2016-03-15 16:37:00

ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ጸብጻብ ዛዕባ ቅዱስ ዓመተ ምሕረት


ዕለት 14 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ምሕረት ዓመት ኣወሃሃዲ ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላን ኣብ ከተማ ሮማ ናይ መንግስቲ ኢጣሊያ ህየንተ ፍራንኮ ጋብሬሊ ናይ ምሕረት ዓመት ካብ ዝብገስ ኣብ ዝሓለፉ 100 መዓልታት ዝምልከት ጸብጻብ ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ኣመልኪቶም።

ኣብ ዝሓለፉ ሚእቲ መዓልታት ብጠቕላላ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ኣስታት ሰለስተ ሚሊዮን ዝግመቱ ምእመናን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙን ብፍላይ ኣብ ዝቕጽል ሰሙነ ሕማማት ናብ ሮም ዝነግድ ብዝሒ መንፈዊ ነጋዶ ክብ ዝብል ምዃኑን ኣብ በዓለ ፋሲካን ከምኡ እውን ሰንበት በዓለ መለኰታዊ ምሕረት ልዕሊ 150 ሽሕ ዝግመቱ መእመናን ክሳተፉ ዝብል ግምት እውን ከምዘሎ ኣብቲ ዝተሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳትፉ ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ከምዝሓበሩ ኦንዳርዛ ኣፍሊጦም።

ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ፥ ብቅዱስ በሪ ንምሕላ ኣብ ከባቢ ጐደና ኰንቺሊያዚዮነ ዝተረኽበ ሕዝቢ ብዙሕ ምዃኑን ክጽልዩን ቅዱስ መስቀልን ቅዱሳት ምስልታት ተሰኪሞምን ኣምሪሖምን እናጸለዩ ናብ ቅዱስ በሪ ክነግዱ ክትርእይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ምሕረት ዓመት ስለምንታይ ከምዝኣወጁ ተስተውዕል እንክብሉ ንከተማ ሮማ ናይ መንግስቲ ኢጣሊያ ህየንተ ፍራንኮ ጋብሪኤሊ ብወገኖም፥ ናይ ምሕረት ዓመት ክዛዘም 250

ማዕልታት ከምዝተርፎን ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ናይ ምሕረተ ዓመት ክብገስ ዝተሓንጸጸ መደብ ሓለዋ ጸጥታን ድሕነትን ቀጻሊ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ሮማ ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ብግብኡ ንምእንጋድ እተካይዶ ስራሕ ብሓቂ ዝነኣድ እዩ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብዝሒ መንፈሳዊ ነጋዶ ክብ ይብል ኣሎ ከምዝበሉ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።

ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ኣብተn ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከባ ጳጳሳውያን ባዚሊካታት ብዘሎ ቅዱሳት በሪ ንምሕላፍን ቅዱሳት መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምብጻሕን ንምስላምን ቃል ተናዞ እምነትን ጸሎተ ሃይማኖት ንኽደግሙን እምንቶም ንኽሕድሱን ዝውሕዙ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምጽንናዕ እምነት ዝቕበሉ መንፈሳውያን ነጋዶ ብዝሒ ንገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኦንዳርዛ ገሊጾም።     








All the contents on this site are copyrighted ©.