ ከባብን፡ ብምኽንያት ብከላ ከባብን ድኽነትን ጥሕሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጥሕሰት ናይ ሃይማኖ ነጻነትን ካብ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ጊሊያነትን ዝኣመሰሉ ጸረ ሰብኣዊ ክስተታት ዘምልጡ ዜጋታት ምንጻግ ዘሕፍር ተግባር ጥራሕ ዘይኰነስ ካብቲ ንስደት ዝዳርግ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ፈሊኻ ዘይረኣይ ኣሉታዊ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።

ኤውሮጳ እቲ ካብ ነውሕ ዓመታት ዘረጋገጸቶ ዴሞክራሲያዊ መዋቕራታ ኣብ ሕቶ ዝኣተው ዘሎ እዩ ዝመስል። ጸኣት ስደተይናታት ኤውሮጳ ኤውሮጳ ዘብላ ክብሪ ኣብ ሕቶ ከኣትው ምርአይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ንስደተይና እተቕርቦ ድጋፍ ፈሊኻ ብተዘዋዋሪ መገዲ ወይ ድም ብሳልሳይ ኣካል ክፍጸም ምግባር ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፡ እዚ ድማ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተበጽሔ ስምምዕ እዩ፡ እቲ ውሳኔ ድማ ናይ ኤውሮጳ ግብረ ሰናይ ንስደተይናታት ኣብ ቱርክን ግሪክን ክፍጸም ዝብል ስምምዕ ምዃኑ ገሊጾም። ገዛእ ርእስኻ ምኽፋት ካብ ዘስዕቦ ጸገም ገዛእ ርእስኻ ብምዕጻው ዘጋጥም ጸገም ኣዚዩ ዝኸፍኤን ክትግምቶ ናብ ዘይከኣል ሓደጋ እዩ ዝመርሕ ቢሎም ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን ተመዛበትን ስደተይናታት ከከም ብዝሖም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ብምክፋል ዝምራሕ እተዝኸው ንምቁጻሩን ብብቕዓት ጸኣት ስደተይና ንምምሕዳር እውን ምስተኻኣለ ኔሩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.