2016-03-24 16:04:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዝሳደዱ ዒራቓውያን ከይርስዑ


ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 4 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ ዋና ኣመሓዳሪ ኣለሳንድሮ ሞንተዱኦ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቨንቲሚሊያን ሳን ሬሞን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ሱወታን ናይ ቦሎኛ ርእሰ ሰበኻ ካህን ኣባ ማሲሞ ፋብሪን ናይ ካፕሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ካቪና ኣብ ዒራቕ ናይ ኩርድስታን ማእከል ከተማ ነቶም ዝሳቐዩ ዒራቓውያን ማሕበረ ክርስቲያንን ንምትብባዕን ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ዒራቓውን ድጋፍ ንምቕራብ ኣብቲ ከባቢ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ዝሰምዑ ቅዱስ ኣቦና ንብፁዕ ካቪና ስልኪ ደዊሎም ነቶም ኣሳዶን መከራን ዝወርዶ ንዘሎ ማሕበረ ክርስቲያንን ካልኦትን ዜጋታት’ታ ሃገርን ቅርበቶምን ጸሎቶምን ንኸረጋግጽሎም ሓደራ ቢሎም ነታ ኣሳዶ ዘጋጥማ ዘሎ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ረድኤት መሳለጢ ዝውዕል ናይ ቁጠባ ሓገዝ ከምዝለኣኹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ናይቶም ዝሳደዱ ክርስቲያን ስቓይ ከይርሳዕ ሓደራ ይብሉ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ዓለም ሓቆፍ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ብኣባላቱ ኣቢሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቶም ስደትን መከራን ዘጋጥሞ ንዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ክበጽሕን ድጋፍ እውን ከቕርብ ዝወሰዶ ውሳኔ ንኢዶም፡ ነቶም ዝሳቕዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ቀረባ ምዃኖም ኣረጋጊጾም እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረ ዝዀነ ዘይሕከኽ ናይ ሰብኣዊ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ጻውዒት ኣቕሪቦም እቶም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝነብርዎ እምነት ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዒራቕን ንኹላትና ናይ ፋሲካ ምስጢር ከነስተውዕልን ካብዚ ምስጢር’ዚ ንሓድሽ ሰብኣውነት ምርግጋጽ ዘኽእል ሓይልን ብርሃንን ክንዓትር ዝድርኸና እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ተራ ግብረ ሰናይ ዘይኰነስ ንናይ ክርስቶስ ኣካል ቀረባ ምዃን

ምሕረት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ንብዓት ኣሕዋትና ንኽንሕብስን ኣካላውን ግብረ ገባውን ቁስሎም ንኽንፍውስን ንኸነጸናንዖምን ኣብራኽና ዓጺፍና ኣብ ቅድሚኦም ንኽንብርከኽ ይዕድመና፡ ስለዚህ እቲ ነሕዋት እነቕርቦ ግብረ ሰናይ ጥራሕ ዘይኰነስ ኵሉ ክርስቲያን ብጸጋ ጥምቀት እቢሉ ምስ ክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ንኽርቶስን ሓደ ብምዃኖም ንናይ ክርስቶስ ኣካል ዝቐርብ ድጋፍ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፥

እቲ ዓለም ሓቆፍ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ልኡካን ኣብ ኣንካዋ ዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ዝበጽሕን ምስ ናይታ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰበኻ ኤርቢል ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ባሺር ማቲ ዋርዳን ክራኸቡን ኣብቲ ከባቢ ብስም ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር መስራቲ ኣባ ወረንፍራይድ ቫን ስትራተን ዝጽዋዕ 150 ኣባይቲ  ዘጠቓልልን ከምኡ እውን ልዕሊ 7 ሺሕ ተመሃሮ ዘእንግድ ቤት ትምህርትን በቲ ማሕበር ሓገዝ ዝተሓንጸ ዝርከቦ ከባቢ ክምረቕ ከምዝዀነን እቶም ልኡካን ኣብ ሞሱል ናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ እታ ከተማ በቲ ገዛእ ርእሱ ሃገረ ምስልምና ቢሉ ዝሰመየ ሓይሊ ኣሸበርቲ ስለ ዝተትሓዘት ኣብ ኤርቢል ምስ ምእመናኖም ምስ ዝተሰዱ ብፁዕ ኣቡነ ፔጥሮስ ሙቸን ክራኸቡ ምዃኖም የመልክት።

ኣብ ኤርቢል ማሕበረ ክርስቲያን ጽኑዕ ኣብ እምነቱ

እቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ነቶም ኣብቲ ካባቢ ዝሳደዱን ዝመዛበሉን ማሕበረ ክርስቲያን ካብ መጀመሪያ እዋን እትሒዙ ዝድግፍን ዘድሊ ሰብኣዊ ጠለባት ኩሉ ብምቕራብ የሰንዮ ከምዘሎን ብሓቂ ናይቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብነት ጽንዓት ኣብ እምነት እዩ ዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፥ ኣቲ ኣብ ስቓይ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዙ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዘቕርቦ ሓገዝ ክሳብ ሎሚ 15 ሚሊዮንን ፈረቓን ከምዝበጽሔን ኣመልኪቱ፡ በዚ መደብ’ዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ኢጣሊያ ናይቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ጨንፈር ዝተፈላለዩ ን250 ሺሕ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ዝውዕል ናይ ረድኤት ጐስጓስ መደባት ከምዝወጠነን እዚ ድማ ምስ ካፕሪን ቨንቲሚሊያን ሳን ረሞን ሰበኻታት ብምትሕባር ዝሓንጸጾ መደብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.