2016-03-19 15:54:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብነት ኣብ ምንባርን ንምንባርን ቤተ ክርስቲያውነት


ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ናይታ ሃገር ካህናትን ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ልበ ዘኢየሱስ ተራኺቦም ብብፁዕ ኣቡነ ፐኮራሪን ናይ ስኮፕዠ ጳጳስን ሓውርያዊ ኣመሓዳርን ብፁዕ ኣቡነ ኪሮ ስቶያጆቭ ተዓጂቦም ሰዓት ሽዱሽተ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ስብከት እውን ከምዘስምዑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ስልጣኖም ብውግዒ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘጀመሩን እነሆ ሰለስተ ዓመቶም ይበዓል ምህላዉ  ዘኪሮም ኣብዚ ዓቢይ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ሕብርቲ ምዃና ነረጋግጽ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እንነብሮ ዘሎና እዋን ዓቢይ ጾምን ተክለ ሰብነት ናይቲ ካብ ቤተ ዳዊት ዝዀነ ቅዱስ ዮሴፍን ኣማእኪሎም። ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ መለኰታዊ ምስጢር ሕቶ ዘቕርብ እውን እንተነበረ ንፈተናን ንምጥርጣርን ግና ኢዱ ኣይሃበን። ዮሴፍ ወዲ ዳዊት ኣይትፍራህ ዝበሎ መልእኽ ክዋነ መደብ ምድሓን እምላኽ የነጽረሉ።

ገብርኤል መልኣኽ ንዮሴፍ የበስር ንማርያም ድማ የበስር። ክልተ ዓይነት ብስራት ሓደ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ከምዘሎ ነስተውዕል። ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብቲ ዘርኢ ሰብ ካብ ሓጢኣት ኣብ ዘድሕን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መደብ ተልእኾ ሱታፌ። ኣቦን ሓላውን። ንሕና እውን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ አብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ (ምዕ,4, 13.16-18.22) ንሕና እውን ኣብ ኢየሱስን ብእምነትን ብጸጋን ወረስቲ እግዚኣብሔር ኢና። እዚ እዩ እውነተይና ናጽነትና። ነጻነትና ኣብ ዝደሓኑ ምዃን እዩ ዝቐውም፡ ምእንቲ’ዚ ከም ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ መደብ ኣምላኽ ኣሜን ምባል የድሊ።

ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ንዮሴፍ ጻድቕ ሰብ እንክብል ይገልጾ። ብቋንቋ ቅዱስ መጽሓፍ ጻድቕ ዝብል ቃል ትኽክለይናን ሰናይ ብመንፈስ ማለት ዘይኰነስ እሙን ማለት እዩ፡ ስለዚህ ጽድቂ ዮሴፍ ንእግዚኣብሔር እሙን ኣብ ምዃኑ ዝጸንዔ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ እተነጽር ዝደረስዋ “Redemptoris Custos - ሓላዊ መድሕን” ኣብ እትሰምየት ናይ ዕለት 15 ነሓሴ 1989 ዓ.ም. ሓዋርያዊት መልእኽቶም ቅዱስ ዮሴፍ ሓላው መድሕንን ቅድስቲ ስድራ ቤትን እንክብሉ ዝገልጽዎ በዚ ምኽንያት እዩ።

መቄዶኒያ ናይ ቅዱስ ናኡምን ቅዱስ ቀለመንጦስ በዓል ኦክሪዳን ካልኦት ቅዱሳት ብፍላይ ድማ እቶም ቅዱሳት ሓለውቲ ኤውሮጳ ቀርሎስን መጠዶስን ናይ እዋንና ናይታ ለምዘበን ቅድስና ዝእወጀላ እናቴ ብፅዕቲ ተረዛ ዘካልኩታ ሃገር እያ። እዚ ድማ እታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መቄዶኒያ ዘለዋ ሓላፍነት ዓቢይ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ቢሎም ኣብታ ሃገር ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንኢዶም ኣብቲ ዓንዲ መሰረት ዝዀነ ክርቶስ ቆይማን ኣብ ናይ ሓዋርያት እምነት ጸኒዓን ናይ መቄዶኒያን ሕዝባን ኣስተንፍሶ መሰረት ክትኸውን ድማ ተማሕጺኖም ዘስምዕዎ ስብከት እንከጠቓልሉ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መቄዶኒያ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ሰብ ንገላቲያ ኣብ ምዕ. 6, 9 “ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልክይ ከመይ ተስፋ እንተዘይቈረጽና እዋኑ ምስ በጽሐ ክንዕደይ ኢና” ዝብሎ ከምእትኸውን እምንት ኣሎኒ። ሓሳብናን ምንዮትናን ኩሉ እቲ እንዘርኦ ቃል ኣምላኽ ባኺኑ ከይተርፍ ነቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሓላዊ ንዝዀነ ቅዱስ ዮሴፍን ንልበ ማርያምን ነወክፍ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.