2016-03-22 16:05:00

ብፁዓን ጳጳሳት ኰሎምቢያ


እቲ ዘገድስ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ፍርርም ዝተገብረሉ ዕለት ዘይኰነስ እቲ ስምምዕ ስርዓት ብዘለዎ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ክውዕልን ምሉእ ምኽባር ክህልዎን እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ኰሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ቱንኻ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ኣውጉስቶ ካስስትሮ ኵሮጋ ክታም ዝተነብሮ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ኰሎምቢያ መንግስትን ናይታ ሃገር ሶውራዊ ዕጡቕ ሓይሊ ግንባር ዕለት 23 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ናይ ሰላም ስምምዕ ውሳኔ ንምፍርራም ዝተሓንጸጸ ናይ ሓባር መርሓ ግብሪ ዝምልከት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ፡

ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ናይ ሰላም ዘተ ተተባብዕን ትድግፍን

ብፁዕ ኣቡነ ካስትሮ ኵይሮጋ ብናይ ኰሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ስም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ናይ ሰላም ዘተ ደጋፊት ከምዝዀነትን እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ሰነድ ደሓር ዘጋራጭውን ዘማትእን ትርጉም ዝውህቦን ንዘይምኽባሩ ዝድርኽ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሓሳባ ዘየጠቓልል ምዃኑ ኣስተውዒልካን ናይ ሓባር ዘራኽብ ትርጉም ዘለዎ ኰይኑ ክቐርብ ይግባእ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኰሎምቢያ ዝበሎ ሰላም ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ ስለዚህ ምእንቲ ሰላም ደጋፊንት ሰላም እተነቓቕሕን እያ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ኣገዳሲ ነጥብታት ናይ ሰላም ስምምዕ ሰነድ

እቲ ዕለት 23 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ናይ ኰሎምቢያ ርእሰ ብሔር ዅዋን ማኑኤል ሳንቶስን ናይቲ ፋርክ እተሰምየ ዕጡቓት ሓይሊ መራሒ ክታሞ ከንብርሉ ዝበሃል ዘሎ  ናይ ሰላም ሰነድ ቅድም ክብል ክልቲኣቶም ብሓባር ዝበጽሕዎ ውሳኔ ምዃኑ ዝዘከረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ እቲ ፋርክ እተሰምየ ሓይሊ ዕጡቓት ዕጥቁ ፈቲሑ ኣብ ናይ ኰሎምቢያ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዝዋሳእ ናይ ፖለቲካ ውድብ ክቕየርን እቶም ናይ ውግእ ገበነይናታት ተባሂሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ፍትሓዊ ውሳኔ ክወሃቦም ዝብል ክኸውን እንከሎ። ምሕረት ክወሃቦም ዝብል ውሳኔ ካብ ሃገርን ዓለም ሓቆፍን ዝተዋጽኡ ደያኑ ዝሓቁፍ ናይ ዝቐውም ቤት ፍርዲ ሓላፍነት እዩ ዝብል ነጥቢ ዘተቓለል ምዃኑ ገሊጹ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.