2016-03-11 14:54:00

ሰንበት ዘቅድስት ዘጾም ፵ መጋቢት 4- 2008 ዓ.ም. (3/13/2016)


ንባባት፡ሮሜ 10፡8-13፥ ያዕ 1፡13-22፥ ግ.ሓ.10፡17-30፥ሉቃ 4፡1-13.   ስብከት፡ “እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ” “እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ” መዝ። 96፡5።

መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበት ነኽብር” እናበለ ሕይወትና ምስ አምላኽን ሰብን ክህልዎን ክሕዞን ዝግብኦ መገዲ የዘኻኽረና። ጉዳይ ሰማይ ተነቃፊ ብቐሊል ዘይመልክዑ ክነልብሶ ስለ እንኽእል ዓቢ ምስትውዓል ከም ዘድልየና የዘኻኽረና። ንአምላኽ ክነገልግል፥ ሰበኽቲ ወንጌል ክንከውን፥ አብ ሕይወትና ቅድስና ለቢስና ክነብር፥ ካብ ኩሉ ዝጓነፈና ፈተና በርቲዕና እምነትና ክነጽንዕ፥ ኵሉ ጊዜ ዕጡቓትን ስንድዋትን ኮና ሕይወትና ክንመርሕ፥ መወዳእታና ምስ አምላኽ ምንባር ምኻና ክነስተውዕል፥ ንብጻይና ከም ርእስና እናፍቀርና ክነብር፥ ብዕለተ ሰንበት አብ መአዲ ክርስቶስ ተሳተፍቲ ኮና ክንከውን ከምዘሎና ዘዘኻክር ፍሉይ መዝሙር ኢና ዘሚርና።

አብ ጊዜ ጾም ፵ ፍሉይ ጸሎት አስተንትኖ ተጋድሎ ክንገብር ቤተ ክርስትያን ተዘኻኽረና። ጾም ፵ “ቅድስት” እውን ይብሃል እዩ። እዚ እዋን እዋን ንስሓን ዕርቅን ሕድገት ኃጢአትን እዩ፥ አብ አምላኽ ተመሊስና ፍቕሩን ጸግኡን ክነስተማቕር አብ መንጎና ንዘሎ ጸገም ምእንቲ አምላኽ ኢልና ክንሓድግ ከምኡ መገዲ አምላኽ ክንሕዝ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን እዩ። ጾምና ፍረ ክህልዎ ናይ ብሓቂ አብ ናይ ብሕታዊ ሕይወትና አቲና ነቲ ካብ አምላኽን ጸግኡን ፈልዩና ዘሎ አለሊና አብ ጻህያይ ኃጢአትና ክንአቱ እሞ ጸጸት ኃጢአትና ገርና እሙናት ደቂ ክርስቶስ ክንከውን ዝዕድምና ፍሉይ ናይ ጸጋን ምሕረትን ጊዜ እዩ እሞ ክንዕወት ንጽዋዕ አሎና።

መጀመርያ ሰንበት ጾም ብብሩህ ተስፋን ሓጎስን ኢና እንጅምሮ ዘሎና። ንባባትና ዘዘኻኽሩና ፍሉይ ሓሳባት ከም እምነት፥ ድሕነትን፥ ዓወት አብ ልዕሊ ኃጢአትን ክንገብር ይነግሩና። ነዚ ብግቡእ ክንርእዮ እንተ ኸአልና ንአምላኽ ከም እነመስግን ይገብረና ንወለድናን ቅድመና ንዝነብሩ ዝገበሮ ብምርአይ ነመስግኖ ንአና ከአ ከምኦም ምሕረቱን ጸግኡን ከውርደልና ንልምኖ።  

ጉዕዞ ጾምና ንሾምንተ ሰናብቲ ኮይኑ ንምስጢረ ትንሣኤ ብዳግም ክነብሮ ዝሕግዘናን ዕድል ዝኸፍተልናን፥ አብ ሓዲስ ሕይወትን አብ ግርማ ትንሣኤ ክንሳተፍ ዘኽእለና፥ ዝተሓደሰ ሕይወት ለቢስና ቅዱሳን ክንከውን ባብ አምላኽ ከፊቱ ፍሉይ ኩነት ዝፈጥረልና ቅዱስ ጊዜ እዩ።

አብ መልእክቲ ጳውሎስ ንሰብ ሮማ አሕጽር አቢሉ ብዛዕባ እቲ አምላኽ ብሙሴ ገሩ ንህዝበ እግዚአብሔር ካብ ባርነት ግብጽ ከመይ ገሩ ከም ዘውጽኦም ድሕሪ ምግላጽ እዚ ናይ ነፍስወከፍና ጉዕዞ ድሕነት ከም ዘዘኻኽረና ይገልጽ። አብዚ ግዜ ጾም አብ ጉዕዞ ድሕነት ርእስናን ኵኖ እዚ ኸአ አብኡ ተስፋ ገርና ክንቅጽል የዘኻኽረና። እምነት ደራኺ ሓይሊ ኮይኑ ንጉዕዞ ሕይወትና ብተስፋን ብጽንዓትን ከም እንጉዓዝ ይገብረና። ሎሚ ዘሎና ዕጫ አብ ኢየሱስ ክንምለስ እዩ።

እዋኑ ነጻነት ካብ ግዝአት ኃጢአትን ባርነት ሰይጣንን ዝእውጅ እዩ። እስራኤላውያን አብ ትሕቲ ባርነት ግብጺ እንከለዉ ከም ዘጉሃዮ እሞ ብሙሴ አገልጋሊኡ ገሩ ነጻ ከም ዝገበሮም ሎሚ ንአይን ንአኻትኩምን ካብ ዝኾነ ኃጢአትን አብ ዓለም ዝርከብ ካብ አምላኽ ፈልዩ አብ ጽልእን ቅርሕንትን፥ አብ ግላውን ሓበራውን ኃጢአት አውዲቑ ገሪዙ ሒዙና ካብ ዘሎ ኩሉ ነጻ ክገብረና ብቤተ ክርስትያኑ ብጥዑያት አሕዋትና አብዚ ጊዜ ጾም ፵ ይነግረና አሎ። ጣዕሚ ነጻነት ክንስተማቕር፥ ደቂ አምላኽ አሕዋት ክርስቶስ ከም ዝኾና ዘኪርና አብ አምላኽ ክንምለስ ንሕተት አሎና። አምላኽ ብሓቂ ናይ ነፍሲ ወከፍና መልሲ ይደሊ አሎ። ሕይወትና ርክባትና አተሓሳስባና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ንሕተት አሎና። ደፊርና ነቲ ድኹም ሥጋና ስዒርና መልስና ንሃቦ።

አብ መድኅና ዝኾነ ክርስቶስ ክንምለስ ክንሰግሮ ዘሎና ነገራት አሎና።

ግብርናን እምነትናን ሓደ ክኸውን አለዎ። ቅ. ያዕቆብ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ” (2:17)። ጾም መሰረቱ ግብርና ምስቲ እንአምኖ ክጉዓዝ ንማለት እዩ። ነዚ ክንገብር ሥጋና አይ ምለኽን ስለ ዝብለና ብርቱዕ ጸሎትን ተጋድሎን የድልየና። ብግዳማዊ መንገዲ መንገዲ አምላኽ ብስም ሓዝና አይንጸድቕን ኢና። ንአምላኽ ክንቅሽሾ አይክአልን እዩ። “ሰብ ብልቡ አሚኑ ይጸድቕ ብአፉ መስኪሩውን ይድኅን”።
ንጻዊዕት አምላኽ ክንሰምዕ ይግብአና። ጾም ጻውዒት እዩ መልሲ ዝደሊ ጻውዒት። ጸማም እዝኒ ክንህብ አይግባእን። ካብቲ ወዲቕናዮ ዘሎና ኃጢአት ክንቅይር ንዝሓትት ዘሎ አምላኽ “ሕራይ” ክብሎ ሎሚ እዋኑ እዩ። ንመጸዋዕታ አምላኽ ዘይሰምዕ ሰብ መጨረሽታኡ ጥፍአትን ሞትን እዩ። ዓመት ዓመት ክንጸውም እንከሎና ክንገብሮ ዝግብአና ንአምላኽ ሰሚዕና አብ ሰላምን ፍቕርን ሕድገትን ክንምለስ እዩ።
ኵልና ክንድኅን ጽዉዓት ኢና። ካብ ምሕረት አምላኽ ዝተገለለ ሰብ የለን። አብ መአዲ ምሕረት አምላኽ ክንሳተፍ ኵልና አእጃምና ክነበርክት ድላይ አምላኽ እዩ። ድሕነት ነፍሲ ወከፍና ከሰክፈና ይግባእ። ንሓውናን ሓፍትና አፍደገ ሰማይ ከይንዓጽወሎም ዓቢ ልቦናን ምስትውዓልን የድልየና። ደቂ ቃኤል አይ ኮናንን ደቂ ክርስቶስ ኢና ድሕነት አሕዋትና ከሰክፈና ይግባእ።
ዓመት ምሕረት ፍሉይ መልእኽቲ ንኹልና ዝኸውን አልኦ። “ከምቲ ሰማያዊ አቦኹም ምሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ኩኑ” ዝብል ቃል መምህርና አሰሩ ስዒብና ንምሕረት ሓውናን ሓፍትናን ክንቀዳደም ይግብአና። ጾም መግለጺኡ ፍቕሪ ክርአ እንከሎ ፍቕር ዘይተሓወሶ ጾም ግዳማዊ እዩ፥ ፍቕሪ ኸአ ንምሕረት ትዕድም ስለዚ አብ መንጎና ዝርከብ ርክብ ፍቕሪ ዝበዝሖ ክኸውን ናይ ኩልና ተሳትፎ የድሊ።

ዘሎናዮ ዘመን ሓደ ካብቲ መለለይኡ እምብአር ከምቲ አብ ወንጌል ዘንበብናዮ ፈተና ዝበዝሖ እዩ። Oscar Wilde ዝተባህለ ወዲ አየርላንድ “ንኹሉ ክከላኸል እኽእል እየ ፈተና ግን አይክልእን” ይብል። ዘመና ሰባት ብቐሊል ፈተና ተፈቲኖም አብ ዓዘቕቲ ኃጢአት ተዋሒጦም ዝነብሩሉ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ሓደ ካብቲ ከም መምርሒ ተወሲዱ ንብዙሓት አብ ኃጢአት ከም ዝነብሩ ዝገብሮም ዘሎ “ክትግብሮ ጽቡቕ እንተ ተሰመዓካ ግበሮ፥ ኩሉ ነገር ክሳብ ዘይጎድአካ ግበሮ” ዝብል መምርሒ ብዝያዳ ንመንእሰያት አብ ጌጋ ከምዝኑብሩ ገሩ ዘሎ እዩ። ብዙሓት ልቦም ብሰይጣን ተመሊኹ ዓለምና አብ ክፍአትን ጥልመትን ቅትለትን ተሸሚማ ዕለት ዕለት እንሰምዖ ዘሎና ጉዳይ እዩ።

ፈተና ብርእሱ ክንርእዮ ከሎና ክፉእ አይኮነን። ከም መርመራ እዩ፥ ምስ ወደቕና አበርቲዕና ክንሰርሕ ከምዘሎና ንምሃር፥ ምስ ሓለፍና ንአምላኽ ነመስግን ብዝያዳ ጽቡቕ ክንገብር ከአ ንጽዕር። ቅዱስ ጳውሎስ ንፉዓት ተዋጋእቲ ክንከውን ይነግረና። ዝዋጋእ ዝቃለስ ይዕወት እዩ እንተ ሞተ እውን ንመሰሉ ንፍትሕን ሓቅን ኢሉ ስለ ዝመውት ሞቱ ዋጋ አልኦ። አብ ሕይወትና ምሩኻት ሰይጣን ከይንኸውን እሞ ንርእስናን ወገናን ከይነዋርድ ዕድል አይንሃቦ። ብጸሎትን ትሕትና ዕርዲ ሓቂ ለቢስና ንቅድሚት ንክርስቶስ መራሒና ንርአ ሽዑ ነገራት ብኻልእ ክንርእዮም ክንክእል ኢና።

ሰይጣን ኵሉ ጊዜ ድኹም ጎንና ርእዩ ከም ጽቡቕ አቕሪቡ እዩ ዘጥቅዓና። ክፉእ ነገር ጽቡቕ ተጎልቢቡ እዩ ዝመጽአና ሽዑ ብቐሊል ንማረኽ። ውሑዳት ሰባት እዮም ንኽፉእ ክፉእ ምዃኑ እናፈለጡ አብ ክፍአት ዝወድቁ፥ ብዙሓት ዘይ ኩሉ ዝገብሮ እዩ፥ እዚስ ንእሽቶይ ነገር እዩ፥ ብዙሓ ጉድአት የብሉን እናተባህለ አብ ዝዓበየ ኃጢአት ይወድቑ። ሰይጣን ከአ በብንእሾቶይ ኩነታትና ርእዩ በብቕሩብ አብ ዝዓበየ ክንወድቕ ይመርሓና በዚ ምኽንያት እዩ ኢየሱስ ጠምዩ ምስረአዮ “ወዲ አምላኽ እንተ ዄንካስ እስከ እዚ እምኒ እዚ እንገራ ኽከውን አዝዞ” ኢሉ ዝፈተኖ። ሰይጣን ከውድቐና ዝኽእል ዕድል አየሕልፋን እዩ። ኢየሱስ ንሰይጣን ዕድል አይ ሃቦን። ንሕና እውን ንሰይጣን ዕድል ክንከልኦ እንከሎና አይዕወትን እዩ። እቲ ጸገም ኢድና ሂብና ልኡኻቱ ክንከውን ከሎና እዩ።

ንሰይጣን አብዚ እዋን ይኹን አብ ሕይወትና ዝኾነ ዕድል ክንህቦ አይግባአና። ኵሉ ጎደናታት ሕይወትና ክንዓጹ ክንሕሉ ይግባእ። አብ ጉዕዞ ሕይወትና “ጎደና ተዓጽዩ እዩ፥ ኵሉ ትሑዝ እዩ” ዝብል አብ ልብና ገርና ንሰይጣን ዕድል አይንሃቦ። ሰይጣን አብ ጥርሑ ዝጸንሐ ልቢ፥ ክፉት ሕይወት ዝኾነ ዝአትዎ ምስ ረኸበ ማኅደሩ ክገብሮ ድሕር አይብልን እዩ። ጊዜ ጾም ንሰይጣን ልብና ክንዓጽወሉ እንጓየየሉ ጊዜ እዩ። ልበይ ሕልናይ ንሰይጣንን ንኽፉእ ግብሩን ዓጽየዮ ዘሎኹ ንበል። ካብቲ ብዙሕ ክዕጾ ዘለዎ ጎደናታት፥ ጎደናታት ጥመትን ጽምኢ ንኃጢአትን፥ ጎደና ሕሱር ህቡብነት፥ ሓሳዊ ክብሪ፥ ትዕቢትን አንነትን። እዚኦም ኩሎም ንመንፈሳዊ ዕብየትና አደስኪሎም ይቐትልዎ ሽዑ ንድሕነትና አፍደገ ይዓጽዉልና።

ቅ. ጳውሎስ ከም ዝጽሕፎ “አፅዋር ውግእና ድማ ጽኑዕ ዕርድታት ዜፍርስ መለኮታዊ ኃይሊ ዘለዎ አፅዋር እዩ እምበር ሥጋዊ አይኮነን ንዝከራኸረና ንረትዖ” (2ቆሮ 10፡4) ይብል። አብዚ እዋን ጾምና ፍረ ዘልኦ ክኸውን አብ ውሽጡ ሒዝዎ ክጉዓዝ ዘለዎ፥ ብርቱዕ እምነት አብ አምላኽ ክህልወና፥ ጸሎት፥ ቅንዕና፥ ጽቡቕ ግብሪን ቃል አምላኽን መዓልታዊ ስንቅና ክኸውን ይግባእ። ናይ እዚ ምኽንያት ከአ “ውግእና አንጻር ሥጋናን ደምን አይ ኮነን፥ ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ሥልጣንን ምስቶም ንዘመን ጸልማት ዜመኃድሩ ገዛእቲ ዓለምን ምስቶም ክፉአት መናፍስትን አብ ሰማይ ዘለዉ እዩ እምበር ምስ ሰብ አይኮነን” (ኤፈ 6፡10-12)። ልዕሊ ኹሉ መንፈ ስቅዱስ ናይ ኩሉ ነገርና ዋና ክኸውን ክነፍቅድ አብ ትሕቲኡ ኮና ክንምሃር ይግብአና።

አብዚ ጊዜ ጾም አብ ክእለትናን ዓቕምናን ተአማሚና ክንጉዓዝ አየዓውተናን እዩ፥ ምኽንያቱ ክንወድቕ ክንጋገ ንኽእል ኢና። እቲ ፈቃር ዝኾነ አምላኽ ከምቲ ንቀዳሞት ብእምነት ወለድና ዝኾኑ ዝሓገዘ ሎሚ እውን ንሕና ብምሉእ ልብና እንተ ቐረብናዮ ክሕግዘና ፍቓዱ እዩ። ስለዚ ምስ መዘምር ዳዊት ኮና ብዘይ ምቍራጽ “ኦ ጎይታይ አብ እዋን ጸበባይ ምሳይ ኩን” (መዝ. 18፡6) ንበሎ።

ቅዱስ ጾም ንስሓን ዕርቅን ዘውርድ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.