2016-03-12 16:06:00

ኣባ ካንታላመሳ፤ ወንጌላዊ ኣምር ዛዕባ መርዓን ስድራ ቤትን ምዕቃብ


ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ሮማዊት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ምሕደራ ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ዘሳትፍ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ እመ መድሃኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ዘቕረብዎ ራብዓይ ስብከት ዓቢይ ጾም “ዛዕባ መርዓን ስድራ ቤትን ዝምልከት ካብቲ ተባዕትን ኣንስት ጾታ ዝብል ናይ ሰብኣዊ ጾታውነት መለለዪ ባህርይ ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ስነ ጾታዊ ትምህርቲ ዘስዕቦ ዘሎ ጾታዊ ምዝባዓት ዝኣመሰለ አተሓሳስባ ዘተኣታትዎ ዘሎ ጸገማት ብብቕዓት ንምፍታሕ ወንጌላዊ ኣምር ዛዕባ መርዓን ስድራ ቤትን ምዕቃብ ግድን” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምንባሩ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ኣስዒበን፡ እቲ ራብዓይ ስብክት ኣብ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Gaudium et Spes-ሓሴትን ተስፋን ኣብ ዝብል ሃምነናዊ ውሳኔ ተወኪሶም ናይ መርዓ ቃል ኪዳዊ ትእሳሮት ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይት ዝኽወን ኰይኑ ሱታፌ ዘመልክትን ኣብቲ እግዚኣብሔር ሓደን ስላሴን ካብ ምዃኑ ብዝምጭው ኣርኣያን ኣምሳልን ምፍጣሮምን እቲ ዘለዎም ሓደኣውን ፍልልይን ኣብ ጾታዊ መንነታዊ ምዃኖም ዝቖመ ምዃኑ ከምዝተንተኑ ከምዝበሊ ኣመልኪተን።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብሃምነናዊ ውሳኔኡ ኣቢሉ ዘነጸሮ ወንጌላዊ ጾታውን መርዓን ስድራ ቤትን ኣምር ምዕቃብን እዚ ኣምር’ዚ ድማ ብመገዲ ዘተ ምብራህን ምሕባርን ይግባእ። ስለዚህ ሴፋት ስሒልካ ነዚ ኣምር ምክልኻል ዘይኰነስ ናይቲ ኣምር ውበቱን ውህበቱን ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ቃል ኣምላኽን ተመርኲይዝካ ብምቕራብ ዘለዎ መለኰታዊ መደብ ኣስተውዒልካ ምግላጽ የድሊ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያንን ጓሶትን ኣብ ርኽበት እቲ ውበትን ውህበት ከተኵሩ ይግባእ።

ናብቲ ካባኻ ዝተፈልየ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎ ርህው ምዃን ናብቲ ካባኻ ዝተፈልየን ቀረባን ገዛእ ርእስኻ ክፉት ምግባር የድሊ፡ ፍጥረትን ሰብኣዊ ፍጥረትን ብባህርዮም ንእግዚኣብሔ ክፉታት ኣያቶም። ስለዚህ እቲ ንኻልእ ክፉት ምዃንና ኣብቲ ንእግዚኣብሔር ክፉታት ምዃንና ዝተመስረተ እዩ፡ ቃል ኪዳን መርዓ ናይ ትሕትና ምልክት እውን እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ጽግዕተይና ምዃንካ ምስትውዓል ማለት ክኸውን እንከሎ፡ ጽግዕተይናነት ድማ ፍጡር ናይ ምዃን ኩነት እዩ፡ ከም ለማኒን ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ‘ኣነ ንገዛእ ርእሰይ እኹል ኣይኰንኵን። ንስኻ ተድልየኒ ኢኻ’ ምባል ማለት እዩ።

ኣብ ናይ ኢየሱስ ወንጌል ብዛዕባ ፍጥረት ዝምልከት ሓሳብን ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ምፍጣር ጽማሬን ዝጥርንፍ እዩ፡ ክልቲኣቶም ብኣርአያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥሩ እያቶም። እዚ ድማ ትእሳሮትን ሓደኣውነትን ዘስምዕ ክኸውን እንከሎ እዚ ባህርይ’ዚ ድማ ኣብ ናይ ሱታፌ ሕይወት ዘዋህድን ሓደ ኣካል ዝገብርን ብዙሑን ተባዝሑን ዝብል ጸዋዕታ ዘጠቃልል እዩ። እዚ መርዓ ይበሃል። ስለዚህ እግዚኣብሔ ብህላዌኡ ነቲ ሓደ ዝገብር መርዓ ዘይብተኽን ነባርን ተኣማንን ይገብሮ ከምዝበሉ ቸራዞ ሓቢረ።

ነዚ መለኮታዊ መደብ’ዚ ከደብኑን ክሓኩን ኣጸለምቲ ባህልታት ትማሊ ዝነበሩን ሎሚ እውን ዘለዉን እያቶም ነዚ ኣጸላሚ ባህሊ እንብድሆ ብምውጋዝ ዝኣመሰሉ መገድታት ዘይኰነስ ብዘተን ናይ ገዛእ ርእስኻ ጌጋታት ኣውን ብትሕትና ተቐቢልካን ኣፍልጦ ሂብካን ምሕባር የድሊ፡ ስለዚህ መርዓ ናይ ፍቕሪ ሱታፊ እዩ፡ ናይ ክልተ ሕጹያት ፍቕራዊ ሱታፌ እዩ፡ እዚ ድማ ንሕይወት ክፉት ምዃን ዝብል እዩ። እቲ ናይ እግዚኣብሒር ኣርኣያን ኣምሳልን ኰይንካ ምፍጣርካ ኩነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት እዩ።

ኩላትና ከምእንፈልጦ ኣብዚ እዋን’ዚ ዛዕባ ጸታዊ ፍልልያት ካብቲ ተባዕትን ኣንስትን ዝብል ባህርያዊ ፍልልይ ወጻኢ ሓድሽ ሶውራዊ ጾታ ብዝብል ኣተሓሳስባ እቲ ተባዕትን ኣንስትን ዝብል ጾታ ኩሉ ዘጠቓልል ዘይኰነስ እንታይ ደኣ ከም ሓደ ክፍሊ ዝሓስብ ካልኦት ወዲ ወዶን ሰበይታይን ኣብ ዝብሉ ዓይነት ቃላት ዝቖሙ ዝፍጠሩ ዓይነት ጾታ ዝሕብር ትምህርቲ ይሰፍሕ ኣሎ፡ ተባዕትን ኣስንስትን ካልእ ዓይነት ዝተፈላለዩ ጾታታት ብመርዓ ዝቐውም ቃል ኪዳን መሰረት ምርዑዋት ሰብ ቃል ኪዳ ብሩካቤ ስጋ ኣቢሎም ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ናይ ብዙሑ ተባዝሑ መደብ ሰበይቲ ብዘይ ቃል ኪዳናዊ ሩካቤ ስጋ ብዕደ ጥበብ ብዝተራቀ መገዲ ክትጸንስ ዝገበር ዝሰፍሕ ዘሎ ባህልን ጽንሕ ቢልና እውን ይብሉ ኣባ ካንታላሜሳ ኣዳም ንሄዋን ወለደ ክንሰምዕ ኢና፡ እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ጥንቲ ዝግለጽ ዝነበረ ሃብሪስ ዝብል ቃል ማለት ትዕቢት ፍጥረት ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ዘስምዕ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ገሊጸን።

ኣብ መንጐ ክልተ፥ ሰብኣይን ሰበይትን ዝፍጠር ፍቕሪ ብመርዓ መገዲ ክግለጽን ክንበርን ናይ እግዚኣብሔር ብርቱዕ ድላይ እዩ። ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጐ ኣብን ወልድን ናይ ውህደት ምኽንያት ዝዀውን እቲ ብዙሕ ቀዳማይ ኣካል ማለት እቲ ንሕና መለኰታውያን ዘይኰነስ ንሕና መለኰት ዘስምዕ ሓሳብ ናይቲ መርዓ ባህርይ መግለጺ እዩ። ብዘይ ብቀት ግዚያውነት ዘይኰነስ ብቐጻልነት ምሉእ ሕድ ሕዳዊ ምውህሃብ ዝንበረሉ እዩ።

ጸዋዕታ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ህያባት ዝግለጸሉን ዝንበርሉን እዩ፡ እዚ ድማ ብምስጢረ ተክሊል ድዩ ብውፉይ ሕይወት ይንበር። እዞም ክልተ ጸዋዕታ ዝደጋገፉን ሕድ ሕዳዊ ምትህንናጽ ዝንበረሎምን እያቶም እንክብሉ ዘቕረብዎ ራብዓ ስብከት ዓቢይ ጾም ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.