2016-03-22 15:57:00

ፍኖተ መስቀል፥ አስተንትኖ ዛዕባ ስደተይናንን ስድራ ቤትን ልዕሊ ክርስቲያን ዝወርድ ግፍዕን


ብላቲን ስርዓት ናይ ለምዘበን 2016 ዓ.ም. ዕለት 25 መጋቢት ዓርቢ ስቕለት ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ ከተማ ሮማ ኮሎሰዩም ናይ ዝዓርግ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ንኽደርሱ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓረይዎም ኣብ ኢጣኢያ ናይ ፐሩጃ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጉዋልቲየሪ ባሰቲ እቲ ዝድረስዎን ናይ ኣስተንትኖ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ዕለት 22 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ከምእተዘገሔ እንክሕበር እቲ ኣስተንትኖ እግዚኣብሔር ምሕረት እዩ ብዝብል ዋና ኣርእስቲ ዝምራሕ ኰይኑ ብዛዕባ ሰብኣዊ ፍርሕን ስቓይን ግፍዕን ዓመጽን ዝድህስስ እዋናዊ ሰብኣዊ ኵነት ኣማእኪሉ ምሕረት እግዚኣብሔር ንኹሉን ናብ ኩሉን ዝበጽሕ ናይ ጸጋ መተሓላለፉ ምዃኑን ኣብ መበል 14 ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ናይ ኣባ ኣዞላርን ኣባ ሩሮልዶን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቃላት ተወኪሶም ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝወርድ ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ሕልቂትን ዝተሳቐዩን ዝሳቐዩን ዘለዉ ኣቢያተ ስድራን ትምክሕቲ ልቢ ሓያላንን ስልጣናትን ዝምልከት ሓሳብ ከምዘንበሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ገሊጸን።

ኣብ ስደተይናትታ መልክዕ ክርስቶስ

ጉዕዞ ክርስቶስ ናብ ጐልጐታ እቲ ዝለዓለ መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ መወዳእታ መግለጺ እግዚኣብሔ ምሕረት ንፍጥረት ሰብ እዩ፡ ኣብዚ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ጉዕዞ ኣብ ዝንበረሉ እዋን ዝዓርግ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ቤተ ክርስቲያን እቲ ዓብይን ፍጹምን ፍቕሪ ክሳብ ነቲ ናይ ሰብኣዊ ውርደትን ዝቃወም ኣብ ናይ ዓለም ስቓይን መከራን ሱታፌ ዘረጋገጽ ውርደት ኣብ መስቀል ብምስትንታን እቲ ዝተገፈን ዝተዋርደን ኣካለ ክርስቶስ ናይ ፍትሒ መገዲ ዝሕብርን ናይ እግዚኣብሔር ፍትሒ እቲ ስቓይን ሕሰምን ብመንጽር ትንሳኤ ዝልውጥ እዩ፡ እንተዀነ ግና ልክዕ ከም ጲላጦስ ሎሚ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ውሕስነት ከይስእን ዝፈርሕን ርእሰ ውሕስነቱ ዘይፍንውን ካብኡ ዝተፈልየ ዝፈርሕን ስደተይናን መጻእተይናን ዝፈርሕ ገጽ ክርስቶስ ዝገልጽ ዘበለ ዝተዋርደ ሰብ ዝፈርሕ ናይ እግዚኣብሔር ሓቂ ዘይመርጽ እዩ።

ኣብ ሰፈር ሕልቂት ናዚ ዝተቐትሉ ኣይሁዳውያንን ዝግፍዑ ማሕበረ ክርስቲያንን

ኣብታ ክርስቶስ መስቀል ከቢድዎ ንፋልማ ጊዜ እንክወድቕ ኣብ ዝሕብር ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል ብዙሕ እዋን ስቓይ ወዲ ሰብ ክርድኦ ዘይከኣሎ ትንግርቲ እውን እንተዀነ እቲ መስቀል ተሰኪሙ ዝወደቐ ክርስቶስ ግልጸት መለኰታዊ ትርጉም ስቓይ ነጻነትን ውሽጣዊ ሓይልን ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ሰብኣዊ ሕቶታት ጸሎት ኰይኖም ናብ እግዚኣብሔር ይዓርጉ። እቶም ኣብ ሰፈር ሕልቂት ዝተቐትሉ ኣይሁዳውያንን እቶም ብእምነቶም ምኽንያት ዝግፍዑን ዓደዳ ኣሳዶ ዝዀኑ ስቓዮም ናብ እግዚኣብሔ ዝዓርግ ጸሎት እዩ።

ናይ ዝተገፍዔ ስድራ ቤት ስቓይ

ኣብ ፍኖተ መስቀል ኢየሱስ ምስ ኣዲኡ ክራኸብ ዝገልጽ ምዕራፍ። እብዚ ምዕራፍ’ዚ እቲ ዘይሕከኽ ናይ ማሕበርሰብ ሕይወት ማእከል ዝዀነ ናይ ስድራ ቤት ተክለ ሰብነት ይስትውዓል፡ ስድራ ቤት መተካእታ ዘይብሉ ዘይልወጥ ናይ ሰብኣዊ ርክባት ዓንዲ። ኣብቲ ቨሮኒካ እተርእዮ ሓልዮት ናይቲ ዝዀነ ይኹን ብድሆ ዝገጥም ገዛእ ርእሱ ዘወፍይ ፍቕሪ ዝምስክር ተግባር እዩ፡ ካልኣይ ጊዜ ክርስቶስ መስቀል ከቢድዎ እንክቀወድቕ ሓጢኣት ዘውድቕ ምዃኑን በይናዊ ምድሓን ከምዘየሎ ዘረጋግጽ እዩ። ሳልሳይ ምውዳቕ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝተፈላለዩ ጸገማት ብስእነት ስራሕን መንእስያት ዘጋጥሞም ዘሎ ዘይርጉእ ናብራን ክስትንተን ይድርኽ። እዚ ድማ እቲ ናይቶም ብዝተፈላለየ ምውዳቕ ኣብ ዝተኣስረ ቃል ኪዳን ፍሽለት ከጋጥም ዝረአይ ቅልውላውን መጻኢ ብተስፋ ቅብጸት ክትጥምት ዝድርኽ ሻቕሎት ኩሉ ናይ ልመና ጸሎት ኰይኑ ናብ እግዚኣብሔር ከምዝዓርግ የነጽር።

ዝተዓመጹ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታ

ኢየሱስ ኣልባሱ ክቕንጠጥ እንከሎ ዝገልጽ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል እቶም ውሳጣዊ ክብሮም ዝተግሃሱን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ዝተነፍጎም ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት የዘኻኽር። ኣብ መስቀል ክርስቶስ እቲ ገዛእ ርእሱ ዘዋርድ ከሃሌ ኵሉ ገዛእ ርእሱ ክሳብ ዕብዳን ዘብጽሕ ፍቕሪ ተባሂሉ ንዝገልጾ ገዛእ ርእስኻ ትሕት ናይ ምባል ጥበብ ይዅልዕ፡ ገዛእ ርእሱ ከም መስዋዕቲ ዘወፍይ ፍቕሪ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ከም ውዳቕን ጓሓፍን ምርኣይ ዝብል ዓለማዊ ስነ መጐት እንታይነቱን ሳዕቤኑን የነጽርን ብኻልእ መዳይ ድማ ፍቓድ እግዚኣብረሔ ብኣሜን ምቕባልን የዕይንቱ ንላዕሊ ክጥምታ ብምግባር ናይ ፍቅርን ምሕረትን ባህሊ ዘጉልሕ እዩ።

ትምክሕቲ ስልጣናት ዓለም

ኢየሱስ ኣብ መስቀል ሞተ። ኰይኑ ግና እቲ ናቱ ኣብ መስቀል ሙሟት እቲ መተካእታ ዘይብሉ ፍልዩን እንኰን ትእምርቲ ናይ እምነት ምስክርነት እዩ። ሕይወት ሰማዕታት እምነት። ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዘመናት ካብ ማሲሚሊያኖ ኮልበን ቅድስቲ ኤዲዝ ሽተይንን እቲ ካብ ሓይሊ እምነት ዝምንጭው ምስክርነ ካሳብ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል ተወፋይነት ንእምነት ዝመስከርን ከምቲ ቅዱስ ዮሴፍ በዓል ኣርማቲያስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣካል ክወሃቦ ዘቕርቦ ሕቶ ናይ ሓልዮትን እንጋዴን ትእምርቲ ምስቲ ናይ ስልጣናት ዓለም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጥሞም ስደተይናታን ተመዛበልትን ዘቕርብዎ ራእዩለይ ዝብል ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓትን ዝነብሮዎ ምስሉይነትን ትምክሕትን ዝገራጨው እዩ።

ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ እቲ ናይ ፍኖተ መስቀል ድርሰት ኣስተትኖ መቓብር  ሞት ንኢየሱስ ናይ መወዳእታን ቃል ድምዳሜ ኣይኰነን። ኣብቲ ናይ ኢየሩሳሌም ጸላም መቓብር እግዚኣብሔር ብጽሞናን ብሱቕታን ኣብ ሰብ እቲ ንኸፍቕር ዘዕብዮ ሓድሽ ጸጋ ይሰርሕ ብዝብል ቃለ ኣስተንትኖ ዝጠቓለል ምዃኑ ካምፒዚ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.