2016-03-26 15:37:00

እምነትን ስነ ጥበብን


ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ካዘርታ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳንት ኣንድረያ ብምኽንያት ዓርቢ ስቕለት ዓለም ሓቆፍ ቤተ መዘክር ስእላውን ጽሑፋውን ስነ ጥበብን ሓልዮት ከባብን ማሕበር ብምትሕብባር ዝተዳለወ ስቅያት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘማእከለ ዛዕባ ርክብ እምነትን ስነ ጥበብን ዝዘተየ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 25 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ልእኽቲ ራዲዮ ቫቲካን ጋዘጠይና ማሪያ ላውራ ሰርፒኰ ሓቢረን።

እዚ መደብ’ዚ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ሰሙነ ሕማማት ካብ 1981 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝካየድ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ እዩ፡ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ነቲ 14 ታሪኽ ስቅያት ኢየሱዝ ዘዘንትው ፍኖት ዘማእከለን ነዚ ናይ መስቀል መገዲ’ዚ ምስ እምነትን ስነ ጥበብን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ካሳብ እዋንና ዝበጽሔ ታሪኹን ስነ ጥበባዊ ምዕባሌታቱን ኣብ እምነት ዘለዎ ድጋፍን ዝምርምር እዩ።

ብዙሓት ናይ ስነ ጥበብ ሊቃውንትን ናይ ቅብእን ቀረጻ ሓወልትን ክኢላታት ዝቐብእዎን ዝሰኣልዎን ዝቐረጽዎን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍኖተ መስቀል ዘዘንትው ምስ ቲዮሎጊያን ስነ ጥበብን ሊጡርጊያን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽ ሰብኣውን ቅዱስ መጽሓፍን ብምትሕሓዝ ዝነበረን ዘሎን ህልው ታራኽ እምንት ዘዘንትው እዩ። ስለዚህ ነዚ ብዕምቆት ዝምርምርን ብፍላይ ኣብ እምነት ዘለዎ ጽልዋ ዘቃልሕ ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ጋዘጠይና ማሪያ ላውራ ሰርፒኰ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.