2016-03-10 16:19:00

ኣብ የመን ዝተቐትላ ገዳማውያን ናይቲ ዓቢይ ፍቕሪ ዘርኢ እያተን


ኣብ ኢጣሊያ ናይቲ ብእናቴ ብፅዕቲ ተረዛ ዘካልኵታ ዝተመሥረተ ማሕበር ደናግል ርህራሄ ሓለቓ እናቴ ስይረነ ኣብ የመን ከተማ ኣደን ኣብ ዝርከብ መእለዪ ስንኩላን ማእከል ዘገልግላ ዝነበራ ኣባላት ማሕበር ደናግል ርህራሄ ዕለት 4 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ምስ ካልኦት 12 ሰባት ከምእተቐትላን ካብኣተን ናይተን ደናግል ኣብ ኣደን ሓለቓ እናቴ ሰልይ ብሕይወት ክተርፋ እንከለዋ፡ ኣባል ማሕበር ሳልሳውያን ኣባ ቶም በቶም ጅሃዳውያን ከምእተጨውዩን ናበይ ከምእተወስዱ እውን ክሳብ ሕጂ ዝይፍሉጥ ነገር እውን ክኸውን እንከሎ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ኣዚዩ ዘሕዝን ግብረ ሽበራ ኣመልኪተን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እተን ኣብ 1998 ዓ.ም. ኣብ የመን ዝተቐላ ሰለስተ ደናግል ደቂ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ዘኪረን፡ ማሕበረን ነዚ ናይ ሓዘን ጠንቂ ኩነት ብጸሎትን ብጽንታ ቃል ኣማኽን ፍቓዱን ይነብሮ ምህላዉ ገሊጸን። ሓዘን ዘስዓበ እውን እንተዀነ እቲ ዝፈሰሰ ደም ሰማዕትነት ዘርኢ ንሓድሽ ሕይወትን ንምስፋሕ ዓቢይ ፍቕርን እዩ ብዝብል ተስፋ ይንበር ኣሎ።

ከም ደናግል ፍቕሪ ሕይወትና ንእግዚኣብሔር ዘወፈናን ነቶም ኣዚዮም ድኻታት ዝዀኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝወፈና ኢና። እናቴ ተረዛ ከምዝብልኦ እቶም ድኻታት ንኣና ኢየሱስ ኢያቶም፡ እቲ ዝሳቐይ የዕይንቶም ናይቲ ዝነብርዎ ስቓይ ተምሳል የዕይንቲ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ እቲ ኣብ ኣካሉ ዝወረደ ስቓይ እዩ። ኣብ መስቀል ኰይኑ ጸሚኤ ፍቕሪ ጸማእኩ ዝብል ድኻታት እውን ኢየሱሳውያን እያቶም፡ ስለዚህ እተን ዝተሰውኣ ደናግል ሕይወተን ዘወፈያ እያተን ኔረን። ኣብ ኣደን ከትርፈን ዝኸኣለ ተወፋይነተን እዩ። ብትሕትናን ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ብጸሎትን ጽሞናን ምስ ድኻታት ምእንቲ ድኻታት ዝነብራ እያተን። ብነኣሽቱ ነገራት ዝግለጽ ፍቕሪ ብዕለታዊ ሕይወተን ዝነብራ፡ ኣብ ትሕቲ መስቀል ምንባር ዝገልጽ ሕይወት ዝቃልሓ፡ ኩሉ ከምዝፈልጦ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ የመን ደብዳባ ተለዓዒሉ እዩ። እዚ ኵሉ እናረአያ ሕይወተን ንሓደጋ ዝተቓልዔ ምንባሩ ዝፈልጣ እውን እንተዀና ብሓይሊ መስቀል ዝተቐባላ እያተን። ናተን ተሓባበርቲ ዓለማውያን ምስኣተን ዝተቐትሉ ሓላፍነት ስድራ ዝነበሮም እውን ሰማዕታት እያቶም ምስ በላ ቅዱስ ኣቦን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 6 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ሰማዕትነት ናይተን ደናግል ዘኪሮም እዮም ሰማዕታት ናይቲ ዘይተገዳስነት ዝነብር ዓለም እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ሓቂ እዩ፡ ሎሚ ናይቲ እናረኣየን እናሰምዐን ርእዩ ከምዘይረኣየን ሰሚዑ ከምዘይሰዔን ምንባር ዝመርጽ ዓለም ዘኽፍሎ ዘሎ ሰማዕትነት እዩ። እናቴ ተረዛ ዘይተገዳስነትን ዘይምግዳስን እቲ ንዘርኢ ሰብ ዘሳቕይ ግብረ እከይ እዩ ዝብልኦ ከምዝነበራ እዩ። ምሕረት ዝብል ቃል ብቛንቋ ላቲን ልቢ ዝብል ቃል ዘጠቓልል እዩ። ስለዚህ እተን ዝተቕትላ ደናግል ልበን እየን ዝተወቕዓ። ዘይምግዳስ ሰብኣዊ ውሳጠና ዝቐትል እዩ። ምሕረት ግና ንልቢ ሕያው ይገብር። ፈውሲ ንዝደመየ ልቢ ምሕረት እዩ። ንዝዀነ ይዅን መጥቃዕትን ዓመጽን ዘይምግዳስን መልሱ ምሕረት እዩ። ስለዚህ መልሱ ልቢ እዩ። ምሕረት ናይ ልቢ ሕቶ እዩ ኢለን።

ምሕረት ዝብል ተግባር ከቢድ እዩ። ምስ እንምሕር ኢና እንመሓር እዚ ድማ ባዕሉ ኢየሱስ ዝበሎ ሓቂ እዩ፡ ዕሽነት ይመስል ይኸውን ግና እቲ ዝዓበየ ጥበብ ንሱ እዩ ኢለም ኣስዒበን ሰማዕትነት ናይ እግዚኣብሔር ዘርእን ምልክታን ህላዌ እዩ። ነኣሽቱ ዘርኢ ፍቕሪ ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና። ናይቲ ማሕበር ደናግል ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ኣብ ቅድስቲ መሬትን ዘገልግላ ምዃነን እውን ገሊጸን። ጐይታ ፍቕሪ ንኸስፍሕ ዝጥቀመሉ ፍጥረታቱ ኢና። ናይቲ ዓቢይ ፍቕሩ ነኣሽቱ መጋበርያ ኢና። ከምቲ እናቴ ተረዛ ዝብልኦ ዝነበራ ቅድስና ዘይልሙድ ነገር ዘይኰነስ ብነኣሽቱ ነገራት በቢ ዝተቐበናዮ ሓላነት ኣቢልና ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እንነብሮ ጸዋዕታ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ምንባር ዕለታዊ ተራ ሕይወት ምስ ኢየሱስ ምንባር እዩ፡ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ድማ እናቴ ብፅዕቲ ተረዛ ተሰንየና እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.